ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ሕዳር 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 06 ሕዳር 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ መንግስቲ ክልል ዓፋር ሓይልታት ህወሓት 'ዶብ ሰጊሮም ብምጥቃዕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ' ከሲሱ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ዛጊድ ብሙሉእ ክትግበር ከምዘይካኣለ ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 38 ተጋሩ ናብ ትግራይ ሰዲዱ። 62 ተጋሩ ግና ኣብ ኣስመራ ተሪፎም ተባሂሉ። ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተዛሪቡ። ኣብ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ዓሪፉ ምርካብ መጻምዲ ፍቕሪ (Dating) : ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓዳር መጻምድቲ ብኸመይ ይርከብ፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኲንስላንድ ፡ ፖሊስ ጸረ ግብረሽበራ ድሕሪ ዝገበሮ መርመራ፡ ነታጒ ብምስራሕን ብምዝውዋርን ዝጠርጠሮም ን 7 ሰባት ክሲ መስሪትሎም። ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ታሪኻዊ ዓወት ዞህራን ማምዳኒ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሰልፊ ዴሞክራትስ ኣብ ካሊፎርንያ’ውን ካልእ ዓወት የጽምብሉ ኣለዉ ። ተኸላኻላይ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ሰንትራል ኣብ ልዕሊ ኤፍ-ሲ ኮፐንሃገን 4ብ0 ንምዕዋት ዓቢ እጃም ከምዝተጻወተ ተገሊጹ ።
Share



