SKIP TO MAIN CONTENT

ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣውስትራሊያ

Union Rally in Melbourne
Union Rally in Melbourne Source: SBS

ነቲ ዘሎ ዝሕቱል ወሰኽ ደሞዝ ብምቅዋም በማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ሰላማዊ ስልፊ ጌሮም። ካብ ዝተፈላለዮ ስራሓት ዝተወከሉ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወሰኽ ደሞዝን ዉሕስነት ስራሕን ጠሊቦም።


Published

By SBS tigrinya

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ነቲ ዘሎ ዝሕቱል ወሰኽ ደሞዝ ብምቅዋም በማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ሰላማዊ ስልፊ ጌሮም። ካብ ዝተፈላለዮ ስራሓት ዝተወከሉ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወሰኽ ደሞዝን ዉሕስነት ስራሕን ጠሊቦም።


"ኣውስትራሊያ ወሰኽ  ደሞዝ የድሊያዶ? እወ የድልያ!

Does Australia need a pay rise? Yes! Does Australia need a pay rise? Yes!"... 

 

ብሰሉስ፡ መሰል ሰራሕተኛታት ክሕሎን ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክውሰኽ ብዝጠልቡ ልዕሊ 160 ሽሕ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ንማእከል ከተማ መልበርን ኣጥለቕሊቖማ እዮም ዊዒሎም።

 ተመሳሳሊ ሰልፊውን ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ክግበር’ዩ ዊዒሉ። እዚ ዝተካየደ ሰልፊታት ኣካል ናይቲ ናይ ባይቶ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣውስትራሊያ ((ACTU)) ነቲ ሕጊ ይለወጥ ዝብል ጎስጓስ እዩ።

ዋና ጸሓፊ A-C-T-U, Sally McManus, ከምትብሎ ምስ ክብሪ ዋጋታት ናብራ ዘይከይድ ዝሕቱል ወሰኽ ደሞዝ እዩ ዘሎ።

 (("ምስ ኣፍራይነት ዘይከይድ ዓቢ ጸገም እዩ ዘሎና። ስለዚ ኣብዚ እዋን ፍትሓዊ ብጽሒት ኣይንረክብን ዘለና። ኣፍራይነት ወሲኹ እዩ ደሞዝና ግና ብኡ መጠን ኣይወሰኸን። እዚ ከኣ ዓቢ ጸገም እዩ። ኣብ ሃገርና መዓልታዊ ሃብቲ ይፍጠር ኣሎ እንተኾነ ካብቲ ዝፍጠር ዘሎ ሃብቲ ብጽሒትና ኣይረኸብናን፡፣

ሎሚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተሓተ ደሞዝ ኣብ ዓመት $37,000 ጥራይ እዩ.

ኣብ Melbourne ኣብ ስራሕ ጽርየት ዝተዋፈረት Saijita ((suh-JEE-tuh)), ብትሑት ደሞዝ ትሰርሕ እያ ኣብዚ ዓመ 62 ሳንቲም ወሰኽ ደሞዝ ጥራይ ከምዝረኸበት ትዛረብ።

 (("ኣነን ካልኦት ዝፈልጦም ኣብ ስራሕ ጽርየት ዘለዉን እቲ ዝግብኦም መነባብሮ ዘይኮነ ዝረኽቡ ዘለዉስ ንስለ ምንባርዮም ዝነብሩ ዘለዉ። እቲ ንሰርሖ ዘለና ዋጋ ዘለዎ ስራሕ እዩ፡ ንስራሕና ግና ኣፍልጦ ኣይረኸብናሉን።

ማሕበር ሰራሕተኛታት ከምዝብሎ 4 ካብ 5 ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሰባት ካብቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ክብሪ መነባብሮ ክገጥም ዘይክእል ደሞዝ እዮም ዝረኽቡ ዘለዉ፡፣

ናይ ምሉእ ጊዜ ስራሕ ዝሰርሑ እኳ እንተኾነ ኣስታት 28,000 ዝኾኑ ኣውስትራሊያዊያን ከም መጽለሊ ኣልቦ እዮም ዝቑጸሩ። ከም Saijita ዝበሉ ሰባት ከምኡ እዮም ዝሓስቡ።

