- ኣውስትራሊያ ንሓለዋ ስነ-ህይወታዊ ብጣዕሚ ኣርዚና እትርእዮ ስለምንታይ እያ?
- ናይ ዝኣቱ ካርዲ ተጓዓዛይ እንታይ እዩ?
- ነቲ ካርዲ ንምምላእ ሓገዝ እንተ ደለኹ'ከ?
- እቶም ዝኽልከሉ ካልኦት ነገራት ኣየኖት እዮም?
- ክልኩላት ኣቕሑ እንተዘይ ኣፍለጥኩ'ኸ?
- እቶም ልሙዳት ከፍልጦም ዝግባእ ነገራት ኣየኖት'ዮም?
ኣውስትራሊያ ንሓለዋ ስነ-ህይወታዊ ብጣዕሚ ኣርዚና እትርእዮ ስለምንታይ እያ?
ናይ ኣውስትራሊያ ሕግታት ስነህይውት ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ሕግታት ካብቶም ጽኑዓት ሓደ እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ።
ናብ ኣውስትራሊያ ባልዓትን ሕማምን ከእትዉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ከይ ኣትዉ ዝተከልከሉ ዝርዝር ዓይነት ምግብታትን ኣትክልትን ብዙሓት እዮም ።
"ኩነታት ሓለዋ ስነህይወት ነዛ ዓባይ ደሴት ንንግዲና ፡ ንማሕበረሰብና ዉሕስነት ፡ ንሕርሻዊ እቶትናን ንጥዑም ኣከባቢናን ከምኡ እውን ነቶም ኣዝዮም እተደነቑ ምበቆላውያን ዓሌትናን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።ነዚ ኢና ኽንከላኸለሉ እንጽዕር ዘለና ። ትብል ቪኪ ፊሸር ። ንሳ ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ፖሊሲ መገሻ ን ስርሒታት ክፍሊ ሕርሻ ፡ ምግፋፍ ዓሳን ዱርን ።
ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብኣሽሓት ዝቝጸር መነባብሮ ህዝቢ ብሕርሻ እዩ ዝምራሕ ። ኣውስትራሊያ ካብ ባልዓትን ሕማማትን ነጻ ኮይና ብዓለምለኸ ደረጃ ንግዲ ክትገብር ከምትኽእል ጽኑዕ ሕጊታት ሓለዋ ስነህይወታዊ ኣለዋ።

ብነፋሪት ወይ ብመርከብ ናብ ኣውስትራሊያ ክንኣቱ ከሎና ናይ ኣታዊ ተጓዓዛይ ካርድ ( Incoming Passenger Card (IPC) ንወሃብ። ኣብታ ነፋሪት ከለና ቅድሚ ናብ መፈተሺ ቦታ ምብጻሕና ክንመልኦ ዝግበአና እዩ ።
ኩሉ ሕቶታት ኣብ ካርድ ብምምላስ ፡ ነቶም ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ዶብ ሓይሊ (ABF) መኰንናት ፡ ዋላውን ብዘይፍላጥ ሒዝናዮም ዝመጻእና ንዝኾነ ዝተኸልከለ ኣቕሓ ክከውን ዝኽእል ነፍልጠሉ ካርድ እዩ ።
ቫኪ ፊሸር ፡ "እታ ናይ IPC ብጫ ካርድ ፡ ሕጋዊ ሰነድ እያ። "ኣብዚ ሕጋዊ ሰነድ እዚ ፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምግቢ ኣምጺእካ እንተ ኣሊኻ ፡ [ኣ] ዝዀነ ይኹን ፍርያት ተኽሊ ፡ ዝዀነ ይኹን ፍርያት እንስሳ ፡ ምናልባት እውን ኣብ ጫማኻ ዘሎ ርስሓት ተፍልጥ ኣለካኻ ማለትዩ።"
ዝኾነ ኣብቲ ካርዲ ዝተዘርዘረ ነገር ትሕዝዎ እንተሃሊይኩም ፡ ንሱ ክእወጅ ወአይ ክግለጽ ኣለዎ ። ድሕሪኡ ናብ ሓደ ካብ ሓለውቲ ምክልኻል ስነህይወት Biosecurity ተመሪሕካ ፡ እቲ ሒዝካዮ ዝኣተኻ ናይ ስነህይወታዊ ሓደጋ እንተልይዎ ይፍትሾ።
