ምርዳእ ውዕል (treaty) ኣብ ኣውስትራሊያ: ቀዳሞት ህዝባታት ብዛዕባ'ዚ ክንርድኦ ዝደልዩና ነገራት።

First Peoples Assembly Gather In Gardens Of Parliament In Victoria

First Peoples Assembly of Victoria pose for a group portrait, the indigenous body of Victoria negotiating the statewide treaty gather in Legislative Council Chamber of Victoria for their first sitting after elections on July 26, 2023 in Melbourne, Australia. Credit: Tamati Smith/Getty Images

ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ጥንታውያን ባህልታት ካብዘለዉዋ ሃገር እያ: እንተዀነ ግን ሓንቲ ካብተን ንቐዳሞት ህዝብታት ኣፍልጦ ዘይሃባ ሒደት ሃገራት እያ ። እዚ ማለት ብዛዕባ ምምቕራሕ መሬት: ጥሪት: ወይ ናይ ውሳነ ስልጣን ብዛዕባ ስምምዕ ተገይሩ ኣይፈልጥን እዩ: እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ዘይተወደአ ዕማም ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ። ውዕል ወይ ጥሪት ክብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ፍለጥ ፣ እዚ ውዕል እዚ ካብ ናይ መሬት መሰላትን መበቈላዊ መሰላትን ብኸመይ ከም ዝፍለ ፡ ከምኡ እውን ኣድላይነት ውዕል ዝምልከት ንምፍላጥ ኣብዚ ትሕዝቶ ተገሊጹ ኣሎ።


እቲ ውዕል ኣብ መንጎ መንግስታትን ኣቦርጂንን ቶረስ ስትራት ኣይላንደራትን ዝግበር ወግዓዊ ውዕል እዩ። እቲ ዉዕል ብኸመይ ብሓባር ከም ዝዓይዩ ፡ ንመሰላትን ንታሪኽን ቀዳሞት ህዝብታት ኣፍልጦ ምሃብን ፡ ከምኡውን ንመጻኢ ብኸመይ መደብ ከም ዝሓዙ ዝሕብር እዩ ።
ነቲ ውዕል ምርዳእ ምስ ታሪኽ ኣውስትራሊያ ዘራኽብ ሓያል መገዲ እዩ ። ብዛዕባ ሕግታትን ፖለቲካን ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ብዛዕባ ምክብባርን ሓቅን ምህናጽን ፡ ብዛዕባ ነዛ ሃገር እዚኣ ከም ዓዶም ዝቖጽሩ ኵሎም ሰባት እዩ ።
ዋላኳ ብዙሕ ግዜ ብሓባር ዝዝረበሎም እንተኾነ ፣ እዞም ዝስዕቡ ስያመታት ዝተፈላለየ ትርጉም ኣለዎም:
  • መሰላት መሬት (Land rights):  መንግስታት ዝፈጠርዎም ሕግታት ኮይኖም ንገለ ከባቢታት ናይ ዘውዲ ናብ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትራት ኣይላንደራት ህዝብታት ዝምለሱ ኮይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ብባይቶ መሬት እዮም ዝመሓደሩ ።
  • ደቀባታዊ መሰላት (Native title): ሕጋዊ ተፈላጥነት ናይ ገለ ቀዳሞት ህዝብታት ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ባህላዊ ሕግታትን ልምድታትን መሬቶምን ማያቶምን ዝጽልሉ መሰላት እዮም ።
  • ውዕል (Treaty): ኣብ መንጎ መንግስትታትን ኣብ መንጎ ቀዳሞት ህዝብታትን ዝግበር ወግዓዊ ስምምዕ ።  
ብሓባር እዞም ኣገባባት ነቶም ቀዳሞት ህዝብታት ፍትሕን ተፈላጥነትን ርእሰ-ውሳነን ንኼስፍን ዕላማ ይገብሩ ።
Australians Observe Australia Day Holiday
Protesters march from Parliament House to Flinders Street Station during the Treaty Before Voice Invasion Day Protest on January 26, 2023, in Melbourne, Australia. (Photo by Alexi J. Rosenfeld/Getty Images) Credit: Alexi J. Rosenfeld/Getty Images
ውዕል ኣብ መንጎ ክልተ ጕጅለታት ብሕጊ ቀያዲ ዝዀነ ስምምዕ እዩ ። ኣብ ከም ኒው ዚላንድ ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ፡ መንግስትታትን ማኦሪን ውዕል ዋታንጊ ፈሪሞም እዮም ። ኣብ ካናዳ ምስ ቀዳሞት ህዝብታት ብዙሕ ዉዕላት ተገይሩ እዩ ።
ኣውስትራልያ ዘይከም ካልኦት ሃገራት ፡ ኣብቲ ብሪጣንያ ብ መግዛእቲ ናብዚ ሃገር ዝኣተወትሉ እዋን ምስ ቀዳሞት ህዝብታት ሃገራዊ ውዕል ኣይገበረትን ። ብሪጣንያውያን ኣብ መሬት ኣቦርጂን ምስ ተቐመጡ ፡ 'ተራ ኑሊዮስ "ኢሎም ኣወጁ ፣ ትርጕሙ ድማ ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዘይኮነ መሬት ማለት እዩ ። ስለዚ ፡ ምስ ኣቦርጅናውያን ኺላዘቡ ከም ዘድልዮም ኣይተረድኦምን ። ውዕል ስለ ዘይነበረ ፡ ብዛዕባ እቲ ንመሬት ፡ ጥሪት ፡ ወይ ንውሳነ ዝሕግዝ ስልጣን ዝገልጽ ሰፊሕ ስምምዕ ተገይሩ ኣይፈልጥን እዩ ፣ እዚ ከኣ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘይትወደአ ዕዮ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ።

