Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ባንዴራ ደቀባት፡ ታሪኽ፡ ትርጉም፣ ክብርን ኣፍልጦን

Australia Explained – Aboriginal Flag

Children wave the Aboriginal Flag. Source: AFP / STEVEN SAPHORE/AFP

ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ቤት ጽሕፈታት ምምሕዳር ወይ ስፖርታዊ ውራያት፣ ኣብ ጎድኒ ሃገራዊት ባንዴራ (ሰንደቕ ዓላማ) ኣውስትራልያ፣ ቀይሕ፣ ጸሊምን ቢጫን ባንዴራ ክትርእዩ ትኽእሉ። እዚኣ ባንዴራ ደቀባት ወይ ኣቦሪጂናል ባንዴራ እያ። ንደቀባት ህዝብታት ኣውስትራልያን ምትእስሳሮም ምስ መሬት፡ ማሕበረሰብን ዛንታታትን ትውክል።


Published

By Nikyah Hutchings

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS




Share this with family and friends


ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ስራሕ፣ ቤት ጽሕፈታት ምምሕዳር ወይ ስፖርታዊ ውራያት፣ ኣብ ጎድኒ ሃገራዊት ባንዴራ (ሰንደቕ ዓላማ) ኣውስትራልያ፣ ቀይሕ፣ ጸሊምን ቢጫን ባንዴራ ክትርእዩ ትኽእሉ። እዚኣ ባንዴራ ደቀባት ወይ ኣቦሪጂናል ባንዴራ እያ። ንደቀባት ህዝብታት ኣውስትራልያን ምትእስሳሮም ምስ መሬት፡ ማሕበረሰብን ዛንታታትን ትውክል።


Key Points

  • The Aboriginal flag is one of Australia’s three official national flags.
  • The Aboriginal flag was designed in 1971 as a land rights protest flag, becoming an official ‘Flag of Australia’ in 1995.
  • Its black, red and yellow design symbolises Aboriginal people, Country and the sun.
  • The flag has grown from protest symbol to everyday marker of pride, welcome and belonging, and is now freely usable after the “Free the Flag” campaign.

ኣብ ኣውስትራልያ ሰለስተ ወግዓውያን ሃገራውያን ባንዴራታት ኣለዋ:

  • ሃገራዊት ባንዴራ ኣውስትራልያ (The Australian national flag)
  • ባንዴራ ደቀባት (The Aboriginal flag)
  • ባንዴራ ደቂ ደሴታት መጻብቦ ቶረስ (The Torres Strait Islander flag)

ንብዙሓት ደቀባት ህዝብታት፣ እታ ሰንደቕ ዓላማ ካብ ባንዴራ ንላዕሊ'ያ። ኣርማን ዕለታዊ መዘኻኸሪት ሓይሊ፡ ህላወን መንነትን'ያ።

Australia Explained – Aboriginal flag
The Aboriginal flag Credit: Richard I'Anson/Getty Images

መበቆል ባንዴራ ደቀባት እንታይን ካበይን እዩ፧

ባንዴራ ደቀባት ኩሉ ግዜ ዝነበረት ኣይኮነትን። እታ ባንዴራ ቅዲ ዝወጸላ ኣብ 1971 ኮይኑ በቲ ቀዳማይ ደቀባት ምሩቕ ቤት ትምህርቲ ስነጥበብ South Australian School of Art፡ ስነጥበባዊ ተወላዲ ሉሪጃይን ዎምባይን ከምኡ'ውን ተጣባቒ መሰላት ዝኾነ ኣንክል ሃሮልድ ቶማስ'ያ።

ንፈለማ ግዜ ዘንበልበለትሉ ሓምለ 12፡ 1971 ኣብ ሓደ ሰልፊ ተቓውሞ ንመሰላት መሬት፡ ሕጂ ግዚኡ ከምዝሓለፎ ዝቑጸር ኣብ'ቲ እዋን ግን ሃገራዊ መዓልቲ ደቀባት (National Aborigines Day) ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ዝነበረ መዓልቲ'ዩ።

ሓደ ዓመት ድሕሪኡ፡ ኣብ'ቲ ኤምባሲ ቴንዳ ደቀባት (Aboriginal Tent Embassy) ኣብ ካንቤራ፡ ንመሰላት መሬትን መጻኢኻ ባዕልኻ ምውሳንን ትውክል ሓያል ኣርማ ኮይና።

ኣብ 1995 መንግስቲ ኣውስይራልያ፣ ኣብ'ቲ ዓንቀጽ Flags Act 1953፣ ወግዓዊት ‘ባንዴራ ኣውስትራልያ' ኢሉ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሂቡዋ፣ ኣብ ጎድኒ'ታ ሃገራዊት ባንዴራ ኣውስትራልያ ኣቐሚጥዋ።

