ኣብ መንጎ ራሻን ዩክረይንን ዘሎ ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ዩክረይን ወተሃደራዊ ሕጊ (martial law) ክነግስን ህዝቢ እታ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ከይገብሩ ዝእግድን ንመዲያ ክቆጻጸሩን ንሰብ መዚ ስልጣን ሂባ ኣላ። ራሻ፣ ቅሉዕ ወተሃደራዊ ምትእትታው ትገብር ኣላ ብምባል ሃገራት ክወቕሳ ከለዋ፡ ሓንቲ ኣውስትራሊያዊት ተንታኒን ግና ካብቲ ዝኸርር ዘሎ ዘይምስምማዕ ዩከረይን ተረባሒት ክትከውን ትኽእል እያ።
ኣብ 2014 ኣብ መንጎ ዩክረይንን ራሻን ግጭት ካብዝጅምር ንደሓር እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ወተሃደራዊ ስርዓት (martial law) ኣዊጃ ኣላ። በዚ እናተረረ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ስግኣቱ ገሊጹ ኣሎ።
ናይ ዩክረይን ፓርላማ ነቲ ፕረሲደንትPetro Poroshenko ዘቕረቦ ናይ 30 መዓልታት ወተሃደራዊ ናይ ህጹጽ ኩነታት ስርዓት (martial law) እማመ ብዓብላሊ ድምጺ ተቐቢልዎ ኣሎ።
እዚ ስጉምቲ ዝመጽእ ዘሎ ራሻ ሰለስተ ናይ ዩክረይን መራኽብ ሓይሊ ባሕሪን 24 ኣባላትን ኣብቲ ንክልቲኤን ሃገራት ስትራተጂካዊ ኣድላይነት ዘለዎ ወሽመጥ ኪርች ምስ ሓዘት እዩ።
ኣብ ዉ.ሕ.ሃ. ናይ ራሻ ኣምባሳደር, Dmitry Polyanskiy ከምዝገለጾ ናይ ዩክረይን ጀላቡ በቲ ዘይሕጋዊ ግዝኣት የንሳፍፋ ኔረን፡ ራሻ ንዝሃበቶ መጠንቅቕታ ድማ ግብረ መልሲ ኣይሃባን ኢሉ።
“እዚ ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነት ራሻ ጥሕሰት ምዃኑ ኢና ቆጺርናዮ። እዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ ማለት ናይ ራሻ ሓይሊ ባሕሪ ሓይሊ ክጥቀሙ ዘግብር እዩ። ነቲ ናይ ራሻ ሓይልታት ክእለትን ጥንካረን ምስጋና ይብጽሓዮ፡ እቲ ኩነታት ብዘይቅትለት ተፈጺሙ ኣሎ፡፣ ዝቖሰሉ ሰባት ኔሮም ሕክምናዊ ሓገዝ ድማ ተጌርሎም ኣብ ህይወቶም ግና ዝኾነ ስግኣት ኣይበጽሖምን። እዚኣቶም ኣባላት ናይ ዩክረይን ሓሊታት እዮም።”
እንተኾነ ኣብ ዉ.ሕ.ሃ. ናይ ዩክረይን ተወካሊ Volodymyr Yelchenko, ነቲ ራሻ ዝበለቶ ሓሶት እዩ ኡሉ።
((" ራሻ ብዛዕባ ኣብ ዶባት ሓይሊ ባሕሪ፡ ዩክረይን ፈጺማቶ ኢላ ትኸሶ ዘላ ሓሶት እዩ፡ ንኹሉ ሓላፍነት ኣብ ዩክረይን ንምሽካም ዝተፈጥረ ነቲ ዘሎ መርትዖ ነጺግካ ኮነ ኢልካ ነቲ ነገር ናብ ካልእ ንምጥምዛዝ ዝተገብረ እዩ።
ፕረሲደንት Poroshenko ኣብቲ ፈለማ ነቲ ናይ ህጹጽ ኩነታት እዋን ን60 መዓልቲ ክጸንሕ እዩ ኣሚሙ ኔሩ። ገለ ኣባላት ፓርላማ ዩክረይን ግና እቲ ፕረሲደንት ተቐባልነቱ ባይታ ዘቢጡ ብምህላዉ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ንምድንጓይ ኮነ ኢሉ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸገምዩ ይብሉ። ምርጫ ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ መጋቢት ከምዝሳገር ክገብሩ ንምጽዋዕዩ ይብሉ። እቲ ናይ ህጹጽ ኩነታት ናብ 30 መዓልታት ከምዝሓጽር ተጌሩ ኣሎ።
