Key Points
- ናይ ማህጸን መርመራ ፡ ህላወ ፓፒሎማቫይረስ ከምዘሎ ንምርግጋጽ ህይወት ሰባት የድሕን እዩ ።
- ኣቐዲምካ እንድሕር ዘይተለሊዩ፡ ረኽሲ HPV ናብ ከቢድ ናይ ጥዕና ፀገማት ከም ካንሰር ክመርሕ ይኽእል እዩ ።
- ካብ እተፈላለየ ባህሊ ድሕረ ባይታ ዘለወን ኣንስቲ ፡ መርመራ ይግበረአለን እዩ።
- ብገዛእ ርእስኻ ምምርማር ን ባህላዊ መሰናኽላት የወግድ ።
ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ናይ ማህጸን ካንሰር ኣብተን መርመራ ዘይገብራ ወይ ነቲ መርመራ ደንጉየን ዝገብራ ሰባት የጋጥም ።
እዚ ምርመራ ንኽትገብር ብቑዕ ምኽንያት እዩ ፡ እዚ ናይ ማህጸን ምርመራ ወይ cervical screening ተባሒሉ ይጽዋእ ።
ናይ ማህጸን ምርመራታት ካንሰር ንምክልኻል ብኸመይ ይሕግዝ ?
"እዚ ዝግበር ፡ ኣብ ዋህዮታት እቲ ክሳድ ማህጸን ዘጋጥም ለውጥታት ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ህላወ እቲ ምስ ግዜ መንሽሮ ከስዕብ ዝኽእል ናይ ዋህዮ ለውጢ ንምፍላጥ እዩ።" ትብል ዶክተር ኣህላም ኢብራሂም ። ንሳ ኣብ ሲድኒ-ጂ.ፒ. ፡ ኮማዊ መምህርን መስራቲ ማሕበር ሓለዋ ጥዕና ኣውስትራሊያ እያ ።
ምቅይያር ዋህዮታት ብኣጋኡ ብምፍላጥ ማለት መንሽሮ ቅድሚ ምምዕባሉ ክትትል ምግባርን ምሕካምን ይከኣል ።
ናይ ማህጸን ስክሪኒንግ ብፕሮግራም ሃገራዊ ምርመራ (NCSP) ይመሓደር ። NCSP ንኹሎም ኣብ ሓደጋ ናይ ሰብ ፓፒሎማቫይረስ ወይ HPV. ዝርከባኣ ደቂ ኣንስትዮ ንምሓዝ ዕላማ ኣለዎ ። ናይ መጀመሪያ ምርመራ ምስ ገበርካ ፡ እቲ ቀጻሊ መርመራ ምስ ኣኸለ መዘከርታ ይልእኹልካ ።

When it comes to cervical screening, women from multicultural backgrounds are being left behind, and particularly newly arrived women.
ናይ ማሕጸን መርመራ ንመን እዩ ዝምልከት?
መልሱ ዝኾነት ኣብ ሓደጋ HPV. ዝርከባ እዩ ።
እዚ መርመራ ካብ 25 ክሳብ 74 ዝዕድሚኦም ኩለን ኣብ ጾታዊ ርክብ ንጡፋት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን ተመራጺ እዩ ትብል ዶ/ር ኢብራሂም ።
"እቲ መርመራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ዝግበር: እዚ ድማ ንቡር እዩ ። ዋላ ክታበት HPV እንተወሰዳ ፡ እቲ ክታበት ንኹሉ እቲ መንሽሮ ዘምጽእ HPV. ዓይነታት ስለ ዘይሽፍን ፡ ነቲ መርመራ ብስሩዕ ክትወስዶ ኣለካ "ኢላ ።
ብኸመይ ይምርመር?
