Argentina are heading to the final thanks to two late-game goals. Source: AFP / Thomas Coex Credit: AFP / Thomas Coexክቡራት ሰማዕትና ከመይ ትኾኑ! ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ናብ ፍጻመ ገጹ ኣቕኒዑ ይርከብ። ሰሉስ ስፐይንን ፈረንሳን ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ስፐይን ብዘተኣማምን ክበሃል ዝከኣል 2-0 ተዓዊታ፡ ሽቶታታ ድማ ሚከል ኦያርዛባልን ፔድሮ ፖሮን ኣመዝጊቦመን። ሮቡዕ ኣርጀንቲናን እንግሊዝን ኣብ ዘካየደኦ እቲ ካልኣይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ እንግሊዝ ካልኣይ ክፋል ነዊሕ ከይከደ ብኣንቶኒ ጎርደን ኣቢላ ብዘመዝገበታ ሽቶ ክትመርሕ እንተወዓለት'ኳ ግጥም ክዛዘም 5 ደቒቕ ምስ ተረፎ ብኤንዞ ፈርናንደዝ፣ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ድማ ተቐይሩ ብዝኣተወ ሎውታሮ ማርቲነዝ ኣቢላ ኣርጀንቲና ተኣምራታዊ ዓወት ኣመዝጊባ። መሲ ሒዝካ እንታይ ከይሰኣን ከምዝበሃል ኣብ ክልቲኤን ሽቶታት ነቲ ዕድል ዝፈጠረ ወይ ዝሓገዘ 'ኣሲስት' ዝገበረ መሲ ኔሩ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ'ምበኣር ምስ ተንታኒ ስፖርት ነጋ ወልደጊዮርጊስ ኮይና ነዞም ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ምልስ ኢልና ክነዕልለሎም ኢና። ድሕሪ'ቶም ውጽኢታት ተፈጢሮም ዘለዉ ነቐፌታታትን ግብረመልስታትን'ውን ክንምልከት ኢና።
Published
Updated
By SBS Tigrinya
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS / Tigrinya
Skip to podcast episode content
Share this with family and friends
ክቡራት ሰማዕትና ከመይ ትኾኑ! ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም 2026 ናብ ፍጻመ ገጹ ኣቕኒዑ ይርከብ። ሰሉስ ስፐይንን ፈረንሳን ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ስፐይን ብዘተኣማምን ክበሃል ዝከኣል 2-0 ተዓዊታ፡ ሽቶታታ ድማ ሚከል ኦያርዛባልን ፔድሮ ፖሮን ኣመዝጊቦመን። ሮቡዕ ኣርጀንቲናን እንግሊዝን ኣብ ዘካየደኦ እቲ ካልኣይ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ እንግሊዝ ካልኣይ ክፋል ነዊሕ ከይከደ ብኣንቶኒ ጎርደን ኣቢላ ብዘመዝገበታ ሽቶ ክትመርሕ እንተወዓለት'ኳ ግጥም ክዛዘም 5 ደቒቕ ምስ ተረፎ ብኤንዞ ፈርናንደዝ፣ ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ድማ ተቐይሩ ብዝኣተወ ሎውታሮ ማርቲነዝ ኣቢላ ኣርጀንቲና ተኣምራታዊ ዓወት ኣመዝጊባ። መሲ ሒዝካ እንታይ ከይሰኣን ከምዝበሃል ኣብ ክልቲኤን ሽቶታት ነቲ ዕድል ዝፈጠረ ወይ ዝሓገዘ 'ኣሲስት' ዝገበረ መሲ ኔሩ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ'ምበኣር ምስ ተንታኒ ስፖርት ነጋ ወልደጊዮርጊስ ኮይና ነዞም ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ምልስ ኢልና ክነዕልለሎም ኢና። ድሕሪ'ቶም ውጽኢታት ተፈጢሮም ዘለዉ ነቐፌታታትን ግብረመልስታትን'ውን ክንምልከት ኢና።