Messaging apps VKontakte, Twitter, RT News, Facebook, Instagram, Telegram and TikTok Source: Getty / Getty Imagesዓበይቲ ማሕበራዊ መድረኻት ሓፋሽ (ሶሻል ሜድያ ፕላትፎርምስ) ተጠቀምቲ፣ እንተወሓደ ዕድሚኦም 13 ዓመት ክኸውን ይሓቱ፡ እዚ ዕድመ ግን እቲ ዝተሓተ ከም መበገሲ ወይ መለክዒ ክኸውን ዘለዎ ነገር'ዩ ማለት ኣይኮነን። ዝሓለፈ ወርሒ፡ እዚ ናይ ሕጂ ሰርጀን ጀነራል (ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና) ኣሜሪካ ዘሎ ቪቨክ መርቲ፡ 13 ዓመት፣ ሓደ ህጻን መድረኽ ሓፋሽ ንኽጽንበር ኣዝዩ ንእሽቶ'ዩ ይብል። ንሱ ሶሻል ሜድያ ንንኣሽቱ ህጻናት ኣብ "ርእሰ-ተኣማንነቶምን ምስ ካልኦት ዘለዎም/ዝህልዎም ዝምድናን" ሓደጋ ይፈጥር ድሕሪ ምባል "ኣነ፡ ብውልቀይ፡ በቲ ዝረኣኽዎ ኣሃዛት መሰረት፡ 13 ኣዝዩ ንእሽቶ'ዩ ኢለ ይኣምን። ዝተሓዋወሰን ዝተዛብዐን ሃዋህው ሶሻል ሜድያ ንብዙሓት ቆልዑ ሃሳዪ ኣገልግሎት'ዩ ዘለዎ፣" ኢሉ። ስለ'ዚ 13 ኣዝዩ ይንእስ ዶ፧ ንደቆምን ማሕበራዊ መድረኻት ሓፋሽን ኣብ ዝምልከት ወለዲ እንታይ እዮም ክሓስቡ ዘለዎም፧ ዝስዕብ ርእይቶ መምህር ካተሪን ፐይጅ ጀፍሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲዲኒ ኣብ ኤስቢኤስ ዘስፈረቶ'ዩ።
Published
By Catherine Page Jeffery
Presented by SBS Tigrinya
Source: SBS / SBS Tigrinya
Skip to podcast episode contentShare this with family and friends
ዓበይቲ ማሕበራዊ መድረኻት ሓፋሽ (ሶሻል ሜድያ ፕላትፎርምስ) ተጠቀምቲ፣ እንተወሓደ ዕድሚኦም 13 ዓመት ክኸውን ይሓቱ፡ እዚ ዕድመ ግን እቲ ዝተሓተ ከም መበገሲ ወይ መለክዒ ክኸውን ዘለዎ ነገር'ዩ ማለት ኣይኮነን። ዝሓለፈ ወርሒ፡ እዚ ናይ ሕጂ ሰርጀን ጀነራል (ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና) ኣሜሪካ ዘሎ ቪቨክ መርቲ፡ 13 ዓመት፣ ሓደ ህጻን መድረኽ ሓፋሽ ንኽጽንበር ኣዝዩ ንእሽቶ'ዩ ይብል። ንሱ ሶሻል ሜድያ ንንኣሽቱ ህጻናት ኣብ "ርእሰ-ተኣማንነቶምን ምስ ካልኦት ዘለዎም/ዝህልዎም ዝምድናን" ሓደጋ ይፈጥር ድሕሪ ምባል "ኣነ፡ ብውልቀይ፡ በቲ ዝረኣኽዎ ኣሃዛት መሰረት፡ 13 ኣዝዩ ንእሽቶ'ዩ ኢለ ይኣምን። ዝተሓዋወሰን ዝተዛብዐን ሃዋህው ሶሻል ሜድያ ንብዙሓት ቆልዑ ሃሳዪ ኣገልግሎት'ዩ ዘለዎ፣" ኢሉ። ስለ'ዚ 13 ኣዝዩ ይንእስ ዶ፧ ንደቆምን ማሕበራዊ መድረኻት ሓፋሽን ኣብ ዝምልከት ወለዲ እንታይ እዮም ክሓስቡ ዘለዎም፧ ዝስዕብ ርእይቶ መምህር ካተሪን ፐይጅ ጀፍሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲዲኒ ኣብ ኤስቢኤስ ዘስፈረቶ'ዩ።