ዋዕላ ጸጥታ ምዕራባዊያን ሃገራት ኣብ ሙኒክ

Emmanuel Macron, Andrzej Duda and Olaf Scholz (AAP)
ካብቲ ሩስያ ንዩክረይን ዝወረረትሉ እዋን ዳርጋ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ ፡ ነዚ ኣመልኪቶም ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃገራትን ኣብ ዋዕላ ጸጥታ ሙኒክ ተራኺቦም ፡ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ቀታሊ ውግእ ዘወግድ ስጕምትታት ተመያይጦም ። ዝሓለፈ ዓመት እቶም መራሕቲ ፡ ናይ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ግጭት ከይቅጽሎ ተማሕጺኖም ነይሮም ፣ ሕጂ ድማ ፕረዚደንት ዩክረይን ፡ እቲ ዝቕጽል ኣኼባ ጸጥታ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ክበጽሕ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ ።
Share