ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ የሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ከምዝኾነት ኣፍልጦ ብምሃቡ፡ ነቲ ኣመሪካ ንነዊሕ ዓመታት ክትክተሎ ዝጸንሐት ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ቀይርዎ። ሚስተር ትራምፕ ከምዝበሎ እዚ ዉሳነ መዓልቲ ተግባራውነቱ ኣሕሊፉ እዩ፡ ንሱ ድማ ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ክገብርዎ ዘይከኣሉ ከምዝገበረ ንውሳኒኡ ይከላኸለሉ። ነይዚ ዉሳነ መልሰ ግብሪ፡ ኣሉታዊን ቅልጡፍን ከምዝኸውን ከይተደቀሰ ዝተሓልመን’ዩ ነይሩ።
ዶናልድ ትራምፕ ከምዝብሎ፣ እቲ ዝገብሮ ዘሎ ነቲ ኣመሪካ ንየሩሳለም ከም ዋና ከተማኣ ምዃና ኣፍልጦ ንምሃብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ፕረሲደንትታት ክገብርዎ ዘይከኣሉ ምዃኑ ገሊጹ።
" እዚ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ንኣመሪካ ብዝበለጸ ዘርብሓ ምዃኑን ኣብ መንጎ ኣስራኤልን ፍልስጢኤምን ዘሎ መስርሕ ሰላም ዝድግፍ ምዃኑ ኣሚነ፡ እዚ ነቲ ናይ ሰላም መስርሕ ንምቅልጣፍ ክውሰድ ዝግብኦ ጊዜ ወሲዱ ዝጸንሐ ጉዳይ ኣዩ። እስራኤል ከምዝኾነት ትኹን ሉኣላዊት ሃገር ዋና ከተማኣ መን ትኹን ክትውስን መሰል ዘለዋ ሉኣላዊት ሃገር እያ። ነዚ ኣፍልጦ ምሃብ ድማ ነቲ ዝድለ ሰላም ንኽርከብ ቅድመ ኩነት ምግባር እዩ።
ኣቲ ናይ US ኣመሪካ ፕረሲደንት ከምዝብሎ፡ የሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ንኽትከውን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ንክዉንነት ከም ምቕባልን እቲ ቅኑዕ ስጉምቲ ምውሳድን ኣዩ፡፣
ንሱ ብተወሳኺ ንስቴት ደፓርትመንቱ፡ ነቲ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ተል ኣቪቭ ናብ የሩሳሌም ንከግዕዝዎ ምድላዋት ክገብሩ መምርሒ ከምዝሃቦም ገሊጹ።
ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ናታንያሁ ነዚ ዉሳነ ብሓጎስ ተቐቢልዎ ኣሎ።
"ኣዚ ዉሳነ’ዚ ናይቲ ፕረሲደንት ነቲ ጥንታዊ ሓቂ ከምዘተግብሮን ንስምምዕ ሰላም ንቕድሚት ክደፍኦ ቃል ዝኣተዎ ዘንጸባርቕ ኣዩ። ዉሳነ ናይቲ ፕረሲደንት ንስጉምቲ ሰላም ንቕድሚት ዝደፍ እዩ። ምኽንያቱ የሩሳሌም ከም ዋና ከተማ ኣስራኤል ኣፍልጦ ዘይህብ ስምምዕ ሰላም ክኸውን ኣይክ ኣልንዩ።
ናይ ፍልስጤኤማዊያን ፕረሲደንት ማሕሙድ ዓባስ ብወገኑ ዉሳነ ዶናልድ ትራምፕ ነቲ መፍትሒ ክልተ ሃገራት ዝብል ዝንዕቕን ኣመሪካ ከም ኣታዓራቒት ክትከውን ዘዋድቕ ዉሳነ ኣዩ፡፣
"ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዙሓት መራሕቲ ጎረባብትና ክረኽቡና ቀንዮም፡ ብዛዕባ ጉዳይ የሩሳሌምን መሰል ህዝቢ ፍልስጢኤምን ዝምልከት ድማ ኣብቲ ናትና መርገጺ ክሓብሩ ክንገሮም ቀኒዩ ኣሎ። ህዝቢ ፍልስጢ ኤም ኣብ ሃገረ ፍልስጢኤም ዝምርኮስን ሉኣላዊ ግዝኣት ናይቲ ተጎቢጡ ዘሎ መሬት መሰል ክህልዎ ክንገር ጸኒሑ ኣሎ።
