Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE starting June 12 2026

ኤውሮጳን ኤስያን ሙቐት ተለብሊበን፣ ውድብ ሜትዮሮጂ ዓለም ግን 'እዚ'ዩ እቲ ማዕበል ሙቐት' ይብል

Photo of temperature (Photo by Mario Fourmy-ABACAPRESS.COM).jpg

ውድብ ሜቲዮሮሎጂ ዓለም ዘውጽኦ ሓደ ጸብጻብ ዝመጹ ሓሙሽተ ዓመታት ንግሎባዊ መዛግብቲ መጠን ሙቐት ክሓማሽሹ ምዃኖም ልዑል ተኽእሎ'ሎ ክብል ደምዲሙ። እዞም ሓደስቲ ትንበያታት ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዑል ትርኽእሎ ዝተቐላጠፈ ምውዓይ ኣብ መላእ 2030 ክህሉ ይእምቱ፡ መሬት እቲ ክብረወሰን ዝወዓየ ተባሂሉ ዝተመዝገበላ ዓመት ዝሓምሸሸትሉን ቀጻሊ ነቲ ኣብ 2015 ንድሕነት ቅቡል'ዩ ተባሂሉ ዝተቐመጠ ደረት ክሊማ ዓለም ሓሊፋ ዝኸደትሉን ኮይኑ'ሎ።


Published

By Deborah Groarke

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS



Share this with family and friends


ውድብ ሜቲዮሮሎጂ ዓለም ዘውጽኦ ሓደ ጸብጻብ ዝመጹ ሓሙሽተ ዓመታት ንግሎባዊ መዛግብቲ መጠን ሙቐት ክሓማሽሹ ምዃኖም ልዑል ተኽእሎ'ሎ ክብል ደምዲሙ። እዞም ሓደስቲ ትንበያታት ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዑል ትርኽእሎ ዝተቐላጠፈ ምውዓይ ኣብ መላእ 2030 ክህሉ ይእምቱ፡ መሬት እቲ ክብረወሰን ዝወዓየ ተባሂሉ ዝተመዝገበላ ዓመት ዝሓምሸሸትሉን ቀጻሊ ነቲ ኣብ 2015 ንድሕነት ቅቡል'ዩ ተባሂሉ ዝተቐመጠ ደረት ክሊማ ዓለም ሓሊፋ ዝኸደትሉን ኮይኑ'ሎ።


SBS News Podcasts ብምጥዋቕ ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ስምዑ፡ እዋናውያን ኣርእስታት ዜና ድማ ተኸታተሉ።

ቅዳሕ (TRANSCRIPT):

ኣብ ኤውሮጳ፡ ሰባት፡ ኣብ'ዚ ድሮ ከም ሓጋይ ኮይኑ ዝስመዓካ መወዳእታ ወቕቲ ጽድያ ብሙቐት ይልብለቡ'ለዉ።

ረይቸል ሃሪስ ኣብ ፈረንሳ ምብጻሕ ትፍጽም ኣላ፡ ክሳብ ሕጂ ዘሐጉስ ተሞክሮ ኣይኮነን ዘሎ ትብል።

"እዚ ፈጺሙ ዘይምችእ'ዩ - ኣብ'ዚ ኩነታት ኣየር ብእግርኻ ክትዛወርን ዓዲ ክትፍትሽን ከቢድ'ዩ።”

ኣህጉር ኤስያ'ውን ማዕበላት ሙቐት ይሓልፉዋ'ለዉ።

ዶክተር ስየዳ ሳምራ ዛዪዲ ኣብ ፓኪስታን፡ ደሴት ባባ ናይ ካራቺ፡ ኣብ ኢንደስ ሆስፒታል ክሊኒክ ሓኪም'ያ።

እታ ደሴት ሓደ ዘመን ዝገበረ ሰፈራ ኣብ ገማግም ባሕሪ ከባቢ 25,000 ሰባት'ያ።

“ብምኽንያት'ዚ ክቱር ሙቐትን ሓርፋፋት ኩነታት ኣየርን ኣብ'ዚ፡ ደቀንስትዮ ማይ ንምምጻእ ጥራይ ነዋሕቲ ርሕቀታት ክጓዓዛ ኣለወን። ብተፈጥሮኡ እዚ ካልኦት ተወሰኽቲ ጸገማት ኣብ ግዜ ጥንሰን ይፈጥረለን፡ ተኽእሎ ሓደጋ ጥዕና ንኣደን ቆልዓን ድማ ይውስኾ። ብዙሓት ህጻናት ሕጽረት መኣዛታት መግቢ ኣጥቂዕዎምን ዘይጥዑያት ኮይኖምን'ዮም ዝውለዱ። ኣብ ገሊኡ ኣብ ዘይግዚኦም ወይ ትሑት ክብደት ሃልይዎም ይውለዱ። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ካብ'ዚኦም ህጻናት ብሕጽረት ደም (ኣነሚያ)፡ ሕጽረት ቫይታሚን ዲን ካልኦት ሕልኽላኻት ጥዕናን ይሳቐዩ።”

ውድብ ሜቲዮሮሎጂ ዓለም ምስ ቤት ጽሕፈት ሜት ዩኬ (Met UK) ብምዃን እዞም ተርእዮታት ዘሰንብዱ ወይ ዝገርሙ ከምዘይኮኑ ዘረጋግጽ ሓደ ጸብጻብ ኣውጺኡ።

