Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ባጀት ኣውስትራልያ ወሪዱ - ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ 'ርትዓዊ'ዩ' ይብሎ፣ ማሕበራት ንግዲ ግን ይነቕፍኦ

Australian Treasurer Jim Chalmers speaks to the media during a press conference inside the 2026 Budget lockup at Parliament House in Canberra.

Australian Treasurer Jim Chalmers speaks to the media during a press conference inside the 2026 Budget lockup at Parliament House in Canberra. Source: AAP / AAP

ብማሕበራት ስራሕተኛታት፣ ጉጅለታት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጉጅለታት ተኻረይቲን ተቐባልነት ዝረኸቡ ዓበይቲ ለውጥታት ግብሪ ሓዊሱ ፌደራል ባጀት ተዋሂቡ። ማሕበራት ኢንዱስትሪ ግን እቲ ለውጢ ኣብ ግብሪ ንንግዲ ሕማቕ ክኸውን እዩ ኢሎም ስክፍታኦም ኣልዒሎም፡ ንርትዓውነትን ፊስካላዊ ተኣቅቦን ከመይ ገይካ ተመዛዝኖም ዝብሉ ክትዓት ድማ ይቕጽሉ።


Published

By Tee Mitchell

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS




Share this with family and friends


ብማሕበራት ስራሕተኛታት፣ ጉጅለታት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ጉጅለታት ተኻረይቲን ተቐባልነት ዝረኸቡ ዓበይቲ ለውጥታት ግብሪ ሓዊሱ ፌደራል ባጀት ተዋሂቡ። ማሕበራት ኢንዱስትሪ ግን እቲ ለውጢ ኣብ ግብሪ ንንግዲ ሕማቕ ክኸውን እዩ ኢሎም ስክፍታኦም ኣልዒሎም፡ ንርትዓውነትን ፊስካላዊ ተኣቅቦን ከመይ ገይካ ተመዛዝኖም ዝብሉ ክትዓት ድማ ይቕጽሉ።


SBS News Podcasts ጠዊቕኩም ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ስምዑን ዝለዓለ ቆላሕታ ዝሰሓቡ ኣርእስታት ተኸታተሉን።

ቅዳሕ (TRANSCRIPT)

ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ ትሬዠረር ጂም ቻልመርስ ነቲ ሓምሻይ ፈደራል ባጀቱ ኣብ ዙርያ ርትዓውነት/ፍትሓውነት’ዩ ቀሪጽዎ፣ እኳ ደኣ ግሎባዊ ቁጠባዊ ዘይምርግጋእ ንኣድላይነት ምትዕርራይ (ሪፎርም)ን ተኣቅቦ ካብ ወጻኢታት ገንዘብን ከምዝድንፍዕ ገይርዎ ኢሉ ብምክርኻር።

ንሱ እዚ ባጀት ንዕዳ፣ ሕጽረት (ደፊሲት)ን ኣድላይነት ምሕጋዝ ኣብ ወጻኢታት ናብራን ሚዛን ዝሕሉ’ዩ ይብል።

“ነጋቲቭ ጊሪንግ ንመንበሪ ኣባይቲ ካብ ሓምለ ዝመጽእ ዓመት ናብ ሓደስቲ ዝህነጹ ጥራይ ክንድርቶ ኢና። ምቕራጽ ሓቀኛ መኽሰባት (ሪይል ገይንስ) ተመሊሱ ከምዝስርሓሉ ንምግባር፣ ነቲ ናይ 50% ቅናስ ቀረጽ ካብ መኽሰብ ርእሰማል (ካፒታል ገይንስ ታክስ) በቲ ብመጠን ዝቕባበ ዝመዓራረ መለክዒ (ኢንፍሌሽን ኣጃስትድ ኢንደክሴሽን) ክንትክኦ ኢና።”

ድሕሪ ናይ ሰሙናት ግምታት፣ ዝርዝራት ለውጥታት ናብ ወፍሪታት ኣብ ኣባይቲ ከመይ ይቕረጹ ተገሊጾም ኣለዉ - ዶክተር ቻልመርስ ከባቢ 75000 ኣውስትራልያን ገዛ ክህልዎም ክሕግዙ’ዮም ይብል።

“እዚ ንስርዓተ ግብሪ ዝያዳ ርትዓዊን ሓያልን ንሰራሕተኛታት፣ ንግድታት፣ ቀዳማይ ኣባቶም ንዝገዝኡን ንመጻኢ ወለዶታትትን ይገብሮ። ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝህሉ ሓላፍነታትና ሓንጎፋይ ኢልና ብምቕባል ንጸቕጥታት ናይ ሕጂን ኣብ’ዚን መልሲ ንምሃብ’ዩ።”

