ብኣግኡ ሓበሬታን መጠንቀቕታን ብምልኣኽ ሞትን ሓደጋ መካይንን ክቕንስ ዝኽእል ሓድሽ ቴክኖሎጂ ኣብ ተግባር ክውዕል ይሕሰብ

smart transportation with Motorway intersection Source: Moment RF / dowell/Getty Images
ሓድሽ ምዕቡል/ስማርት ቴክኖሎጂ ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ድሕነት መንገዲ ዘመሓይሽ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ክትግበር’ዩ። እዚ መሳርሒ ናብ መራሕቲ መካይንን ተነቀፍቲ ወይ ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ከም በዓል እግረኛታትን ሰብ ብሽግለታን ዝኣመሰሉ ተጠቀምቲ መንገዲን ቀጥታውን ቅልጡፍን መልእኽቲ ከቀባብል ክሰርሕ ወይ ክሕግዝዩ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣውስትራልያ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ምስ መንገዲ ዝተሓሓዙ ሞታት ኣብ ትርእየሉ ዘላ እዋን’ዩ።
Share