መኽሰባትን ሓደጋታትን ኣብ ኦንላይን ምግዛእ (ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ)

online shopping Credit: Pexels
ሸመተ ኣቑሑ ብመንገዲ ኢንተርነት ወይ መርበብ ወይ ኦንላይን ሾፒንግ ምቹእ ብምዃኑን ገለ ቅናስ ዋጋታት ይርከበሉ ስለዝኾነን ብዙሓት ረብሓታት እንተሃለዉዎ'ኳ ገለ ሓደጋታት'ውን ኣለዎ። ብዙሓት ሕጋውያን ነጋዶ ወይ ሸቃጦ ኦንላይን ውልቃዊ ሓበሬታ ዓማዊል ይእክቡ እንተኾኑ'ኳ ኣታለልቲ ወይ ስካመርስ ከኣ ብተመሳሳሊ ወሰኽ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ኦንላይን ዕዳጋ መዝሚዞም ንተኣፈፍቲ ኣውስትራልያውያን ዒላምኦም ገይሮም ናብ ንረብሓኦም ይጥቀሙሉ'ዮም።
Share