እዞም ለውጥታት ካብ ሓምለ 2027 ኣብ ዝተሓተ 30% ቀረጽ ኣብ መኽሰባት ካብ ርእሰማል (ካፒታል ገይንስ) ዝተሞርኮሱ/ዝሕሰቡ ክኾኑ’ዮም፣ ዋላ’ኳ ምስ ድፍኢት መንግስቲ ንምውሳኽ ቀረብ ኣባይቲ ዝሰምር፣ ሓደስቲ ዝህነጹ ናይ 50% ቅናስ ምስሓቦም/ምርካቦም ክቕጽሉ’ዮም።

ናይ 2 ቢልዮን ንምህናጽ ትሕተቅርጺ፣ ማለት ከም መንገድን መተሓላለፊ ረሳሕ ፈሳስን ንምሕጋዝ ዝተኣትወ መብጽዓ ብሓጎስ እንተተቐበሎ’ኳ ዋና ኣካያዲ ቤት ምኽሪ ኣባይቲ ኣውስትራልያ (ፕሮፐርቲ ካንሲል ኦፍ ኦስትራልያ) ማይክ ዞርባስ እዞም ለውጥታት ኣብ ቀረጽ/ግብሪ ነቲ መሰረታዊ ጸገም ማለት ንቀረብ ክፈትሕዎ ምዃኖም ይጠራጠር።

"ኣብ ምፍጣር ሓደስቲ ኣባይቲ ዕዉት ክኸውን ተስፋ ዝገብረሎም ዓበይቲ ምጥላዓት’ዮም፣ ግን ናይ ቀደም ትንበያና (ሞዴልና) ከምኡ ኣየመልከተን። እቲ ናይ ቀደም ትንበያና (ሞዴሊን) ዘመልክቶ ኣንጻራዊ ዝኾነ ጽልዋ ክህልዎም ምዃኑ’ዩ።"

ዋና ኣካያዲት ቤት ምኽሪ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣውስትራልያ ካሳንድራ ጎልዲ ነዚ ኣትኩሮ ኣብ ርትዓውነት ብሓጎስ ተቐቢላቶ።

"ኣነ ቅድም ቀዳድም ነቶም ምቕናስ/ምጉዳል ግብሪ ኣውፈርቲ ኣባይቲ ኣብ መወዳእትኡ ምእላዩ ንመንግስቲ ብሓጎስ ይቕበሎ። ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን ምቕናስ ኣብ መኽሰብ ርእሰማል/ካፒታል ገይንስ ዲስካውንትን ነጋቲቭ ጊሪንግ ኣረንጅመንትስን ዋጋ ኣባይቲ ዘይከኣል ንክኸውን ከጓሃህሩ ጸኒሖም’ዮም፣ ኣብ’ዛ ሃገር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምምዕርራይ ሃብቲ’ውን ከጓሃህርዎ ጸኒሖም፣ መንግስቲ ነቲ ማሕበረሰብ ሰሚዕዎ፣ ንበርገሳዊ ማሕበራት ብርግጽ ሰሚዖሞም - ነቶም ብዛዕባ ሰባት ዝግደሱ።"

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣውስትራልያ ሚሸል ኦ’ኒይል፣ እዚ ንመጻኢ ፍልልይ ዘምጽእ ኣገዳሲ ስርዓታዊ ለውጢ ምዃኑ ትሰማማዕ።

"እዚ ኣብ ኣውስትራልያ ብሓቂ ዘይርትዓዊ ኮይኑ ዝጸንሐ ነገር’ዩ፣ ብልክዕ ካብ ሃብቲ ንላዕሊ ንስራሕ ክንቀርጾ ወይ ግብሪ ከነኽፍሎ ጸኒሕና ኢና፣ ስለ’ዚ ነቲ ኣብ’ዚ ዘሎ ሚዛን ክንቅይሮ ዝነበረና ሓደ ኣገዳሲ ስጉምቲ’ዩ። እቲ ካልእ ድማ እዞም ሓደስቲ ዝኽፈሉ ዝተሓቱ ግብሪታት ኣብ ሓደ ቅሙጥ ገንዘብ/ንብረት/ብርኪ ንተጠቀምቲ ናይ ምምቕራሕ ስልጣን’ውን ዘለዎ ተሓዝ ኣካል (ትራስቲ) (discretionary trusts) ምህላዎም’ዩ።"