ኣብ ኸባቢኹም ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ሓፈሻዊ ሕክምና ፡ ማእከል ጥዕና ሕብረተሰብ ወይ ክሊኒክ ደቂ-ኣንስትዮ ከምኡ "ውን ናብ ናይ ኣቦርጂናል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብምብጻሕ ይርከብ ።
አቲ ናይ Medicare ካርዲ ስለ ዝሽፈን ካብ ጁባኻ ወጻኢ ዝኸውን ገንዘብ የለን ።
ክልተ ዓይነት መርመራታት ኣለዉ ። ኣብ እዋን ቆጸራ ፣ ናይ ጥዕና ክንክን ኣቕራቢኹም ነዞም ክልተ ኣማራጺታት መብርሂ ክህበሉ እዩ ።
እቶም ክልተ ዓይነት መርመራታት እንታይ እዮም?
ኣብ ክሊኒክ ብሓኪምኪ ወይ ብነርስ ምርመራ ክትገብሪ ክትውስኒ ትኽእሊ ኢኺ ።
ዶክተር አሕላም ፡ "ነቲ መርኣዪ ዝኸውን ቅምሶ ፡ ካብ ላዕለዋይ ብልዕቲ ብንእሽቶ ብራሽ ኢና እንእክቦ" በለት ።
ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ብዘይ ሓገዝ ናይ ሓኪም ፡ ርእስኻ ናይ ምእካብ ኣማራጺ ኣሎ ።
"እዚ ከኣ ነቲ ንመርኣዪ ዝኸውን ንእሽቶ ስዋፕ ተጠቒሙ ናብ ርሕሚ ክኣቱ ይኽእል እዩ ። እዚ ናይ ውልቅን ቀሊልን መማረፂን ልክእ ከምቲ ናይ HVP ምርመራ እዩ " ።
ክልቲኡ መርመራ ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ክወስድ ኣለዎ ።

Dr Ahlam Ibrahim
ባዕልኻ ነቲ ቅምሶ ምእካብ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ?
ናይ ጥዕና ተጠቃሚት ዝኾነት ጂዮትስና ኦሊቨር ኣብ ሓደ ናይ ማሕበረሰብ ሓበሬታ ክፍለ-ግዜ ተማሂራ ነብሳ ንምኽኣል ብዛዕባ ዘሎ መማረጺ ትገልጽ ።
"ኸምቲ ኵላትና እንፈልጦ ፡ ኣብ እዋን እቲ ብሓኪም ዝምራሕ ቈጸራታት ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ዘይምምእማእ ስምዒት ስለ ዘሎ ፡ ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ስምዒት ከምዘይስምዓና ኢና እንርእዮ" በለ ።
"ከምኡ ስለ ዝኾነ እየ ድማ ብዛዕባ እቲ ብገዛእ ርእስኻ ናይ ማህጸን ንመርመራ ዝኸውን ቅምሶ ክትወስድ ኣማራጺ ከምዘሎ ፈሊጠ ንመርመራን ዝሰልጠልኩ ፡ ናይ ምፍላጥ ህንጡይነት ኔሩኒ ፡ ምስ ፈተንክዎ ፡ ሓቀኛ ኣወንታዊ ተመክሮ እዩ ክብል እኽእል ። "
እቲ መርመራ ምስ ጂ.ፒ. ቈጸራ ምስ ሓዘ ብቐጥታ እዩ ተገይሩ ።
"ነቲ መስርሕ መርመራ ማህጸን ምስገበሩ ፡ ነቲ ኪት ንዓይ ሃብኒ ። እቲ ብዛዕባ እታ መሳርሒ እተዋህበ መምርሒታት ንኽትስዕቦ ቀሊል እዩ ነይሩ "በለት ።
I think it's just the full privacy and control and not just being a passive patient that was big for me. Definitely there was very, very reduced stress.Jyotsna Oliver, health consumer
ማህጸን ምርመራ ንምግባር ምሕለኻታት ምስጋር
