ቃለ መሕትት ምስ ኣምባሳደር ፍስሃየ ኣብርሃም

Fessehaie Abrahams and his daughter with Hazel Hawke, wife of the then-Prime Minister at the launch of his close friend Fred Hollows' autobiography in 1991 Source: Supplied
እቲ ንትምህርቲ ብስደት ኣብ 1979 ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተወ: ንፍሉጣት ኣውስትራሊያዊያን ፕሮፌሶር ፍረድ ሆሎውስን ቶማስ ከንሊ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳሰረ: ኣብ 1989 ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግምባር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣውስትራሊያ ወግ ዓዊ ምብጻሕ ክገብር ዘጣጠሐ፡ ሓላፊ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ኮይኑ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ህዝቢን መንግስቲን ኣውስትራሊያ ክሳብ 32 ሚሊዮን ዶላር ኣኪቡ ናብ ሜዳ ዝሰደደ ብዙሓት ኤርትራዊያን ብማህደረ ትምህርቲ ናብ ኣውስትራሊያ ኣትዮም ብ ፒ ኤች ዲ፡ ማስተርስን ዲግሪን ንኽመሃሩ ዝሓገዘ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝኾነ ፍሰሃየ ኣብርሃም ናይ 2018 ናይ ፈለማ ጋሻ ኤስ ቢ ኤስ እዩ። ድሕረ ባይታኡን ንሱ ዝሰርሖም ዕዮታት ንምስማዕ ኣብ መስምዒ ድምጺ ጠውቑ።
Share