እዞም ለውጥታት ንሓደ ዝተሓተ 30% ግብሪ ኣብ ቅሙጥ ገንዘብ/ንብረት/ብርኪ ንተጠቀምቲ ናይ ምምቕራሕ ስልጣን’ውን ዘለዎ ተሓዝ ኣካል (ትራስቲ) ካብ ሓምለ 2028 ዘካትቱ’ዮም - እዚ ስጉምቲ ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት እዋን $4.5 ቢልዮን ከምጽእ ትጽቢት ይግበር።

"[["እዚ መዐቀኒ ፍትሓውነት’ውን እዩ፣ ምኽንያቱ ሰባት ንኣብነት ንሓደ ኣዝዩ ጎራሕ ተሓዝ ሕሳብ ግብሪ (ታክስ ኣካውንታንት) ክቆጽሩ ዓቕሚ እንተሃልይዎምን ገንዘብ እንተለዎምን፣ ነቲ ዝኽፈል ግብሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባላት ቤተሰብ ፋሕ ክብል ክገብሩ ጸኒሖም’ዮም፣ ክሳብ ኣዝዩ ዝተሓተ ግብሪ ወይ ዋላ ሓደ ግብሪ ዘይከፍልሉ ማለት’ዩ፣ ሰራሕተኛታት ወይ ዝሰርሑ ሰባት ግን ግብሪ ይኸፍሉ፣ ንነብሲ ወከፍ ሰዓት ዝሰርሕዋ፣ ግቡኦም ዝኾነ መጠን ይኸፍሉ።"

ህላወ ሓደ ቅሙጥ ገንዘብ/ንብረት/ብርኪ ንተጠቀምቲ ናይ ምምቕራሕ ስልጣን’ውን ዘለዎ ተሓዝ ኣካል (ትራስቲ) (Discretionary trusts) ብተወሳኺ ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ’ውን ይጥቀሙሎም’ዮም፣ ንካፒታል ገይንስ ታክስ ናብ ካልእ መተካእታ ንብረት ምስግጋር (ሮልኦቨር ረሊፍ) ካብ ዲስክረሽነሪ ትራስት ወጺኤን ዳግመ ምትዕርራይ ክገብራ ዝደልያ ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ ተቐሪቡለን ኣሎ፣ ሓደ ዓመት ቅድሚ’ዚ ሓድሽ ዝተሓተ መጠን ግብሪ ምትግባሩ ዝጅምር ማለት’ዩ።

እንተኾነ ግን ግዝያዊ ዋና ኣካያዲ ጨንፈር ንግድን ኢንዱስትርን ኣውስትራልያ ደይቪድ ኣሌክሳንደር እዚ ባጀት ንኣውስትራልያውያን ንግድታት ዘየሐጉስ/ተስፋ ዘቑርጽ ክኸውን’ዩ ኢሉ።

ምስ ጂም ቻልመርስ ዝጻረር፣ ንሱ እዚ ባጀት ፍርያምነት (ፕሮዳክቲቪቲ)ን ወፍሪ (ኢንቨስትመንትን) ክብ ክብሉ ኣይገብርን’ዩ ይብል።

"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ገለ ስጉምቲታት ኣለዉ ኣብ’ዚ ባጀት ኣብ ንግዲ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎም ዝኾነ፣ ብፍላይ ንንኣሽቱ ንግድታት። ምቅይያራት ኣብ ካፒታል ገይንስ ታክስ ኣብ ልዕሊ ወፍሪ ኣብ ኣውስትራልያ ጽልዋ ክህልዎም’ዩ፣ ንብዙሓት ወፍርታት ድማ ናብ ካልኦት ሃገራት ክሰዶም’ዩ። ግብርታት ኣብ ልዕሊ’ቶም ትራስትስ’ውን ኣለዉ። ብዙሓት ንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ ትራስትስ ይጥቀሙ፣ በዚ ኣዝዩ ዓቢይ ነገር ዝተጻዕኖም ድማ ኣታዊታቶም ክትንከፍ’ዩ።"

ዋና ኣካያዲ ኣውስትራልያን ኢንዳስትሪ ግሩፕ ኢነስ ዊሎክስ’ውን ምቅይያራት ወይ ለውጥታት ኣብ ግብሪ ንንግድታት እንታይ ማለት’ዮም ሻቕሎት ኣለዎ።

