"ምዉት ሞት ኣይፈርሕን'ዩ ኣነ ቀደም'የ ሞይተ። ህዝቢ ብሰንከይ ከይሓጥእ ግን ብዛዕባይ ነቲ ሓቂ ግለጽዎ።" ፓትርያርክ ኣቡነ እንቶንዮስ

Patriarch Abune Enthonios Source: Keshi Gebremichael Yohannes
ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብቲ ኣብ 2006 ኣትሒዞም ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፎም ኣለዉ። ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ዝገበረ ኩነታት፡ ኣብ ማሕዩር ኣብዝነበርሉ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝወደቐትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት፡ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ሰፊሕ መግለጺ ሂቦም ኣለዎ።
Share