ኒውካስትል ዩናይትድ ንቶተንሃም 6-1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ

NEWCASTLE UPON TYNE, ENGLAND - APRIL 23: Alexander Isak of Newcastle United celebrates after scoring the team's fourth goal during the Premier League match between Newcastle United and Tottenham Hotspur at St. James Park on April 23, 2023 in Newcastle upon Tyne, England. (Photo by Clive Brunskill/Getty Images) Credit: Clive Brunskill/Getty Images
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/04/2023) * ማራቶን ለንደን ሰንበት ተኻይዱ ብዓወት ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ተዛዚሙ፣ * ኣብ ዜናታት ቅድድም ብሽግለታ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ኣብ ሊየዥ-ባስቶን-ሊየይዥ ኤርትራዊያን ሄኖክ ምሉእብርሃንን መርሃዊ ቅዱስን ከኣ ኣብ ዙር ኣልፕስ ዝነኣዱ ውጽኢታት ኣመዝጊቦም፣ * ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ጽዑቕ መርመራታቱን ሕክምናዊ ምክታትልን ድሕሪ ምውድኡ ሕውየቱ ክቕጽልን ልምምድ ክጅምርን ናብ ኤርትራ ክኸይድ ፈቓድ ተዋሂቡ፣ * ኣብ ናይ’ዚ ሰሙን ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ንቶተንሃም 6-1 ዘሕፍር ስዕረት ኣሰኪማ ናይ ሳልሳይ ተርታ ቦትኣ ከተደልድል እንከላ ንፕሪምየር ሊግ ትመርሖ ዘላ ኣርሴናል ግን ንሳልሳይ ግዜኣ ኣከታቲላ ማዕረ ድሕሪ ምውጽኣ ማንቸስተር ሲቲ ክልተ ግጥማት ውሑዳት ተጻዊታ ክንሳ ፍልልያ ጸቢቡ ዝያዳ ረብሓ ረኺባ፣ ሮቡዕ ዝካየድ ግጥም ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጋንታታት ከኣ ኣዝዩ ወሳኒ ክኸውን’ዩ፣
Share