"መዓልታዊ ሰሙን ምሉእ ብዛዕባ ከመይ ገይረ ክራይ ገዛይ ይኸፍል፡ ብዛዕባ ቢላት ይጭነቕ፡ እቲ ዝረኽቦ ነዚ ኩሉ  ወጻኢታተይ ይኸፍለለይዶ? እናበልኩ ይጭነቕ ከምኡ እናሓሰብኩ’የ ኣብ ጽርግያ ዝጓዓዝ።

 ((fade up.... "I say union, you say power, union, power, union, power, union, power"... fade under))

ካብ ኩሉ ዓውደ ስራሕ ዝርከቡ ማሕበር ሰራሕተኛታት መምህራን፡ ነርሳት፡ ኣብ ሞያ ዝተዋፈሩን ኣብቲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፎም  ሕቶኦም ድማ ወሰኽ ደሞዝ ጥራይ ዘይኮን ዉሕስነት ስራሕ ክመሃየሽ ዝጠልብዩ ነይሩ።

ናይ Victoria Trades Hall Council ጸሃፊLuke Hilakari ((HIL-luh-CAR-ree)) ከምዝበሎ ከም ናይ ሕማምን ዓመታዊ ዕረፍትን ዘስተማቕሩ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ሰለስተ ካብ 5 ዝውሕዱ ኣውስትራሊያዊያን ጥራይ እዮም።

 (( “40 ሚእታዊ ኣውስትራሊያዊያን ሰራሕተኛታት ናይ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት እዮም። ገሊኦም ናይ ኮንትራት ገሊኦም ድማ ጊዚያዊ ሰራሕተኛታት እዮም። ቀዋሚ ስራሕ ይደሊዩ። ሎሚ ኣውስትራሊያዊያን ብዙሕ ሕጊታት ክቕየረሎም ይጠልቡ እዚኣቶም ግና እቶም ገለ ዉሑዳት እዮም።

Mr Hilikari ከምዝብሎ ሰልፈናታት ን ኣስራሕቶም ጥራይ ዘይኮነ ንፈደራል መንግስቲ እንኮላይ እዮም መልእኽቲ ከሕልፉ ደሊዮም ዘለዉ።

 (("እዚ ሰፊሕ ሰልፊ እዩ፡ ንሕና ን Scott Morrison ዓቢ መልእኽቲ ከነሕልፍ ንደሊ ኣለና። ሎሚ ኣውስትራሊያዊያን ደሞዞም ክውሰኽ ዝግብኦ ግዜ እዩ።

እንተኾነ መንግስቲ Morrison ማሕበር ሰራሕተኛታት ብዋጋ ሰራሕተኛታት ነቲ ስልጣን ናብ ገዛእ ርእሶም ክወስድዎ ደሊዮም ብምባል ብዛዕባቲ ዝተገብረ ሰልፊ ክቕበሎ ኣይደለየን።.

እቲ ቀዳማይ Minister  ሰልፊ Labor ተመሳሳሊ ነገርዩ ዝገብር ኢሉ.

 (("ሰልፊ ለበር ዝበለጸ ኮይኑ ክስምዖ ከሎ እቲ ማሕበር ሰራሕተኛ ድማ ከምኡ  ኮይኑዩ ዝስምዖ። ሎሚ ኣብ ጽርጊያታት መልበርን ዝረኣናዮ ነገር ድማ ንሱ እዩ።

Minister ስራሕን ኢንዳስትራሊያዊ ዝምድናታትን Kelly O'Dwyer ብወገና ንማሕበር ሰራሕተኛታት ብዙሕ ስልጣን ምሃብ ጌጋ እዩ ትብል፡፣

 (("እቲ ሕጊ ክቕየር ክርእዩ ኣይደሊዩን እዮም፡ መምርሒ ኣይደሊዩን እዮም። ኣብ ዕጡቓት ሓይሊታት ማሕበር ሰራሕተኛታት ሕጊን መምርሒታትን ዝበሃል የለን።

ንሳ ወሲካ ከምዝገለጸቶ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ካብ ጸግዒ ነጻ ዝኾነ fair work commission,  ብዛዕባ ጉዳያት ስራሕ ዉሳነ ክውስን ብቑዕ እዩ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now