ፍጥጥ ኣመሪካን ራሻን ክሳብ ምውጣጥ ዉዕል ኣጽዋር ኑክሌስ።

ዓመታዊ መደረ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ኣብ ጎስቲን ድቮር ኣብ እተገብረ ፈደራላዊ ኣኼባ ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን 21.022023 ሩስያ ፡ ሞስኮ Photo credit: Dmitry Azarov/Kommersant/Sipa USA Credit: Kommersant Photo Agency/Sipa USA
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝወረረትሉ ቀዳመይቲ ዓመት ቅድሚ ምዝካሩ ፡ ክልተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዋርሶ ፡ ፖላንድ ተረኺቡ ። ኣብኡ ድማ ምስ ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንደርዘጅ ዱዳ ተራኺቡ ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ከኣ ነታ ኣብ ኲናት ትርከብ ሃገር ቀጻሊ ደገፎም ገለጹ ። እዚ ዝመጸ ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሞስኮ ኣብቲ New START treaty ዝበሃል እቲ ናይ መወዳእታ ተሪፉ ዘሎ ዉዕል ምቍጽጻር ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዘደስከሎ ኣብዘፍለጠሉ እዩ።
Share