ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግህሰት መሰላት ዝምርምር፡ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዕድመ ናይ ስራሕ ግዜኡ ተናዊሑ። (ሓጸርቲ ዜናታት)
the Commission of Human Rights Experts on Ethiopia Kaari Betty Murungi (Kenya), Chair Credit: Beyene Weldegiorgis
ሓጸርቲ ዜናታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግህሰት መሰላት ዝምርምር፡ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዕድመ ናይ ስራሕ ግዜኡ ተናዊሑ ዩጋንዳ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ‘ዘይሕጋውያን’ ብምባል 200 ዝኾኑ ስደተኛታት ተኣሲሮም። ፕረሲደንት ዩዌሪ ሙሰቬኒ ነቲ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሰራዊት ኡጋንዳ ዝነበረ ወዱ ንኬንያ ድሕሪ ምፍርራሑ ካብቲ ዝጸንሖ መዝነት እንተውረዶኳ፡ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ዝለዓለ ኣዛዚ ሃይሊታት ሰራዊት ኡጋንዳ ጌሩ ብምሻም ምሉእ ጀነራል ጌርዎ። ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ኣብ ጥቓ ለስቦስን ኪይራን ምስ ጠሓላ ፡ ብውሕዱ 22 ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ድማ ጠፊኦም
Share