ትርጉም ባንዴራ ደቀባት እንታይ እዩ፧

እቲ ቅዲ ናታ ቀሊል ግን ከኣ ትርጉም ዘለዎ'ዩ፡ ጸሊም ንደቀባት ህዝብታት፡ ቀይሕ ንሃገርን ምትእስ ሳር ምስ መሬትን፡ ቢጫ ክቢ ድማ ነታ ኣብ ማእከል ህይወት ትርከብ ጸሓይ። 

ተወላዲት ጎመሮይን ትቕልቀል ዘላ ስነጥበባዊትን ጀይድ ብሬናን ኣብ'ታ ባንዴራ እንታይ ከምትርኢ ትገልጽ።

ባንዴራታት መንነት ይውክሉ። ነዚኣ ባንዴራ ክርእያ'ንለኹ፡ ሃገረይ ይርኢ፡ ህዝበይ ይርኢ፡ ነታ ተፈጥሮ ዝኾነት ጸሓይ ይርእያ። ህዝብን መሬትናን ብሓባር ትጠምሮም እታ ጸሓይ'ያ።
Jade Brennan

"ንስከማ ነገር'ያ። መሬትና ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። ክረአ ዘለዎ ነገር'ዩ. . . ባንዴራ ምህላው ብመሰረቱ፡ ከም ሓደ ህዝቢ/ሃገር (ኔሽን)፡ ከም ደቀባት ህዝብታት፡ መን ምዃንና ከምዝረአ ምግባር'ዩ።”

Jade Brennan.jpeg
ጀይድ ብሬናን Credit: Jade Brennan

ነገራት ምስ ግዜ ከመይ ከም ዝቕየሩ ንምርዳእ ካብ ጓል ዎናሩዋ ዝኾነትኣንቲ ሱዛን ኬንዳል ንሰምዕ። ኣብ 1960ታትን 70ታትን ኣብ ዞባዊት ከተማ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኮንዶቦሊን እያ ዓብያ።

እታ ባንዴራ ብሰፊሑ ቅድሚ ምርኣይ ዝነበረት እዋን ትዝክር። ናይ መጀመርታ ዝኽሪ ባንዴራ ኣቦርጅናል ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኣይኮነን። ኣብ ተለቪዥን እዩ ዘሎ።

ብልክዕ እታ ባንዴራ ኣብ ተለቪዥን ኣብ ሓደ ተቓውሞ'የ ርእየያ። ኩሉ ቴሌቪዥን፡ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ'ቲ ሽዕኡ ዝነበረ ግዜ ኣሉታዊ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዞም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ ሰባት እዩ ነይሩ። እዛ ንዓይ ባንዴራ ጀርመን ትመስል ባንዴራ ድማ ኣብኡ ኔራ፡ ልክዕ ባንዴራ ጀርመን ግን ኣይነበረትን። ባንዴራ ደቀባት ዝረኣኹሉ ናይ መጀመርታ ተሞክሮይ እዚ እዩ ነይሩ።

ድሕሪኡ ኣንቲ ሱዛን መምህር ምስ ኮነት፡ እታ ባንዴራ ገና ንቡር ኣካል ህይወት ቤት ትምህርቲ ኣይኮነትን ኔራ።

ኣብ ፈለማ ናይ ምምሃር ተሞክሮይ፡ እዚ ከም ዓይነት ትምህርቲ ኣይወሃብ ኔሩ. . ‘እግሪመንገድኹም ከኣ፡ እዚ እነሀልኩም ሕብሪ ትለኽይዎ፡ ባንዴራ ደቀባት'ዩ። እቶም ሕብርታትን ትርጉሞምን ዝፈልጦም ኣሎ ድዩ፧’ ቀደም ክንድኡ ጥራይ'ዩ ኣስተምህሮ ደቀባት ዝኸይድ ዝነበረ።

ጀይድ እናዓበየት ምስ ከደት፣ ነታ ባንዴራ ብዝያዳ ኣብ ዕለታዊ ህይወታ ኣብ ኩሉ ትርእያ።

እታ ባንዴራ ኣብ ክዳን ወይ ግዝያዊ ውቃጦታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ንርእያ፣ ኣብ መጸራረዪ ክፍልታት ንሸያየጠሉ። መን ምሳኻ’ሎም ምፍላጥ ቅሳነት ዝህብ’ዩ፣ ብፍላይ ኩላትና ዝተፈላለየ ስለንመስል።