ብዙሓት ቀዳሞት ህዝብታት ፡ እዚ "ዘይተፈጸመ ዕዮ" እዚ ፡ ሎሚ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዝርርብ ከም ኣገዳሲ ጕዳይ ኰይኑ ዝቕጽል ዘሎ እዩ ።
ብዛዕባ ውዕል ዝግበር ዝርርባት ፡ ታሪኽን ንመሰላትን ምኽባር ቀዳሞት ማሕበረሰባት ኣብ ውሳነታት ናይ ሓቂ ድምጺ ከም ዘለዎ ምግንዛብ እዩ ። ክኢላ ሕጊ ዝዀነ ኃሪ ሆብስ ብዛዕባዚ ከምዚ ይብል: -
"ዉዕላት ክበሃል ከሎ፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ኣቦርጂንን ቶረስ ስትራት ኣይስላንደርን ብሓደ ወገን ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲን ፌደራላዊ መንግስታትን ፡ ማለት ሕገ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣብ መንጎ ናይ ፌደራል ፓርላማን ናይ መንግስቲ ፓርላማን ዘሎ ስልጣን ስለ ዝኸፋፍል እዩ ።"
ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትራት ኣይስላንደር ህዝብታት ናይ ሓባር መጻኢ ከረጋግጹ ይደልዩ ፡ እዚ ድማ ንኹሉ ሰብ ዘደልድል ከምኡ "ውን ንናይ ሎሚ ኣውስትራሊያ ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ባህሊ ኣፍልጦ ዝህብን ዘኽበርን እዩ ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተገብረ ውዕል ማለት ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠሙ ነገራት ብቕንዕና ምዝራብ ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ሓድሽ መምርሒ ምውጻእ ማለት እዩ ።
A man and two women standing near each other and smiling, in front of a wall that has a mural of people marching with signs displaying First Nations messages.
(from left to right) Former Queensland Truth-Telling and Healing Inquiry chairperson Joshua Creamer, NSW Treaty Commissioner Naomi Moran and co-chair of the First Peoples' Assembly of Victoria Ngarra Murray. Credit: NITV / The Point
ብዙሓት ቀዳሞት ኣህዛብ ፡ ውዕል ፡ ኣብ መጻኢ ፍትሕን ኣኽብሮትን ዝሓሸ ርክብን ከም ዘምጽእ ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ።
ኣብቲ ቪክቶርያ ዝገበረቶ መስርሕ ውዕል ፡ናይ ሩንዲጅማራ ሰብኣይን መራሒ መስርሕ ዉዕል ቪክቶሪያ ዝኾነን ሩበን በርግ ፡ "ውዕል ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ ፡ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ቀዳሞት ህዝብታትን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ዳግም ንምጅማር እዩ ፡ እዚ ይኹን እቲ ፡ ብደረጃ ንይ ግዝ ኣት መንግስቲ ይኹን ብደረጃ ኮመንወልዝ ብደረጃ ሃገር እዩ" በለ ።
