ሮቦታት ዘጽንዑ ክኢላታት ኮምፒውተርን ኤሌክትሮኒክስን ነቲ ናይ ‘ሓባር ብልሓቶም’ የድንቕዎን ይብህግዎን፡ ክኢላታት ስነፍልጠት፡ ከባቢ፡ ህንደሳ፡ ወዘተ ሳዕሪን ዕንጸይትን ናብ ‘ጸዓት’ ናይ ምቕያር ክእለቶም የገርሞምን የቕንኦምን። እዚ ብልሓቶምን ክእለቶምን ደቂሰባት ክፍጽምዎ ወይ’ውን ክበጽሕዎ ይኽእሉ’ዶ ዝብል እቲ ብሓደ ወገን ዝቐርብ ሕቶ’ዩ። በቲ ኻልእ ግን ብውሑዱ ፍርቂ ዝኾኑ ካብ’ቶም ብዛዕባ ፍልሖ ዝወጹ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከመይ ጌርካ ትቐትሎም ዝብሉ’ዮም። ሳይንስ ግን ጸኒሑ እቲ ፍሉይን ተኣምራውን ስርሖምን ጥቕሞምን እናፈለጦ ይመጽእ ኣሎ።
Share






