THE FATE OF THE "G15" IN ERITREA

train

train

ዓመት መጸ 18 መስከረም እናኽትዝከር እቶም ኣብዛ ዕለት እዚኣን ብድሕሪኣ ዝሰዓባ 10 መዓልታትን ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ተወሲዶም ኣብ ስውር ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝዳጎኑ 12 ዓመቶም ገይሮም ዘለዉ 11 ሰበስልጣን መንግስቲን 10 ጋዜጠኛታት ናይ ብሕቲ ፕረስን ከምኡዉን ምስኣቶም ዝደናገጹ ኢዮም ተባሂሎም ደድሕሪኦም ዝተኣስሩ 15 ካልኦት ኤርትራውያንን ይዝከሩ። እቶም ንኣመራርሓ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብቅሉዕ ብምንቃፎም መንግስቲ ኤርትራ ጨውዩ ዝሰወሮም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ነቐፌትኦም ብጽሑፍ ከቕርቡ ከለዉ ፈለማ 15 እኳ እንተነበሩ፣ ሰለስተ ካብኣቶም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብምጽንሖም፣ እቲ ሓደ ድማ ቀልጢፉ ካብቲ ጉዳይ ብምስሓቡ፣ ኣብ መወዳእታ ግዳያት ዝኾኑ እቶም 11 ሰበስልጣን ጥራይ ኢዮም። እቶም ኣባላት ናይቲ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ፣ ከምኡዉን ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣይኮነን ዝብሎ ህግደፍ ዝነበሩ ሰበስልጣን፣ ኣብ ቀይዲ ዝኣተውሉ ምኽንያት ብዱብዱቡ ምስ ክሕደት ሃገር ዝተኣሳሰረ ገበንዩ ተባሂሉ ብመንግስቲ ሓንሳእ ምስ ተገልጸ፣ ዝርዝር መብርሂ ከይቀረበሉ ኢዩ ተዓጽዩ። መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ማእሰርቲ ናይቶም ሰበስልጣን፣ ጭብጢ ኣለኒ ኢሉ ንመጀመርያ ግዜ ዝተዛረበሉ እዋን ኣብ ናይ 2002 ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኢዩ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
THE FATE OF THE "G15" IN ERITREA | SBS Tigrinya