ዕዳጋ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣውስትራልያ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቦም። መሸጣታታት ካልኣይ ኢድ ወይ ዘገልገላ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን (EVs) ድማ ብተመሳሳሊ ብናህሪ ወሲኾም። ገለ ሰብ መካይን’ውን ንህቡባት ናይ ቀደም ቅዲ (ክላሲክ) መካይኖም ናብ ኤሌክትሪክ ይቕይርወን ኣለዉ።
SBS News Podcasts ጠዊቕኩም ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ስምዑን ዝለዓለ ቆላሕታ ዝሰሓቡ ኣርእስታት ተኸታተሉን።
ቅዳሕ (TRANSCRIPT):
ኣብ ሓደ መንበሪ ከባቢ ሲድኒ ዝርከብ ጋራጅ፣ ክኢላ ሕክምና ኣድሪያን ኮሀን ንሓንቲ ዝተሓደሰት መኪና ፋሕፊሑ የልምጻ’ሎ።
"ህይወታ ከም ሓንቲ ናይ 1990 መርሰድስ-በንዝ ጂ240ዲ’ያ ጀሚራ። እዚኤን መካይን ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት‘ንከለዋ ዘ ዎልፍ (ተኹላ) ዝብል ሳጓ ኔርወን። ከበድቲ ነገራት ክገጥማ’የን ቅዲ ወጺኡለን ዝተሰርሓ።"
ዶክተር ኮሀን ብተወሳኺ ክልተ ሓደስቲ ናይ ኤሌክትሪክ መካይንን ሓንቲ Vespa ዝዓይነታ ብኤሌክትሪካዊ ትሰርሕን ይውንን - ግን እታ ዝተሓደሰት ሃገራት ተቋርጽ መኪና ጀርመን ‘በይና ዝዓይነታ’ያ’ ይብል።
"ምስ’ዛ ዎልፍ መኪናና ዘድማዕናዮ ብጣዕሚ ዘኹርዓኒ’ዩ። ሓደ ሓሳብ ሃልዩካ ህይወት ለቢሱ ክትርእዮ ልዑል ሓጎስ’ዩ ዝፈጥረልካ። ሓደ ካልእ ሰብ ኣብ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ዘይሰርሖ ክህልወካ’ንከሎ።"
ዶክተር ኮሀን ንብድሆታት ጋሻ ኣይኮነን።
ከም ሓደ ክኢላ ህጹጽ ሕክምና፣ ምስ ገለ ካብ’ቶም ኣብ ዓለም ዝዓበዩ ቀጥታዊ ምርኢታት ቴሌቪዥን ኮይኑ መላእ ዓለም ይጓዓዝ።
ነዛ ዎልፍ ምቕያራ ግን ግዜ ወሲዱ’ዩ ይብል።
"ካብ ዝጅመር ክሳብ ዝውዳእ፣ እዚ መደብ ቁሩብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ወሲዱ፣ ከባቢ $200,000 ድማ ወዲኡ። ሕጂ እዚ ብዙሕ’ዩ፣ ግን ነብሲ ወከፍ ቱቦ፣ ገመድ ኤሌክትሪክ፣ መተሓላለፊ፣ ጎማ ክትቅይሮ ዘድልየካ’ዩ።"
እታ መኪና ኣብ ሓደ ኣብ ኦውበርን፣ ሲድኒ፣ ዝርከብ፣ ዋና ኣካያዲ ትካል ምውዕዋዕ ብዝነበረ፣ ኒክ ካሚንስ ዝተመስረተ፣ Electrogusto ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤተዕዮ’ያ እቲ ምቅይያር ተገይሩላ።
"30 ዓመታት ኣብ ስራሓት ምውዕዋዕን መሸጣታትን የሕሊፈዮ፣ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ግን ይፈቱ’የ። ሓደ ነገር ክትስንድዎ ወይ ክትሕጉፎ ዘይኮነ ከተዐርዮ ኣብ ዝህልወካ ናይ ጸባ ሕርሻ’የ ዓብየ፣ ኣረግቶት መካይንን ሞተር ብሽግለታትን ይፈቱ’የ። ናይ ቀደም መካይን ዝፈትዉ ሰባት ኩሉ ዓይነት ቅርጽታትን መጠናትን ዘለዎም’ዮም። ሓንቲ ክትዝውር’ንከለኻ፣ ብዙሓት ዓሽ ይብሉኻ፣ ዓባይቶም ንላዕሊ እናመልከቱን ኢዶም እናወዛወዙን።"
ኣብ ባይታ ናይ’ቲ ቤተዕዮኡ፣ ኢንጂነራት፣ ንሓንቲ መስመስ ትብል ሰማያዊት ፖርሽ ዝዓይነታ ወሲኽካ - ሸውዓተ መካይን ደጊሞም ይሃንጽወን ኣለዉ።
"እዚኣ ምናልባት እታ ኣዝያ ዝኸበረት መኪና ኣብ’ዚ ኣዳራሽ ዘላትና’ያ። ኣዝያ ጠለብ ዘለዋን ተሃራፊትን’ያ፣ 356 Porsche ። እዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ መስርሕ’ዩ። ኩሎም’ቶም ካልኦት ክፋላት ናይ’ታ መኪና ከም’ቲ ዝድለ ክኾኑ ከምዘለዎም ከነረጋግጽ ኣለና። ስለ’ዚ ፍሬኖታት፣ መዘወሪ (ስቲሪንግ)፣ ሳስፐንሽን፣ ኩሎም’ዞም ከም’ዚኦም ነገራት ብዙሕ ግዜ ክሕደሱ ወይ ክትክኡ ዘለዎም’ዩ። ስለ’ዚ መተካእታ ኣካላት ካብ ደገ ክንደሊ ኣለና ማለት’ዩ።"