ንወለዶኣ፣ እታ ባንዴራ ኣብ ሓደ ሰልፊ ተቓውሞ፣ ወይ ኣብ ቴሌቪዥን ትርእዮ ነገር’ዩ። ገና ኣብ ዕለታዊ ኣውስትራልያ ዝተለምደት ኣካል ኣይኮነትን። ንከም በዓል ጀይድ ዝኣመሰሉ ብዕድመ ንእስ ዝበሉ ደቀባት ህዝብታት እቲ ተሞክሮ ኣዝዩ ዝተፈልየ’ዩ። እታ ባንዴራ ደቀባት ኣብ ኩሉ ዙርይኦም ከቢባቶም’ዮም ዓብዮም። ጀይድ ንእስነታ ኣብ ማትራቪል፣ ምብራቕ ከተማ ሲድኒ’ያ የሕሊፋቶ። ሓንቲ ኣዝያ ብንጹር ትዝክራ ኣብ መንደቕ ዝተሳእለት ቅብኣ ኔራ።

ንፈለማ እዋን መዓስ ኔሩ ኣይዝክሮን’የ፣ ግን ኩሉ ግዜ’ያ ኣብኡ ኔራ። ኣብ’ቲ ዝዓበኹሉ ከባቢ’የ ብብዝሒ ርእየያ፣ ኣብ ማትራቪል፣ ናብ ካጃጋ ክትከይድ’ንከለኻ። ናብ ኣብኡ ዝነበረ ሓደ መዋእለ ህጻናት ይኸይድ ኔረ፣ እዚ ሓደ ዓቢይ ቅብኣ ባንዴራ ደቀባት ወይ ኩሪ ከምዝነበረ ይዝክር። ብጣዕሚ ዓቢይ’ዩ ኔሩ፣ ነታ ንእሽቶ ኣካለይ ብጣዕሚ ዝዕብልላ’ዩ ኔሩ።

Australian and Aboriginal flags
Aboriginal and Australian flags are often flown together. Credit: Jenny Evans/Getty Images

እታ ባንዴራ ኣብ ኩሉ ክትረአ ዝጀመረትሉ መዓስ እዩ ኔሩ፧

ባንዴራ ደቀባት ኣብ 1995 ወግዓዊት ባንዴራ ኣውስትራልያ ምስ ኮነት፣ ኣንቲ ሱዛን ንኣሽቱ ለውጥታት’ያ መጀመርያ ዝተዓዘበት።

ወግዓዊ ምስ ኮነትን እተን ባንዴራታት ከንበልብላ’ንከለዋን፣ ምምሕዳራት እታ ባንዴራ ከተንበልብል ክገብሩ ትዕዘብ፣ እቲ ቤት ትምህርታት ግን ኣየንበልበልኣን፣ ወይ ፖሊስ እታ ባንዴራ ኣይነበረቶምን። ሓንሳብ ትርእያ’ሞ እዚ ደኣ ጽቡቕ ኢልካ ትሓስብ።

ምስ ግዜ፣ እታ ባንዴራ ካብ ሳሕቲ ትረአ ናብ ንቡር (ኖርማል) ተሰጋጊራ።

ኣብ መኪናታት ዝጠብቁ ንኣሽቱ ባንዴራታት ደቀባት ትርኢ። ከምኡ ይፈትዎ’የ፣ ከምኡ ክርኢ ደስ ይብለኒ።
Aunty Susan Kendall

"ኩሉ ይፈልጦ፣ ይቕበልዋ ወይ ዝሕበኑላ እንተኾይኖም፣ ዘገድስ ኣይኮነን። ሕጂ ኣብ ኩሉ’ላ፣ ሕጋዊት’ያ። ባንዴራ ደቀባት’ያ። ንህዝብና ትውክል’ያ።

ንጀይድ ኣብ መእተዊ ናይ ሓደ ህንጻ ነታ ባንዴራ ምርኣይ እቲ ቦታ ከመይ ይስመዓ ይቕይሮ።

ናብ ሓደ ቦታ ክኸይድ እንከለኹ፣ ተቐባልነት ዝረኸብኩ ኮይኑ ክስመዓኒ ይደሊ፣ እታ ባንዴራ ኣብኡ ከምዘላ ፈሊጥካ ማለት’ዩ. . . መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ’ቲ ፈለማ ዝቕበሉኻ ኣብ ቅድሚት ደገ’ያ ትህሉ። ንንኣሽቱ ቀዳሞት ህዝብታት ባንዴራታት ናብ’ቲ ቦታ ብሓጎስ ክቕበልዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።.”