ኣውስትራሊያ ንናይ ማህጸን ካንሰር ንምጥፋእ ናይ መጀመርያ ሃገር ክትከውን ትኽእል እያ ኢልካ ምሕሳብ ዘሐጕስ እዩ ።
ይኹን እምበር ፡ ገሊኡ ናይ ቛንቋታትን ባህላውን ማሕለኻታት ፡ ኣብ ካብ እተፈላለየ ባህሊ ድሕረ ባይታ ዘለዎምን ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ደቂ ኣንስትዮን ዝተሓተ መጠን መርመራ ከም ዝህሉ ይገብር እዩ ።
ናይ ኣውስትራሊያ ብዙሕ ባህሊታት ናይ ጥዕና ምትሕብባር ማለት ናይ FECCA ተበግሶ ኣብዚ ክፍሊ ውሽጢ ንዘሎ ቑጽርታት ንምብራኽ ይሰርሕ እዩ ።
ኒዲያ ራያ ማርቲነዝ ናይ ላዕለወይቲ ፕሮግራም ማናጀር ኮላቦረቲቭ ኮይና ምስ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ናይ ማሕበረሰብ ትካላት ብምስራሕ ናይ መርመራ መጠን ክብ ንምባል ይሰርሕ ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝግበር ምርመራ: እተፈላለየ ባህሊ ዘለወን ኣንስቲ ንድሕሪት ይተርፋ: ብፍላይ ከኣ ሓደስቲ ዝመጻ ኣንስቲ ይተርፋ ከም ዘለዋ ሚስ ማርቲነዝ ትገልጽ ።

Own It Poster
ስለዚ ከኣ እዩ እቲ ርእስኻ ንመርመራ ቅምሶ ብምእካብ ነዚ ጸገም ዘቕልሎ ።
ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣብ ማህጸን ብዝግበር መርመራ ህይወት ናይ ምድሓን ፈተና ንከይገብራ ዕንቅፋት ንምስጋር ናይ ርእሰን ምርመራ ሓጋዚ ዝኸውን ።
"ገና ኣብ ክሊኒክ ክንክን ጥዕና ክግበር ኣለዎ ፣ እንተዀነ ግን ፡ ብድሕሪ እቲ መጋረጃ ኮይነን ክዳነን ከውጽእኦ ፡ መርኣዪኻ ባዕለን ወሲደን ናብ ሓኪም ይመልሶኦ ፡ ወይ ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ዓይኒ ምድሪ ክትከይድ ይነግሩኻ ። እዚ ድማ ነቶም ዘይምቹእነት ዝስምዐን ሰባት ብፍላይ ድማ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሓኪም ምስ ዝኸውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ "በለ ።
ሓበሬታ ናብ ማሕበረሰብ ምዝርጋሕ
"The Collaborative" ኣብ ናይ ማህጸን ምርመራ ሳላ ምስ ናይ ማሕበረሰብ ትካላት ዘለዎም ሽርክነት እዩ ዝዓዪ ። ብማሕበረሰብኣዊ ኣጋጣሚታት ደቂ-ኣነስትዮ ንገዛእ ርእሰን ገለ ግዜ ድማ ብጕጅለ ክምሃራን ኣብ ምርመራ ክሳተፋን ዕድል ይረኽባ ኣለዋ።
ሚስተር ማርቲነዝ ከምዝገልጾ ፡ "ጸኒሑ ግና እተን ሓበሬታ ዝረኸባ ሰባት ፡ ብዛዕባ ምርመራ ምስ ሓኪመን ኺዛራረባ ድልየት የርእያ እየን ፣ ንፈተውተንን ንስድራ ቤቶን እውን የዘራርባ እየን" ይብል ።
ክርሳዕ ዘይብሉ እዩ፡
ሰባት መርመራታቶም ከደናጕዩ ንቡር እዩ ፡ ትብል ሚስ ኦሊቨር ፡ እንተኾነ ጠሪሽካ ምግዳፍ ግን ምኽንያት የለን ።
"ንመርመራ ዝኸውን ባዕልኺ መርኣያዉሰዲ ። ናይ መጻኢ ህይወትኪ እውን ከመስግነኪ እዩ " ።
Subscribe or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au