ንሓደ ትሕዝቶ ምፍላጥ ክበሃል ከሎ ብቐጥታ ክውረስ'ዩ ማለት ኣይኰነን ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ፡ ሓለፍቲ ነቲ ሓደጋ ብምግምጋም ፡ ነቲ ካብ ሓደጋ ውሑስ ዝኾነ ንብረት ክሓልፉ ይኽእሉ እዮም ።
ከም ቾኮላታ ወይከኣ ዝተመስርሑ ምቁር ነገራት ዝኣመሰሉ መግብታት ናይ ስነህይወት ሓደጋ የብሎምን ፡ ርግጸኛ እንተዘይኮንካ ግን ሒዝካ ከምዘለኻ ከተፍልጥ ኣለካ ።
ነቲ ኣብ ሳንጣኻ ተዓሺጉ ዘሎ ነገራት ብልክዕ ክትፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ፡ ተመክሮ ጉዕዞ ዘለዋ ኤሊኒ ሙትሱ ዝስማ ተጓዓዚት መጠንቀቕታ ሂባ ኣላ ።

ብመፈተሺ ነቚጣ ኣብንሓልፈሉት ፡ ኣባላት ABF ኣብ ቦርሳታታ ልዑል ሓደጋ ዘለዎ መግብታትን ውጽኢት ስጋን ጸባን ረኺቦም ።
"ኣዝዮም ስለ ዝሓረቑ ፡ ኣዝየ ሰምበድኩ ። ኰይኑ ግና ፡ ኣደይ ነዚ ነገራት እዚ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ብዘይ ምፍላጠይ ኣብ ባልጃይ ኣእትያቶ ነበረት ፣ ኣነ ድማ ነጊረይም ። 'በዚ ምኽንያት እዚ መቕጻእቲ ወይ ማእሰርቲ ከም እትቕጻዒ ትፈልጢዶ ? "ክብሉ ሓቲቶሙኒ ።
እቲ ካርድ ምርዳኡ እንተጸጊሙካ ፡ ኣባላት ABF ኣብቲ መስመር ኢሚግሬሽን ምስ በጻሕካ ኽሕግዙኻ ኣብኡ ኣለዉ ይብል ኣባል ኤቢኤፍ ነበር ኒል ሲንግ ።
ናይ ኣህጉራዊ ካርዲ ተጓዓዝቲ ብ 48 ዝተፈላለዩ ቛንቛታት እዩ ዝመጽእ፡ ስለዚ ካብ ኩለን ሃገራት ናብ ኣውስትራሊያ ንዝመጹ ሰባት ኢና ኣብ ግምት ነእቱ ።Neil Singh

ከም ኣጽዋር ኲናት: ሓሽሽ: ሓደገኛ ነገራት: ከምኡውን በሊሕ ነገራት ዝኣመሰለ ሓደጋ ዘስዕብ ነገራት ምስካም ኣዝዩ ብስርዓት ክእገድ ሕጊ ኣለዎ ። እዚ ኵሉ ነገር ከተፍልጦ ዘለካ ነገራት እዩ ። ነገራት ምሕባኣ ወይ ከይፍልጥካ ምእታውው ዘስዕቦ ከቢድ ሳዕቤናት ኣሎ ፣ ክብል ሚስተር ሲንግ የጠንቅቕ ።
"ኰነ ኢልካ ጌጋ እንተ ዘይጌርካ ፡ እቲ ኣቕሓ ዝውሰድ እዩ ። ኰነ ኢልካ ክትሓብኦ ሓሲብካ እንተ ዄንኻ ግን: ናብ ቤት ማእሰርቲ ኼእትወካ ዝኽእል እዩ ። "

እቲ ዝተኸልከለ ዝርዝር ኣዝዩ ብዙህ እዩ ስለዚ ርግጸኛ እንተዘይኮንካ ንዘለካ ኩሉ ኣፍልጥ ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ክትኣትዎ ትኽእል ኢኻ ትብሎ ነገራት ናብ ዝዓበየ መቕጻዕቲ ክመርሕ ይኽእል እዩ ።
ብዛዕባ ዝኾነ ርግጸኛ ዘይኮንካ ምፍላጥ ፡ ሓለውቲ ስነህይወታውያን ሓደገኛነት ናይቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ንምግምጋምን ነቶም ወረርቲ ጅር ከይኣትዉ ንምክልኻልን የጻርዩ ።
እቲ እትቕጽዓሉ ኩነታት ፡ ነቲ ኣብቲ ናይ መእተዊ ካርድ ብሓቂ ሒዝካዮ ዘለኻ ከየፍለጥካ ክትሓልፊ እንተፈቲንካ ምዃኑ ሚስ ፊቸር ተጠንቅቕ።
