“ዑደት ዓመጽ ደው ይበል፡ እወታዊ መርኣይ ኩን!” (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ )

Domestic Violence Source: Pixabay / ALC
"ኣወዳት ኣወዳት ምዃኖም ኣይተርፎምን እዮ" ወይ "ደሓንዩ፡ ስለ ዝፈትወኪ ጥራይ እዩ ገይርዎ" ዝብል ሓረጋት ኣብ ልዕሊ ኣዋልድ ወይ ኣንስቲ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ወይ ዘነኣእስ ጠባያት ብተደጋጋሚ ሰሚዕናዮ ንኸውን ። ክኢላታት ከም ዝገልጽዎ ፡ እዚ ሓረጋት እዚ ዋላ እኳ ዘይጐዳኢ እንተ መሰለ ፡ ንሕና ግና ከይፈለጥና ፡ ኣወዳት ጸቐጥቲ ክኾኑ ባህርያዊ ከምዝኾነን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጸብለል ክብሉ ሓላል ምዃኑ ኢና ንቕበልን ነተባብዕን ዘለና።
Share