ብሰንኪ ግብረ ሽበራ ብደረጃ ዓለም ዝስዕብ ሞት ብተኸታታሊ ንካልኣይ ዓመቱ ከምዝጎደለ ተፈሊጡ። ብሓደ ናይ ኣውስትራሊያ ጉጅለ መጽናዕቲ The Global Terrorism Index (GTI), ዝተኣከበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ካብቲ ኣብ 2014 ብሰንኪ ግብረ ሽበራ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ዝነበረ ብዝሒ ሞት ብ22 ሚእታዊ ጎዲሉ ተረኺቡ ኣሎ። እንተኾነ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲታት ዝወርደን ሃገራት ብዝሐን ወሲኹ ኣሎ።
እቲ ኣብ ሲድኒ ዝመደበሩ ትካል ተበግሶ ንቑጠባን ሰላምን ኣብቲ ዓለማዊ መጽናዕቱ ብዛዕባ ግብረሽበራ ከምዝገለጾ ናይ163 ሃገራት 99 ነጥቢ 7 ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዘየቓለለ መጽናዕቲዩ ገይሩ።
ስተፈን ኪለላ ናይቲ ትካል መስራትን ቀንዲ ሓላፊን እዩ።
ንሱ ን S-B-S ከምዝገለጸሉ፡ እቲ መጽናዕቲ ጽልዋ ግብረ ሽበራ ብዓለም ደረጃ፡ ዞባዊን ክልላዊን ንምርዳእ ክጠቅምዩ።
ዓለማዊ ኢንደክስ ግብረሽበራ ምህላው ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኩነታት ኣጽኒዕካ ግብረሽበራ ዘለዎ ጽልዋ ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ። ሕጂ ስታትስቲካዊ መበገሲ መሰረት ስለዘለካ እቲ ዓይነታት ምስተን ልዑል ደረጃ ግብረ ሽበራ ዘለወን ሃገራት ንምንጽጻር ይሕግዝ።
እቲ መጽናዕቲ ከምዝረኸቦ ኣብ 2016 እተን ብግብረ ሽበራ ኣዚየን ዝተጸልዋ ሃገራት ሶርያ፡ ፓኪስታን፡ ኣፍጋኒስታንን ናይጀሪያን እየን።
እንተኾነ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን እንተኾነውን፥ ብሰንኪ ግብረሽበራ ዝሰዓበ መጠን ሞት ብ 33 ሚእታዊ ጎዲሉ እዩ፡ተረኺቡ።
ሚስተር ኪለላከምዝብሎ እቲ ምጉዳል መጠን ሞት ኣብዘን ሃገራት ዝተራእየ፡ እዞም ጉጅለታት ኣሸበርቲ ምሉእ ሓይሎም ኣብቲ ናይተን ዝተጠቕሳ ሃገራት ወተሃደራት ስለዝቕነዐ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኩነታት ድማ እቶም ኣሸበርቲ ስለተሳዕሩ እዩ።
እቲ ዝለዓለ ምጉዳል ሞት ብግብረ ሽበራ ዝተራእየ ኣብ ናይጀሪያ ኮይኑ፡ 80 ሚእታዊ ምጉዳል እዩ ኣርእዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ቦኮሓራም ስለተዳኸመ እዩ። እዚ ድማ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብልዕሊቲ ኣሸበራኢ ስለተወስደ እዩ። ናይ ኣፍጋኒስታን እንተሪኢና፡ ጣሊባን ስሪሒቱ ብቕሩብ ናብ ሰራዊት እታ ሃገርዩ ኣቕኒዑ፡ ኣብተመሳሳሊ ዓመት እምበኣር ኣብ ዓውደ ኩናት ዝኽሰት ሞት ከምዝዓበየ ሪኢና።
እንተኾነ ኣብዘን ሃገራት ስግ ኣት ግብረ ሽበራ እንተጎደለ እኳ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ካብቀደም ብዝዛየደ ጸገም ኣንጸላሊዩወንዩ’።
ሚስተር ኪለላከምዝገልጾ እዞም ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣብ መበቆል ዓዶም ምስተሳዕሩ እቶም ኣብቲ ጉጅለታት ዝነበሩ ተቓለስቲ ናብ ካልእ ሃገር ከም ናይ ብዉልቂ መጥቃዕቲ 'lone-wolf' የካይዱ.
