ኢትዮጵያን ግብጽን ንእማመ ሱዳን ስለዝነጸግኦ ብሰንበት ዝተጀመረ ዝርርብ ዛዕባ ግድብ ህዳሴ ከም ዝተበተነ ተገሊጹ።(ሓጸርቲ ዜናታት ቀርኒ ኣፍሪቃ)

Source: AAP
ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ተኣፋፊ ከምዘሎ ናይ ዉሕሃ ኣውሃሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት (UNOCHA) ኣፍሊጡ። መንግቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እታ ሃገር ስጉምቲ ክውሰድ ዝገበሩ እዮም ኢሉ ዝጠርጠሮም ኣመራርሓ ህወሓት ከም ዝቐየደ ኣፍሊጡ። ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ዓለም ካብ ኣዲስ ኢትዮጵያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝዛወር ተፈሊጡ። ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ኣህጉራዊ ስምምዕ ናጻ ንግዲ ዝዛመዱ መሓዋራቱ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጋና ከም ዘዛወረ ኣፍሊጡ።
Share