SKIP TO MAIN CONTENT

መራሕቲ ሃገራት እስላም፡ የሩሳሌም ዋና ከተማ ፍልስጢኤም ምዃና ብወግዒ ኣዊጆም።

Mahmoud Abbas, left, and Recep Tayyip Erdogan (AAP)
Mahmoud Abbas, left, and Recep Tayyip Erdogan Source: AAP

ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ የሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ከምዝኾነት ብወግዒ ንዝሃቦ ኣፍልጦ መራሕቲ ሃገራት እስላም ብሓደ ድምጺ ነጺጎሞ። ትካል እስላማዊ ምትሕብባር ኣብ ቱርኪ ብምግባእ፡ ሃገራት እስላም ኣንጻር ዉሳነ ዶናልድ ትራምፕ ንምግጣም ሓድነት ፈጢሮም ኣለዉ፡፣


Published

By Beyene Semere

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ የሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ከምዝኾነት ብወግዒ ንዝሃቦ ኣፍልጦ መራሕቲ ሃገራት እስላም ብሓደ ድምጺ ነጺጎሞ። ትካል እስላማዊ ምትሕብባር ኣብ ቱርኪ ብምግባእ፡ ሃገራት እስላም ኣንጻር ዉሳነ ዶናልድ ትራምፕ ንምግጣም ሓድነት ፈጢሮም ኣለዉ፡፣


ካብ 50 ሃገራት ዝመጹ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ኢስታምቡል ተኣኪቦም ነቲ ኣመሪካ ኣፍልጦ ሂባቶ ዘላ የሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ምዃን ዛጊት ብዘይተራእየ ደልዲሉ ዝቃወም እስላማዊ መርገጺ ወሲዶም ኣለዉ።

 ዉሳኔ ኣመሪካ ካብ መላእ ዓለም ኩነኔ እንተበጽሖ’ኳ  እስራኤል ግና ከም ዓቢ ስጉምቲ ሰላም ንቕድሚት ገይራ እያ ወሲዳቶ ዘላ።

 ፍልስጤኤማዊያን ንምብራቕ የሩሳሌም ዋና ከተማ ማጻኢት ሃገረ ፍልስጤኤም ገይሮም ዝወስድዋ ኮይኖም፡  እስራኤል ግና ዘይተኸፋፈለት የሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤልያ እያ ትብል፡፣

 ናይ ቱርኪ ፕረሲደንት ረሲፕ ጠይብ ኡርዶጋን ሓደ ካብቶም ነቲ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ዉሳነ ኣትሪሮም ካብተቓወሙ ምራሒ እዩ፡፣

 ሚስተር ኡርዶጋን, ነቲ ጉባኤ ዘዳለወ ኮይኑ የሩሳሌም ዋና ከተማ ሃገረ ፍልስጤኤም ከምዝኾነት ዓለም ኣፍልጦ ክትህብ ጸዊ ዑ ኣሎ፡፣

  "ደጊመ ታሪካዊ ጻዊዒት ከቕርብ እደሊ፡ ኩለን ሃገራት ፍልስጤኤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይሃባ ብዝቐልተፈ ሃገርነት ፍልስጤኤም ኣፍልጦ ይሃባ። ሎሚ የሩሳሌም ዋና ከተማ ፍልስጤኤም ምዃና ን እውጅ ኣለና፡፣ ብ ዓይንና በዚ መገዲ ክንከይድ ኢና።

 በዚ ውሳነ ናይ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ኣመሪካ ዝጸንሓ ሽምግልና እስራኤል ፍልስጤኤም ከምዘብቅዐ ኡርዶጋን ኣፍሊጡ ኣሎ።

 ናይ ፍልስጢ ኤም ፕረሲደንት ማሕሙድ ዓባስ ብወገኑ እቲ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ዝነበራ ተራ ኣጥፊኣቶ እያ ኢሉ።

 ኣመሪካነቲ ዝጸንሓ ተራ ናይ ሽምግልና ኣጥፊኣ ኣብ መስርሕ ፖለቲካ ድማ ባይታ ሲኢና ኣላ፡፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ዝኾነ ይኹን ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ተራ ናይ ኣመሪካ  ኣየድልየናን እዩ፡ ናብ እስራኤል ኣዳሊያ እያ እዚ እዩ መርገጺና።

 ናይ ኢራን ፕረሲደንት ሓሳን ሮሃኒ ከምዝበሎ  ኣመሪካ ነዚ ተራዚ ብቕዕቲ ኮይና ኣይትፈልትን እያ፡፣

 ኣመሪካ  ቅንዕቲ ሸምጋሊት ኮይና ኣይትፈልጥንያ፡፣ እቶም ኣመሪካ ነቲ  ዘሎ ጉዳይ ፍልስጤኤም ክትፈትሕ ተስፋ ዝገበሩዎ  ኣብዚ ቅሩብ እዋን ብዘር ኣየቶ ንምሕላው ዝለዓለ ድልየት ጽዮናዊያን ናይዚ መር ኣያ እዩ፡፣

 ሚስተር ሩሃኒ ብተወሳኺ ኢራን ንመሰል ፍልስጤኤማዊያን ንምሕላው ምስካል ኦት ሃገራት እስላም ክትተሓባበር ድልውቲ እያ ኢሉ።

 እቲ ብ 1969, ዝተጣየሰ  57-ኣባላት ዘለዎ ትካል እስላማዊ ምትህብባር  ከም ኣፈኛ እስላማዊ ዓለም ከምዝኾነ እዩ ገዛእ ርእሱ ዝሓስባ።

 ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር በኒያሚን ናታንያሁ  ግና በዚ መራሕቲ እስላም ዘውጽ እዎ መግለጺ ኣይግረምንየ ኢሉ።

 ሚስተር ናታንያሁ  ከምዝብሎ እቲ ሓቂ ሕጂ የሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል እያ፡፣

  "ፍልስጤኤማዊያን ነቲ ክውንነት እንተተቐበልዎን  ንስለ ሕሉፍነት ዘይኮነ ንስለ ሰላም እንተሰርሑ ዝበለጸ ነገርዩ። ክዉንነት ናይ የሩሳሌም እንተመጼና የሩሳሌም ዋና ከተማ ናይ እስራኤል ጥራይ ዘይኮነትሲ ንኹሎም ሃይማኖታት ኣብ የሩሳሌም ዘምልኹ ነጻነቶም ክንሕልወሎም ኢና  ንሕና ጥራይ ኢና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነዚ ንገብር።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now