ኣብ 2016 ቁጽሪ ብግብረሽበራ ዝጽገማ ሃገራት በዚሐን ኣለዋ። ኣብዚ እዋን 77 ሃገራት ብዉሑድ ብግብረ ሽበራ ናይ ሓደ ሰብ ይሞተን። እዚ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ክነጻጸር ከሎ 65 ሃገራት እየን ነይረን በዚ መጠን ዝትንከፋ። ብኸፊል ምኽንያት ናይዚ ኩነታት፡ ISIL, ነንሕድሕዱ ክበታተኽ ስለዝጀመረን ተቓለስቱ ናብ ካልእ ሃገራት ፋሕ ክብሉ ስለዝጀመሩን ዘይምርግጋእ ስለዝስዕብን እዩ። እዚ ንባዕሉ ጨናፍር ይውስኽ ኢዩ።
ብፍላይ ፈረንሳ እታ መወዳእታ መዕረፊት ናይ ኣሸበርቲ መጥቃዕቲ እያ።
ናይ ፈረንሳ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ዉሽጢ ከምዘመልክቶ ካብ ፈለማ ሕዳር 2015 ጀሚሩ 5 ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲታት ተፈጺሞም ኣብቲ መጥቃዕቲ 92 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ናይታ ሃገር ፓርላማ ሓደ ጸረ ሽበራ ሕጊ ኣጽዲቑ። ንሱ ድማ ስልጣን ምክትታል ናይ ፖሊስ ብምድልዳል ነቶም ኣብ መሳጊድ ናይ ጽል ኢ ስብከት ዝሰብኩ ብቐራባ ም ዕዛብ እዩ።
እንተኾነ ናይ ፈረንሳ ትካል ኣህራዊ ዝምድና ግብረሽበራ ኪኢላ , Marc Hecker ከምዝብሎ ትምህርቲታት ሕሉፋት ብቐሊሉ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ክሰፍሕ ስለዝኽእል ሰብ መዚነዚ ኩነታት ክቆጻጸርዎ ክኸብዶም እዩ።
ሕሉፋት ኣብ ዓቢ መርበብ ብኸቢድ ሓጹርን ዕንቅፋትን ስለተጸምዱ፡ ከም ናይ ተለግራም ኣፕሊኬሺን ዝበሉ መራኸቢታት ክጥቀሙ ተገዲዶም እዮም። ሰብ መዚ ነዚ ንምክትታል ኣጸጊምዎም እዩ።
እቲ መጽናዕቲ ከምዘረጋጝጾ ዝሓለፈ ዓመት ካብ 77 ሃገራት 2 ካብ ነፍሲወከፍ ሰለስተ ሃገራት ብግብረ ሽበራ ናይ ሓደ ሰብ ቅትለት የጋጥመን።
እዚ ኣብዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብዝተራእየ ዝበዝሐ ፍጻመ ሞት ብግብረ ሽበራ እዩ።
እንተኾነ ኣብ ኣውስትራሊያ ካብቲ ክኸውን ዝተሓስበ እቲ ብግብሪ ዝተፈጸም መጥቃዕቲ ሽበራ ፈሺሉ እዩ።
ሚስተር ኪለላ ከምዝብሎ ኣውስትራሊያናይ ርሑቕ፡ ጽቡቕ ናይ ዶብ ፖሊሲን ኣድማዒ ሸረ ስለያ ሓይሊታት ተደማሚሮም ሓጊዞማ ኢዮም።
ካብ 2014 ክሳብ 2016, ካብ 23 መጥቃዕትታት 9 ሞት የራእዩ። እንተኾነ ተሓሲቡ ዝነበረ 14 መጥቃዕቲታት ብፖሊስ ፈሺሉ እዩ። ስለዚ ብደረጃ ዓለም ክጥመት ከሎዚ ጽቡቕ እዩ። ናይ 2016 ዓለማዊ ደረጃ 30 ሚእታዊ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኣውስትራሊያ 40 ሚእታዊ ዝተሓስበ መጥቃዕቲ ብምፍሻላ ዕዉት ስራሕ እያ ሰሪሓ። ስለዚ ዉህደት ናይ ርሑቕ፥ ጽቡቕ ናይ ሓለዋ ዶብ ፖሊሲን ንሕና ድማ ኣብ ደሴት ንነብርን ኣድማዒ ሸረ ስለያ ሓይሊን ስለዘለና ዕዉታት ክንከውን ኣኺሉና እዩ።