ካብ’ቶም ብዙሓት ብርቂ ትሕዝቶታት፣ ሚስተር ካሚንስ ንንግዲ መግቢ ኢሉ ዝቕይራ ዘሎ ሮዛ ሕብሪ ዝተቐብአት ሓንቲ መግቢ ፈረንሳ ተመላልስ ዕጽውቲ መኪና’ያ።
"ሓድሽ ህይወታ ከም ብኤሌክትሪክ ትሰርሕ መኪና ናብ መርዓታትን ውራያትን ምኻድን ካብ ንእሽቶ ብጎድና ዝተኸፍተላ መስኮት ኣይስ ክሪምን ጀላቶን ምቕራብን’ዩ።"
ንሱ ሓንቲ 1967 KOMBI ዝዓይነታ ንቀስ ኢልካ ዝካየድ ዑደታት ኣብ ውሽጢ ጀርዲን ወይኒ ተባሂላ ኣገልግሎታ ትቕየር ኣላ ይብል።
"ዓርሞሸሽ ዝኾነ ባተሪ የእቲናላ። ቀልጢፉ ዝመልእ ኤሌክትሪክ ዲሲ’ውን ኣለዋ። ነዚኣ ክትዝውራ’ንከለኻ ብዙሓት ሰባት ብሓጎስ ኢዶም የወዛውዙልካን ዓባይቶም ንላዕሊ የመልክቱልካን። ኩሉ ሰብ፣ ኩሉ ሰብ ኮምቢ ይፈቱ’ዩ።"
ዘይርጉጽነት ብዛዕባ ናይ ነዊሕ እዋን ቀረብ ዝኣቱ ነዳዲ ኣብ ዝሃለወሉ፣ ሸየጥቲ ዝያዳ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ዘገልገላ ናይ ኤሌክትሪክ መካይናት (ኢቪስ) ቁጽሪ መሸጣታት ይውስኹ’ለዉ ይብሉ።
ብሬንደን ግሪን ዋና ኣካያዲ Automotive Solutions ኣብ Pickles Auctions ኣብ ሲድኒ’ዩ።
"ዝለዓለ ኣትኩሮ ኣብ ዘገልገላ መካይን ኤሌክትሪክ ኣብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ ክሳብ ግንቦት’ውን ከይተረፈ ርኢና። ብዙሓት ካብ’ቶም ደቂ 31 ክሳብ 40 ዝዓመቶም ምስ ዕድጊ ለቓሕ ኣባይቶም ወይ ሞርጌጆም ዝተሓሓዝ መኽሰብ ዝጽበዩ’ዮም፣ መጠናት ወለድ ወሲኾም፣ ወጻኢታት ናብራ ንምቕናስ ትርጉም ዘለዎም ኣገባባት ክወስዱ የማዕድዉ’ለዉ። ብሓፈሽኡ፣ ዕዳጋ ዘገልገላ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ከከም’ቲ ዝተፈላለየ ዓይነተን ኣብ መላእ ወርሒ መጋቢት ብፍላይ ብከባቢ 20-30% ዘሊሉ።"
መሸጣታት ሓደስቲ ናይ ኤሌክትሪክ መኪናታት’ውን ካብ ዝሓለፈ እዋን ናብ ዝለዓለ መጠኑ ደይቡ’ዩ - ክብረወሰን ዝኾነ 16.4% ካብ’ቲ ድምር ዕዳጋ ሓደስቲ መካይን።
ሚስተር ግሪን እቲ ጠለብ ክረጋጋእ ትጽቢት ይገብር፣ ግን ንሕጂ ሓደስቲ ጠለባት እናቐጸሉ’ዮም።
"ሸየጥቲ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ምናልባት ሕጂ ኣብ ጽቡቕ ኣንፈት ከምዘለዉ ይፈልጡ። ዝርዝር ተጸበይቲ ኣሎ. . . ዝያዳ ሃይብሪድ ዝዓይነተን ስድራ መካይን ክንርኢ ኢና ኢለ’የ ዝሓስብ። ስለ’ዚ ብናፍታ (ዲዘል) ትሰርሕ መኪና ከድልየኩም ይኽእል፣ ወይ ሓንቲ ኤስዩቪ ወይ ሓንቲ ፈኳስ ናይ ስራሕ መኪና፣ ኣብ መገሻታት ሓጋይኩም ንጃልባኹም ወይ ካራቫንኩም ወይ ከምኦም ዓይነት ነገራት ትጎተልኩም። ግን ካልኣይቲ መኪና ምህላው ማለት ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ክኸውን ይኽእል’ዩ።"
ንፈታዊ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ኣድሪያን ኮሀን፣ ካብ ዝኾነ ነዳዲ ምርሓቕ እቲ ዓቢይ ኣካል ናይ’ቲ መስሕብ’ዩ።
"[["ተተካእቲ ጸዓታት መጻኢና ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። ኣብ ገዛኻ ባትሪ ምምላእ ማለት ድሕሪኡ ናብ መዐደሊ ነቑጣ ነዳዲ ፈጺሙ ምኻድ ዘይብሉ ማለት’ዩ። ነዚ ኩሉ ኣብ ቀጽሪ ገዛኻ ምስ’ታ ንከባቢ ብቕዕቲ ክትከውን ምዃና ትፈልጣ መኪና ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።"






