ዝተረጋግአን ህድእ ዝበለ ህይወት ንምሕላፍ፡ ኣብጥቓ ባሕሪ ወይ ኣብ ጣሻ ምንባር ናይ ብዙሓት ብጥሮታ ዝወጹ ኣብ ኣውስትራልያ ሕልሚዩ። ። ኮቪድ-19 ንብዙሓት ሰባት ንውሳነኦም ዘቀላጠፈ ኩነት እዩ ዝመስል ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ ABS ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ካብ ዋና ከተማታት ናብ ገጠራት ንምንባር ዝኸዱ ጽሩይ ኣታውን ወጻእን ብዝሒ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ብዘይተራእየ መጠን ፡ ናይ 11,000 ሰባት ምጉዳል ኣርእዩ ። ካብ ከተማታት ወጺእኩም ናብ ርሑቕ ገጠራት ምንባር መደብ እንተለኩም ኽትሓስብሉ ዝግባኣኩም ገለ ነጥብታት እንሆ ።
Share





