“ብመሰረቱ፡ እቲ ብሻዕብያን ጀብሃን ምትእኽኻብ ዝበሃል ዉዱባዊ እምበር ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኣይኮነን።”(ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ በየነ ገረዝግሄር)

Source: Beyene Ghebregziabher
“እቲ ሻዕቢያን ጀብሃን ዝበሃል ኣተሓሳስባ ብረታዊ ኣተሓሳስባን ናይ ኲናት ኣተሓሳስባን እዩ።” ኣብ ወጻኢ ካብዝነብሩ ገለ ኤርትራዊያን፡ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ንምምስራት ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ኣለዉ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዓባ’ቲ ተሓሲቡ ዘሎ ምምስራት መንግስቲ ን ኣቶ ሳልሕ ጆሃር ጋዲ ኣዘራሪብናዮ ኔርና። ነቲ ቃለ መሕትት ስዒቡ ብዙሓት መንእሰያት ተቓዉሞኦም ክገልጹ ቀንዮም። ካብቶም ነዚ ሓሳብ ዝነጸግዎ ኣብ ትሕቲ ምንቅስቓስ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ዝጥርነፉ መንእሰያት’ዮም። በዚ ምኽንያት ን ኣቦ መምበር ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቶ በየነ ገረዝግሄር ኣዛሪብናዮ ኣለና። ቀዳማይ ክፋሉ ኣብዚ ኣቕሪብናዮ ኣለና።
Share