ዓመት መጸ 18 መስከረም እናኽትዝከር እቶም ኣብዛ ዕለት እዚኣን ብድሕሪኣ ዝሰዓባ 10 መዓልታትን ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ተወሲዶም ኣብ ስውር ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝዳጎኑ 12 ዓመቶም ገይሮም ዘለዉ 11 ሰበስልጣን መንግስቲን 10 ጋዜጠኛታት ናይ ብሕቲ ፕረስን ከምኡዉን ምስኣቶም ዝደናገጹ ኢዮም ተባሂሎም ደድሕሪኦም ዝተኣስሩ 15 ካልኦት ኤርትራውያንን ይዝከሩ። እቶም ንኣመራርሓ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብቅሉዕ ብምንቃፎም መንግስቲ ኤርትራ ጨውዩ ዝሰወሮም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ነቐፌትኦም ብጽሑፍ ከቕርቡ ከለዉ ፈለማ 15 እኳ እንተነበሩ፣ ሰለስተ ካብኣቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብምጽንሖም፣ እቲ ሓደ ድማ ቀልጢፉ ካብቲ ጉዳይ ብምስሓቡ፣ ኣብ መወዳእታ ግዳያት ዝኾኑ እቶም 11 ሰበስልጣን ጥራይ ኢዮም። እቶም ኣባላት ናይቲ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ፣ ከምኡዉን ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣይኮነን ዝብሎ ህግደፍ ዝነበሩ ሰበስልጣን፣ ኣብ ቀይዲ ዝኣተውሉ ምኽንያት ብዱብዱቡ ምስ ክሕደት ሃገር ዝተኣሳሰረ ገበንዩ ተባሂሉ ብመንግስቲ ሓንሳእ ምስ ተገልጸ፣ ዝርዝር መብርሂ ከይቀረበሉ ኢዩ ተዓጽዩ። መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ማእሰርቲ ናይቶም ሰበስልጣን፣ ጭብጢ ኣለኒ ኢሉ ንመጀመርያ ግዜ ዝተዛረበሉ እዋን ኣብ ናይ 2002 ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኢዩ።
Share