ኣብ Australian National University ((ANU)) ኪኢላ ራሻ Elizabeth Buchanan ከምትብሎ ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ከርች ዘሎ ወጥሪ የጋድዳኦ እየን ዘለዋ።
(("ብፍላይ ድማ ምስቲ ኣብ ዩክረይን ዝህሉ ምርጫ፡ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ራሻን ዩክረይንን ነዚ ኩነታት ዘለዓዕሉ ረቛሒታት ኣለዉ። ናይ ፕረሲደንት Poroshenko ተቐባልነት ኣንቆልቊሉ እዩ ዘሎ። ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድማ ሩሲያዊያን ነዚ ይጥቀምሉ እዮም ዘለዉ። ዩክረይን ነዚ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጠር ዘሎ ውጥረት ትጥቀመሉ እያ ዘላ በሃልቲ እዮም። ኣብ ዉሽጢ ራሻውን ተቐባልነት ፑቲን ወሪዱ እዩ ዘሎ ። ካብቲ ኣብ 2008 ናይ ጆርጂያ ንፈልጦ ኣብ ዉጽጢ ዘሎ ህዝቢ ጀግና ፑቲን ክርኢ ምእንቲ እቲ ወጥሪ ክንዮ ዶብ ከምዝኸይድ እዩ ዝግበር፡ በዚ ድማ ተቐባልነቱ ክውስኽ ተራእዩ እዩ።
ትካል ስምምዕ ሰሜን ኣትላንቲክ (NATO) ነቲ ግሉጽን ቀጥታዊን መገዲ ኢሉ ዝጸውዖ ራሻ ኣንጻር ዩክረይን ወተሃደራዊ ቅልጽም ምጥቃማ ኮኒንዎ ኣሎ።
ራሻ ንመራኽብ ዩክረይን ምሓዝ ምኽንያት የብላን ብምባል ድማ NATO ይኸስስ።
ኣብ ዉ.ሕ.ሃ. ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር Nikki Haley, ራሻ ናይቲ ዞባ ሰላም ትዘርግ ኣላ ብምባል ትወቅስ
((“እቲ ብሰንበት ዝተገብረ ቅጥዒ ዘይብሉ ግህሰት ሉኣላዊነት ዩክረይን መቐጸልታ ናይቲ ንክርሚያ ናብ ግዝኣታ ንምጽምባር ዝተገብረ ቁጽሪ ኣልቦ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ክርሚያን እዩ። ብተወሳኺ ናይቲ ልዕሊ 10 000 ህይወት ናይ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝቐዘፈ ግጭት እዩ። እቲ ኩነታት ዝሃድኣሉ ኣንፈትውን ኣይተራእየን።
ዶ/ር Buchanan, ናይ ANU, ከምትብሎ ምስ ራሻ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዩክረይን ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ኣባላት NATO ን እውን ክትንክፍ እዩ።
(("ምስ NATO ን ከምኡውን ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ክህሉ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከዝሕሎ እዩ። ኣብ መጻኢ ናይዘን ክልተ ሃገራት ኩነታት ብኽልተ መገዲ ክግለጽ ይከኣል እዩ። . ክልቲኤን ታሪካዊ ምትእስሳር ዘለወን ኮይነን በቲ ናይ Minsk ስምምዕ ነቲ ጸገም ክፈትሖኦ ኣይክእላን እየን። እዚ እቲ ሕብረት ኣውሮጳ ንዩክረይን ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ምእንቲ ክትጽምበር ዝርእዮ ጸገም ሓደ ክኸውን እዩ፣ ናይ ራሻ ነገር ምስዚ ተታሒዙ ዝመጽእ ጉዳይ ክከውን እዩ።