ውዕል ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት፥
  • ህዝብታት ኣቦርጂናውያንን ቶረስ ስትራት ኣይስላንደር ከም ቀዳሞት ህዝቢ ኣውስትራልያ ምዃኖም ኣፍልጦ ምሃብ ።
  • ብዛዕባ ሓቂ ተረኽ ኣውስትራሊያ ሓቂ ምዝራብ ።
  • ኣብ ከም መሬት ፡ ጥዕና ፡ ትምህርቲ ፡ ቊጠባዊ ምዕባለን ባህልን ፡ ናይ ሓቂ ሽርክነት ምምዕባል ።
ናይ ዊርዲ ሰብኣይን ጠበቓን ቶኒ ማክኣቮይ ነዚ ከምዚ ብምባል ይገልጽ: - "ንህይወትና ባዕልና ኽንቈጻጸሮን ንገዛእ ርእስና ኽንውስንን ኣገልግሎት ኽንህብን ምስ እንኽእል: ጥዕናና እናሓየለን እናበርታዕናን ንኸይድ: ከምኡውን መንፈሳዊ ጥዕናናን ባህልናን እናተሓለወ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ። እዚ ሓደ ካብቲ ሳዉጽኢት ናይቲ ውዕል እንተ ተቐቢልካዮ: እዚ ንመላእ እታ ሃገር ጽቡቕ እዩ "በለ ።
ዉዕላት ብዙሕ መልክዕ ክሕዝ ይኽእልን ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ይሽፍንን ፥
  • ልኡላውነቶም ኣፍልጦ ምሃብ፡ ቀዳሞት ህዝብታት ብዛዕባ ማሕበረሰቦም ናይ ምውሳን መሰል ምሃብን ።
  • ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ምሕደራን ሓለዋን መሬት ፡ ማይን ጥሪትን ዝግበሩ ውዕላት ።
  • ንቛንቋታት ፡ ባህላዊ ቦታታትን ወግዕታትን ንምብርባርን ንምዕቃብን ክስራሓሉ ።
  • ናይ ጥዕና ፣ ትምህርቲ ፣ መንበሪ ገዛን ካልኦት ፕሮግራማትን ምምዋል።
ናይ ጉናይ ፡ ጉንዲትጅማራን ደጃብ ዉሪንግስማን ሰበይቲ ከምኡ "ውን ኣባል ባይቶ ቪክቶርያ ሊድያ ቶርፐ ፡ ማሕበረሰባት ኣብቲ መስርሕ መሪሕ ግደ ክህልዎም ከም ዝግባእ ትኣምን ።
ኣብ ምምሕዳር ከባቢታት ዝውከሉ እንዳታትን ኣህዛብን ክህልዉና ዘለዎም ኰይኑ ይስምዓኒ ። ናይ ሓቂ ለውጢ ክንገብር እንኽእለሉ ኣብ ከባቢና ኣብ ዝርከብ ማሕበረሰብ እዩ ።
Senator Lidia Thorpe
SENATE QUESTION TIME
Independent Senator Lidia Thorpe during Question Time in the Senate chamber at Parliament House in Canberra. Source: AAP / MICK TSIKAS/AAPIMAGE
ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዕብየት መስርሕ ውዕል ብዝተፈላለየ ፍጥነት ይንቀሳቐስ ኣሎ ። ከም ቪክቶርያን ኲንስላንድን ዝኣመሰላ ገለ ግዝኣታት ፡ ናብ ናይ ገዛእ ርእሰን ናይ ዉዕል ስጉምትታት ክወስዳ ጀሚረን ኣለዋ ፣ ካልኦት ከም ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝኣመሰላ ግዝኣታት ከኣ ፡ እቲ ውዕል እንታይ ክመስል ከም ዝኽእል ኣብ ምውካስ ይርከባ ኣለዋ ። ነፍሲ ወከፍ መስርሕ ብናይ ከባቢ ድሌት ዝምራሕ ኮይኑ ፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝተፈላለየ መልክዕ ክህልዎ ይኽእል ።
