ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝጽበዩ ዓሰርተታት ሚሊዮናት ህዝቢ ዓለም ረዲኤት ንክረኽቡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ መጠን ናይ ገንዘብ ጠለብ ኣቕሪቡ። ነዞም ብግጭት፡ ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ተላባዒ ሕማማትን ዝተማዛበሉን ሰባት ንምሕጋዝ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት 22.5 ቢሊዮን ናይ ኣመሪካ ዶላር ክረክብ ተማሕጺኑ ኣሎ።
ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ማርክ ሎውኮክ ከምዝብሎ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት 136 ሚሊዮን ረዲኤት ዘድልዮ ዝነበረ ህዝቢ ኣብዚ እዋን ብሓሙሽተ ዕጽፊ ይዓቢ።
ሚስተር ሎውኮክ ኣብ ከተማ ጀነቫ ናይ ስዊስ ነዚ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ጻዊዒት ኣብ ዝተገብረሉ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ እቲ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ቀንዲ ጠንቁ ግጭትን፡ ሰብኣዊ ዓመጽን’ዩ።
"ንሰባት ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ ዝገብርዎም ጠንቅታት፡ እኹል መግቢ ዘይምርካብ፡ መነባብሮኦምን ዝምንጥል ነገራትን፡ ብዛይካቲ ብቐጻሊ ዝኽሰት ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ማዕበላት ባሕሪን ካልእ ባህርያዊ ሓደጋታትን ሳይንሰኛታት ከምዝእምትዎ ኣብ 2018 ብዙሕ ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክህሉ እዩ።”
Mr Lowcock ከምዝብሎ ንየመን ዝወሃብ ረዲኤት እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ ክከውን እዩ፡፣
"ኣብዚ እዋን እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ናይ የመን እዩ ዘሎ። የመን 25 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኮይና ካብኣቶም እቶም 20 ሚሊዮን ህዝቢ ረዲኤት ዘድልዮም ኣዩ። 7 ወይ 8 ሚሊዮን ካብዚኣቶም ሕጂ ሕጂ ኣብ ዓጸቦ ዝርከቡ እዮም። ናብ የመን ረዲኤት መግቢን ነዳድን ከይኣቱ ዓጊቱ ዘሎ እገዳ ሱዕዲ ዓረብን መሓዙታን ክለዓል ክንሓትት ጸኒሕና ኢና። እቲ እገዳ ድሕሪ’ቲ ኣብ 6 ሕዳር ኣብ ርያድ ዝተተኮሰ ሚሳይል ዝተገብረ እዩ።”
Helle Thorning-Schmidt, ሓላፊት Save The Children International, ከምትብሎ ኣብ የመን ዝርከቡ ሕጻናት ዝስካሕክሕ ጥምየትን ሕማምን ይወርዶም ኣሎ።
"ቁጽሪ ኣብ ዓለም ብጥምየት ዝሳቐዩ ቆልዑ አናዓበየ ይከይድ እምበር ይወርድ ኣይኮነን ዘሎ። ከም ኣብ በዓል የመን ዝበሉ ድማ ዝኸፍአን ዘስካሕክሕ ትርኢትን ሪኢና፡ ኣብኡ ቆልዑ ብሕማም ክሞቱን ኣብ የመን ብሕማም ኮሌራ መዓልታዊ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ክሞቱ ንርኢ ኣለና። ከምዝመስለኒ እቲ ዘለና ኣሃዝ መዓልታዊ 130 ቆልዑ’ዮም ዝሞቱ ዘለዉ። እዚ ኣዚዩ ዘሰክሕ ቅልውላው እዩ።”
መንግስታት ጠንቂን ምልክታት ሰብኣዊ ቅልውላውን ፈሊጦም ናይ ሓዋሩ መፍትሒ ከናድዩ Ms Thorning-Schmidt ጸዊዓ።
ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ከምዝብሎ፡ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት እቲ ኩነታት ቅልውላው ስለዝተመሓየሽ ረዲኤት ክጎድል ትጽቢት እኳ እንተሎ ኣብ ከም በዓል ኣፍጋኒስታን፡ ኢትዮጵያ፡ ዒራቕ፡ ማሊን ዩክረይንን ኣብ ዝበላ ሃገራት ግና እቲ ኩነታት ከምዘለዎ ክቕጽል እዩ።
ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ቡርንዲ፡ ካሜሩን፡ ማእከላይ ሪፑብሊክ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎ፡ ሊብያ፡ ሶማሊያን የመንን ኩነታት እናኸፍአ ክኸይድ እዩ።
በዚ ተገይሩ ዘሎ መጽናዕቲ ኣብ ናይ ህጹጽ ረዲኤት ኩነታት ኣትየን ካብ ዘለዋ ካልኦት ሃገራት ከም በዓል ጫድ፡ ሃይቲ፡ መይንማር፡ ኒጀር፡ ግዝኣት ፍልስጢኤም፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ ሶርያን ዩክረይንን ይርከባአን።






