ኣካል ናይ’ቲ ሓደ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ማይግረሽን፡ ኣውስትራልያ በብዓመቱ ብዙሓት ዝኾኑ ቀዋሚ መንበሪ ዘውሕሱ ቪዛታት ትቕርብ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እዚ ቁጽሪ ኣብ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጠለባት ወይ ኣድላይነታት ናይ’ዛ ሃገር ተሞርኪሱ ክቀያየር ወይ ክለዋወጥ ጸኒሑ’ዩ። ጽሩይ ቁጽሪ ካብ ደገ ናብ ኣውስትራልያ ዝኣቱ ብዝሒ ሰብ ወይ ማይግረሽን ክሳብ 2020 ኣዝዩ ዝለዓለ እንተነበረ፡ እቲ ዓመታዊ ቀዋሚ ቁጽሪ ዝኣትዉ ሰባት ግን ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ናይ 160000 ገደብ ኣለዎ።
Share