ኣብዚ ሕጂ ቪክቶርያ በዚ ጉዳይ ትመርሓ ኣላ ። ኣብ መስከረም 2025 ናይ ቪክቶሪያ መንግስቲ ከምኡውን ናይ ቀዳሞት ህዝቢ ናይ ቪክቶሪያ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ ኣውስትራሊያ ንፈለማ ግዜ ብደረጃ ሃገር ኣብ ሙሉእ ስምምዕ ዝገበረቶ ስምምዕ ፡ ውጽኢት ናይ ዓመታት ውዕልን ናይ ማሕበረሰብ ምምኽኻርን ኣካይዱ። መስርሕ ውዕል ቪክቶርያ ኣብ ምሉእ ኣውስትራሊያ ከም ቀንዲ ኣብነት እዩ ዝውሰዶ ።
ሃገራዊ ውዕልን ኣብ መንግስቲ ግዝኣታት ዝግበር ውዕል ዝተፈላለየ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ።
ሃገራዊ ውዕል ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ናይ ኣቦርጂናልን ቶረስ ስትራት ኣይላንድ መሰል ኣቦርጂናልን ተቐባልነት ንምርካብ ሃገር-ለኸ ስምምዕ እዩ ። ናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶሪ ውዕላት ንነፍሲ ወከፍ ከባቢ ዝምልከት ኮይኑ ፡ ኣብ ቀዳምነታት እቲ ከባቢ ብምትኳር ኣድላይነት እቲ ከባቢ የረጋግጽ ። ብዙሓት ተጣበቕቲ ፡ ናይ ሓቂ ለውጢ ንምምጻእ ብሓባር ብምዕያይ ፡ ብደረጃ ሃገርን መንግስትን ዝግበር ዉዕላት ከም ዘድሊ ይኣምኑ ።
ውዕል ክበሃል ከሎ ፡ ጕዳይ ቀዳሞት ኣህዛብ ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ንዅሉ ሰብ ተፈላጥነትን ኣኽብሮትን ፍትሓውነትን እውን ዘጠቓልል እዩ ። ውዕል ምግባር ፡ ኵሉ ድምጽን ተመክሮን ኣኽቢርካ ዝርአ መጻኢ ከም ዝህሉ ዝገብር እዩ ።
እቲ ዝቕጽል ምዕራፋት ውዕል ፡ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ማሕበረሰባትን መንግስትታትን በቶም ብዛዕባ መጻኢ ኣውስትራልያ ሓባራዊ ነገር ኽካፈሉ ዝደልዩ ሰባትን ክጸሓፍ እዩ ። ነቲ መስርሕ ውዕል ምርዳእ ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር እዚኣ ብዕምቈት ንኺራኸብ ፡ ንመጻኢ እውን ብሓባር ጽቡቕ ቅርጺ ንኺሕዝ መገዲ ዝኸፍት እዩ ።


Stream free On Demand

Thumbnail of The Case For A Treaty

The Case For A Treaty

episode Living Black • 
News And Current Affairs • 
34m
episode Living Black • 
News And Current Affairs • 
34m
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.   

Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au 

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service