ጾምን ስፖርተኛታትን፣ ውዕሎ ማራቶናት ሶል፣ ኬፕ ታውንን ኢዝሚርን፣ መንእሰያት ደቀንስትዮ ኢትዮጵያን ውዕሎ ዙር ቱርኪን

Qhubeka team

Source: ProtouchAfrica

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (18/04/2022) * ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ሞስነት ገረመው ኣብ ማራቶን ሶል፣ እንዳለ በላቸው ኣብ ኬፕታውንን ለተብርሃን ሃይላይ ኣብ ቱርኪን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ፕረዚደንታዊ ዙር ቱርኪ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ካብ ዝለዓሉ 10 ተቐዳደምቲ ብምዃን ውድድሩ ፈጺሙ፣ * ኣብ ቀዳማይ እግሪ ሳልሳይ ዙርያ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ኩ’እግሪ ፊፋ ት17 መንእሰያት ደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ንደቡብ ኣፍሪቃ ብገፊሕ 3-0 ስዒራ ጸብለልታ ሒዛ፣ * ኣብ ሃይማኖታውያን ጾማት ዝሓሸ ኣፍልጦን መረዳእታን እናመጸ ብምኻዱን ሕቶታት ንመሰላት ውሁዳን ሕብረተሰባት ጸቕጥታት ብምሕዳሮምን ረመዳንን ካልኦት እዋናት ጾምን መለክዒ ምዕባለ ለውጢ ኣብ ስፖርት ኮይኖም።



Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now