"'ፍርያት መግቢ የብለይን ፡ ፍርያት ናይ እንስሳ ወይ ኣትክልቲ የብለይን' እንተ ኢልካ ፡ ሽዑ ባልጃኻ እንተተራእዩ ወይ ሓደ ከልቢ ኣብ ልዕሊ ቦርሳኻ እንተፈቲሹ ፡ ኣብ ቦርሳኻ ድማ ገለ ነገራት ከም ዘሎካ ፡ እሞ እንተተረኺቡ እዩ ሰባት ቕጽዑ ። እዚ ግን ከየፍለጡ እንተተረኺቦም እዮም ዝቕጽዑ "በለት ።
መድሃኒታት
ከም ኣስፕሪንን ፓራሲታሞልን ዝኣመሰሉ ልሙዳት መድሃኒታት ምእታው ፍቑድ እኳ እንተኾነ ፡ መብዛሕትኦም ካብ ክብሕታት ዝግዝኡ መድሃኒታት ከተፍልጥ ኣለካ።
ሚስ ሞትሰሎ ፡ "ኵሉ ሳዕ ኵሉ መድሃኒተይ ፡ ኵሉ ነገር እየ ዘፍልጥ ። " ብምባል ትገልጽ፡ "እቲ ናተይ ሃኪም (ጂ.ፒ.) ፡ እቲ መድሃኒታት ንምንታይ ከም ዘድልየኒ ዝገልጽ ደብዳበ ይጽሕፈሉ ፣ ስለዚ ፡ ዘድልየኒ እንተ ኰይኑ ፡ ከቕርቦ እኽእል እየ ።"
ናይ ሓኪም ምስክር ወረቐት ምሳኻ ክትማልእ እንተኽኢልካ ፡ እዚ ነገራት ዝቐለለ ይኾነልካ ፡ ግዴታ ግን ኣይኮነን ።
ሚስተር ሲንግ ወሲኹ "እቲ መድሃኒት ኣብቲ ናይ መጀመርያ መዕሸጊኡ ክሳብ ዘሎ፥ ብሕታዊ መድሃኒታት ኣብ ኣውስትራሊያ ምእታው ጸገም ኣይኮነን ።
ክሳብ ሰለስተ ወርሒ ዝኸውን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል መድሃኒት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ ።
ጥረ-ገንዘብ
ናብ ኣውስትራሊያ ብሕጋዊ መንገዲ እነእትዎ መጠን ጥረ ገንዘብ ደረት የብሉን ፤ ይኹን እምበር ልዕሊ 10,000 ዶላር ዝኾነ ገንዘብ ክፍለጥን ክምዝገብን ኣለዎ ።
ኣልኮሆልን ትምባኾን
ውልቀ-ሰባት 250 ሚሊ ሊትር ኣልኮላዊ መስተን 25 ግራም ትምባኾን ወይ 25 ሽጋራን ሒዞም ክኣትዉ ይፍቀደሎም እዩ ። እዚ ነቲ ኣብ መንገዲ እትዕድጎ ዝኾነ ይኹን ካብ ግብሪ ናጻ ዝኾነ ነገራት የጠቓልል ።
ዉህበታት
ሕጊታት ኣብ ኣውስትራሊያ ንእነእትዎ ህያባትን ቅርስታትን እውን ይምልከት እዩ ።
ሚስተር ሲንግ ፡ "ንስድራ ቤትካ ወይ ንፈተውትኻ ህያባት ኸተምጽኣሎም ከም እንደሊ ፍሉጥ እዩ ። ኣብኡ ድማ ክሳዕ 900 ዶላር ዝበጽሕ ደረት ኣሎካ ።
"ሰባት ኪዝክርዎ ዘለዎም ነገራት ድማ ፡ነቲ ናትካ ዝኾነ ከም ክዳን ፡ ጫማ ፡ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ፡ ካብቲ $900 ወጻኢ እዩ ። ልዕሊ 900 ዶላር እንተበጺሑ ፡ ግብሪ ክትከፍለሉ ኽትሕተት ትኽእል ኢኻ "ይብል ።
ብዛዕባ ኩሎም ክኣትዉ ዘይፍቀዱ ዝርዝር ነገራት ብ ኦንላይ ኣብ : Australian Border Force ይርከብ
ትጠራጠር እንተ ኾይንካ ፡ ዘለካ ነገራት ኣፍልጥ ። ኣብ 'ቲ መዕርፎ ነፈርቲ ንሒደት ተወሳኺ ደቓይቕ ምጥፋእ ካብ መቕጻዕቲ ንምምላጥ ከምኡ' ውን ናይ ኣውስትራሊያ ከባቢ ፣ ቁጠባን መነባብሮን ንምክልኻል ዝሕግዝ እዩ ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au