መሊሳ ሲብሩክ ሓንቲ ካብ'ቶም ኣዳለውቲ'ቲ ጸብጻብ'ያ።

"እዚ መረጋገጺ ናይ'ቲ ድሮ ኣቐዲምና ፈሊጥናዮ ዝነበርና'ዩ። ክሊማ ይመውቕን ማእከላይ መጠን ግሎባዊ ሙቐት ምውሳኹ ይቕጽልን ከም ዘሎ ኣዝዩ ንጹር ዝኾነ ጭብጢ ኣሎ።"

እቲ ጸብጻብ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝኾኑ 13 ዝተፈላልዩ ሞዴላት ክሊማ ተጠቒሙ ዝረኸቦም ከባቢ 200 ዝተመስርሑ ቀመራት ማእከላይ ገምጋም ረኺቡ ግሎባዊ መጠናት ሙቐት ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ይትንበ።

እቶም ክሊማዊ ትንበያያቶም ልዑል ተኽእሎ ዝያዳ ዝተቐላጠፈ ምውዓይ ክሳብ 2030 ክህሉ የመልክቱ።

ዶክተር ሲብሩክ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ጸኒዑ ክጸንሕ ተኽእሎ ከምዘየለ ዝያዳ ንጹር እናኾነ ይኸይድ ኣሎ ትብል።

"ሓደ ካብ'ዞም ዝመጹ ሓሙሽተ ዓመታት ሓድሽ ክብረወሰን ዝኾነ መጠን ከመዝግብ ኣዝዩ ተኽእሎ'ሎ፡ ናይ 86% ዕድል፡ እቲ ክብረወሰን ዝኾነ ዓመት ኣብ'ዚ እዋን 2024'ዩ። ግሎባዊ ማእከላይ መጠን ሙቐት ድማ ብውሑዱ ኣብ ሓደ ካብ'ቶም ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ 1.5 ዲግሪ ሰንቲግረይድ ክኸይድ ናይ 91% ተኽእሎ'ሎ።"

ኩሉ'ዚ ሳዕቤናት ኣለዎ።

እቲ ውድብ ሜቲዮሮሎጂ ዓለም ኣብ'ቲ ወሳኒ ኣካል ተፈጥሮኣዊ ምክልኻል መሬት ኣንጻር ሰብ-ዝጠንቁ ለውጢ ክሊማ ዝኾነ ኣማዞን ሓደገኛ ዝኾነ ደርቂ ምስ ተኽእሎታት ባርዕ ጫካ ከጋጥሞ ትጽቢት ይገብር።

ዶክተር ሲብሩክ እቲ ኣርክቲክ'ውን ኣብ ከምኡ'ዩ ዘሎ ትብል።

"ሙማቕ ኣርክቲክ ዓቢይ ጽልዋታት ኣብ ስርዓተ ኩነታት ኣየር'ውን ከስዕብ ይኽእል'ዩ። ስለ'ዚ ዝሑላት ኣየራት ኣርክቲክ ከም ሓደ ሽፋን ወይ መከላኸሊ ነቶም ኣብ'ቲ ፖላር ቮርቴክስ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣብ ላዕሊ ዝርከቡ ንፋሳት ክሊ ኣየር ኮይኖም የገልግሉ። እዚኦም ብሙማቕ ኣርክቲክ እንተተዘሪጎም፡ እዚ ንፖላር ቮርቴክስ ክዘርጎ ተኽእሎ'ለዎ፡ ዝያዳ ክቱራት ዝኾኑ ክስተታት ኩነታት ኣየር'ውን ከምጽእ ይኽእል፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜናዊያን ላይቲትዩዳት።”

ዮሃን ሮክስትሮም ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲ ጽልዋ ክሊማ ዝኾነ Potsdam Institute for Climate Impact Research ኣብ ጀርመን'ዩ።

ንሱ ናይ'ዞም ተርእዮታት መጠን ምጽባብ ዓይነት ክህሉ ጸኒሑ'ዩ፡ ክሳብ'ቲ ቅድም ዝሕሰብ ዝነበረ ዝኸፍአ ክኸውን ኣይክእልን'ዩ - ግን ከኣ ክሳብ'ቲ ዝተተስፈውዎ ጽቡቕ'ውን ኣይክኸውንን'ዩ ይብል።

ዶክተር ሲብሩክ ጸብጻብ ውድብ ሜቲዮሮሎጂ ዓለም'ውን ኣብ ተመሳሳሊ መደምደምታ'ዩ በጺሑ ትብል።

ንሳ ነቲ ዝኸፍአ ኣዕናዊ ሳዕቤን ናይ መጻኢ ሙቐት ንድሕሪት ክመልሶ ዝኸኣለ ኣብ ቃልሲ ንምምካት ለውጢ ክሊማ መኽሰባት ኔሮም'ዮም - ግን ከኣ ዝያዳ ዝስራሕ'ውን ክህሉ ግድን'ዩ ትብል።

"ብፍሉይ ተነጺሩ ኣብ'ዚ ጸብጻብ እንተዘይተሸፈነ'ኳ፡ እቲ መጠን ሙማቕ ይቀላጠፍ እንተሃልዩ ኣብ ዝብል ስነፍልጠታዊ ዘተ ኣሎ'ዩ። እቲ ሓደ ኣዝዩ ንጹር ዝኾነ ነገር ግን ህጹጽ ስጉምቲ ክሳብ ዘይተወስደ ግሎባዊ መጠናት ሙቐት ምውሳኾም ክቕጽሉ ምዃኖም'ዩ።"


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now