ንክልቲኤን ደቀንስትዮ፣ እታ ባንዴራ ኣብ ህዝባውያን ቦታታት፣ ኣብ ደገ ቤት ትምህርታት፣ ኣብ ድንድላት፣ ኣብ ምረሻታት፣ ኣብ ክዳውንቲን ውቃጦታትን ሃልያ ምርኣይ ድልዱል ምንጪ ሓበንን ምትእስሳርን ኮይና’ላ።

Australia Explained – Aboriginal Flag
The Commonwealth Government acquired copyright and the flag can now legally be applied to clothing. Source: LightRocket / Ye Myo Khant/SOPA Images/Getty Images

ባንዴራ ደቀባት መን'ዩ ወናኒኣ፧

ንብዙሓት ዓመታት፣ ንባንዴራ ደቀባት መን’ዩ ክጥቀመላ ዝኽእል ኣብ ዝብል ሕጋውን ባህልውን ክትዕ ኔሩ’ዩ። ኣንክል ሃሮልድ ቶማስ፣ እቲ ቅዲ ዘውጽኣላ፣ ዋንነት ናይ’ታ ባንዴራ ሒዝዎ’ኔሩ። ምስሊ’ታ ባንዴራ ኣብ ክዳንን ንግዳዊ ሸቐጣትን ትውንኖ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ኩባንያ ወሲኽካ፣ ፈቓድ (ላይሰንስ) ክጥቀሙላ ሂቡ ኔሩ።

እዚ ማለት ገለ ማሕበራትን ማሕበረሰባትን ደቀባት ሕጋዊ ደብዳቤታት ተቐቢሎምን ነታ ባንዴራ ኣብ ክዳን ወይ ምህርታት ፈቓድ ከይረኸቡ ወይ ከይከፈሉ ክጥቀሙላ ከምዘይብሎም ተነጊርዎም።

ከም ግብረመልሲ፣ ደቀባት-ዝመርሕዎ ንግዳዊ ስም ፋሽን ክሎዚንግ ዘ ጋፕስን መሻርኽቶምን እታ ባንዴራ ነጻ ክትከውን ዝጽውዕ ‘ፍሪ ዘ ፍላግ’ ዝብል ጎስጓስ ኣበጊሶም። እታ ባንዴራ ከም ሓደ ናይ ብሕቲ ኣርማ ዘይኮነ ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራውያን ባንዴራታት ክትረአ ኢሎም መንግስታዊ ስጉምቲ ክህሉ ደፋፊኦም።

ድሕሪ ናይ ዓመታት ህዝባዊ ጸቕጢን ጎስጓስን፣ መንግስቲ ኣውስትራልያ (ኮመንዌልዝ ጋቨርንመንት) ኣብ 2022 ዋንነት ናይ’ታ ባንዴራ ካብ ኣንክል ሃሮልድ ቶማስ ረኺብዎ (ገዚእዎ) ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዛ ባንዴራ ደቀባት እምበኣር ሕጂ ንህዝባዊ መዓላ ነጻ’ያ፣ ልክዕ ከም’ታ ባንዴራ ኣውስትራልያ። ሰባት ንንግዳዊ ፈቓድ ከይከፈሉን ብሕጋዊ ስጉምቲ ከይተፈራርሑን ኣብ ክዳን፣ ስነጥበብን ዝሽየጡ ነገራትን ክልጥፍዋ ወይ ከንብርዋ ይኽእሉ።

Australia Explained – Aboriginal Flag
The Aboriginal flag is projected onto the Sydney Opera House on January 26, 2026. Source: Anadolu / Claudio Galdames Alarcon/Getty Images

ምልስ ኢልካ ክረአ’ንከሎ፣ ኣንቲ ሱዛን እታ ባንዴራ ሰባት ደቀባታዊት ኣውስትራልያ (ኣቦሪጂናል ኣውስትራልያ) ከመይ ይርእይዎ ኣብ ምቕያር ሓጊዛ’ያ ትብል። ክስራሕ ዘለዎ ግን ብዙሕ ኣሎ ኢላ ትኣምን።

እዛ ባንዴራ ደቀባት ገለ ትርጉም ኣለዋ። ኩሉ ሰብ ሕጂ ብዛዕባ’ንታይ ምዃና ይፈልጡ’ዮም፣ ንመን ትውክል። ነቲ ባህለ ተሓጎስሉን ተመሃርዎን፣ ብፍላይ ደቀባታዊ ባህሊ፣ ምኽንያቱ ትነብርሉ ዘለኹም ኣብኡ ስለዝኾነ። ተረድእዎ፣ ክትነብርዎ ግድን ኣይኮነን፣ ግን ተረድእዎን ተሓበንሉን - ኣብ’ዚ ምህላውኩምን ተሓበኑ፣ ብናትኩም ባንዴራ ድማ ተሓበኑ።

ሕጂ እታ ባንዴራ ደቀባት ክትርእይዋ’ንከለኹም፣ እንታይ ከምትውክልን ታሪኻን ትፈልጡ ኢኹም። ነዚ ምርዳእ ንኣውስትራልያ ዝያዳ ብዝዓሞቐ ንምርዳኣ ሓደ ስጉምቲ’ዩ።

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now