"እዚ ባጀት ኣተኣታቲዎም ዘሎ ንግብሪ ዝምልከቱ ስጉምቲታት ሕጂ ንካፒታል ገይንስ ታክስ ኣብ ዝምልከት ንዓና ኣብ ዓለም ዝለዓልና ሃገር ይገብረና፣ ንግብሪ ኣብ ኣታዊ (ኢንካም ታክስ) ኣብ ዝምልከት ካብ’ቶም ዝለዓሉ ኣብ ዓለም፣ ንኮርፖረይት ታክስ ድማ ካብ’ቶም ዝለዓሉ ኣብ ዓለም። ንሕና ሕጂ ሓደ ካብ’ቶም ዝለዓለ ግብሪ ወይ ቀረጽ ዘለዎም ሃገራት ኣብ ዓለም ኢና።"

ጂም ቻልመር ኣውስትራልያውያን ሰራሕተኛታት ካብ’ዚ ባጀት ልዑል ዝኾነ ሕድገታት ኣብ ግብሪ ክረኽቡ’ዮም ይብል - ንሓደ ማእከላይ ሰራሕተኛ ኣብ 2028 ክሳብ ልዕሊ $2800 ዶላር ዝድመር።

ሓደ ካብ’ዚኦም ስጉምቲታት እቲ ናይ $250 Working Australians Tax Offset መከሓሓሲ ግብሪ ንሰራሕተኛታት’ዩ፣ እዚ ባዕሉ (ኣውቶማቲካሊ) ኣብ ተመላሲ ግብሮም ንልዕሊ 13 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ካብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ዝመጽእ ዓመት ዝመጸሎም’ዩ።

እዚ ንብዙሓት ብሓጎስ ዝቕበልዎ ዜና ክኸውን’ዩ፣ ካሳንድራ ጎልዲ ግን እቲ ገንዘብ ኣብ ዝሓሸ ክውዕል ምኸኣለ ኔሩ’ዶ ክትብል ሓቲታ።

"ንሕና መንግስቲ ነዚ መከሓሓሲ Working Australian Tax Offset ቀዳምነት ምሃቡ ጌጋ ዝኾነ ውሳነ’ዩ ኢልና ንሓስብ። 3 ቢልዮን ከወጾ’ዩ። $250 ንደሞዝ ዝኽፈሉ ሰባት ክህብ’ዩ። እዚ ግን ንነብሲ ወከፍ ኣብ ዝኽፈል ስራሕ ዘሎ ምዃኑ ንዘክር፣ ኣብ’ቲ ሚዛን ኣታዊታት ኣብ ላዕሊ ዘለዉ፣ ከባቢ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ኣታዊታቶም ኣዝዩ ታሕቲ ብምዃኑ ኣብ’ቲ ግብሪ ዝኽፈለሉ መጠን ዘይበጽሑ ወይ ዘየማልኡ ኣለዉና፣ ካብ’ዚ Working Australian Tax Offset ዝረኽብዎ የብሎምን።"

እቲ ተሓዚ ሕሳብ ኣብ’ዚ ባጀት ከበድቲ ውሳነታት ክውሰኑ ኔርዎም’ዩ፣ ኣንጻር’ቶም ብዂናት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ዓቀብቲ (ፕሮቴክሽኒስት) ኣካይዳታት ንግዲ፣ ከምኡ’ውን ካልኦት ምንዋጻት ተወሊዖም ንላዕሊ ዘንቃዕርሩ ዘለዉ ዋጋታት ነዳዲ ይብል።

እዚ ባጀት ብተወሳኺ ኣቐዲሞም ዝተገልጹ ዓበይቲ ዝተመደቡ መብጽዓታት’ውን ዘካትት’ዩ፣ $53 ቢልዮን ንምክልኻል ንዝመጽእ ዓሰርተ ዓመት፣ $10 ቢልዮን ናብ ውሕስነት ነዳዲ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ዓቢይ ስምምዕ ምወላ ኣብ ጥዕና ምስ ግዝኣታዊ መንግስታትን።

እቲ ትሬዠረር $63.8 ቢልዮን ዶላራት ተዋህሊሉ ዝቕመጥ (ሰይቪንግስ) ከምዘሎ ተዛሪብሉ - ግን ዝበዝሐ ካብ’ዚ ዝመጸ ካብ’ቲ እናዓበየ ዝኸደ ወጻኢታት ኣብ ኤንዲኣይኤስ ዝተቖርጸ’ዩ።

ንድፊ ወይ ዲዛይን ናይ’ዞም ምትዕርራያት ኣብ ዝቕጽልሉ፣ ክትዓት ብዛዕባ ርትዓውነትን ተኣቅቦ ኣብ’ቶም ዝግበሩ ወጻኢታትን ብዘይጥርጥር ክቕጽሉ’ዮም።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now