ካብ ሓገግቲ ኣካላት ፍልስጢኤም ሓናን ኣሽራዊ’ ነቲ ዉሳኔ ኮኒናቶ ኣላ።
"እዚ ምስቲ መሰረታዊ ረቛሒታት ሰላም ዝጻረር ኣዩ፡ ንኣህጉራዊ ሕጊውን ዝጥሕስ’ዩ። እዚ ዘመልክቶ ምሉእ ወገንነት ናብ ኣስራኤል ኣዩ፡፣ እዚ ዘመልክቶ ንየሩሳሌም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣስራኤል ምጽምባር ኣዩ።
የሩሳሌም ታሪኻዊት ቅድስቲ ከተማ ናይ ኣይሁድ፡ ክርስትያንን ኣስላምን ኣያ።
ኣብ 1967 ኣብ ዝተገብረ ናይ 6 መዓልታት ኩናት እስራኤል ንምብራቕ የሩሳሌም ጎቢጣቶ፡ ዓለም ግና ነዚ ኣፍልጦ ኣይሃበትሉን፡፣
በዚ ምኽንያት’የን ኩለን ሃገራት ክሳብ ሎሚ ቤት ጽሕፈታት ኤማባሲኤን ኣብ ተል ኣቪቭ ገይረናኦ ጸኒሐን ዘለዋ።
ፍልስጢኤማዊያን ምብራቕ የሩሳሌም ናይ መጻኢ ዋና ከተማኦም ክኸውን እዮም ዝደሊዩ።
ናይ ኣውስትራሊያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጁሊ ቢሾፕ ከምትብሎ ኣውስትራሊያ ኣሰር ኣመሪካ ኣይትስዕብን እያ። ኤምባሲኣ ኣብ ተል ኣቪቭ ክጸንሕ ኣዩ፡፣ ከምዚ ዓይነት በይንናዊ ስጉምቲ ወጥሪ ዘኽርር እዩ ድማ ትብል።
"ብኹሉ ወገን በይናኣዊ ስጉምቲ ምውሳድ ኣሰኪፉኒ ኣሎ፡ እዚ ነቲ ወጥሪ መሊሱ ዘኽርርዩ፡፣ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ግን ናብ ቀዋሚ ሰላም ዘምርሕ እንኮ መገዲ ኣብ መንጎ ኣስራኤልን ፍልስጢ ኤምን ዝግበር ስምምዕ ኣብቲ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ምዃኑ ይኣምንን ይትስፎን።
ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ምስገለጸ መራሕቲ ዓለም ዝኾነንዎ ክኾኑ ከለዉ፡ ድሮ ዕግርግራት ኣብ ቓዛን ኣብ ናይ ቱርኪ ከተማ ኣንካራን ተጀሚሩ ኣሎ።
ናይ ሱዕዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ከምዝገለጾ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ካብ ተል ኣቪቭ ናብ የሩሳለም ምቕያር ማለት ኣብ ልዕሊ ምሉእ ዓለም ዘለዉ እስላም ኲናት ምውላዕ ኣዩ።
ናይ ፈረንሳ ፕረሲደንት ኢማኑኤል ማክሮን ጸጥታ ክሰፍን ብምጽዋዕ ፈረንሳ ነቲ ስጉምቲ ከምዘይትድግፎ ገሊጹ። ናይ ብሪጣኒያ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ መይ ብወገና እዚ ኣብቲ ዞባ ዝህሉ ሰላም ዘይጠቅም ኢዩ ብምባል በቲ ዉሳነ ከምዘይትሰማማዕ ገሊጻ።
ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ ከምዝብሎ ነቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ዝብል መትከል ፍታሕ ኣማራጺ የብሉን፡፣
"ኣብዚ ህሞት ዓቢ ጭንቀት፡ ነቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ኣማራጺ መፍትሒ ከምዘይብሉ ግሉጽ ክገብሮ ኣደሊ። ፕላን ቢ ዝበሃል ነገር የለን። ጎኒ ንጎኒ ብሰላምን ጸጥታን ዝነብራ ክልተ ሃገራት፡የሩሳሌም ከም ከተማ ኣስራኤልን ፍልስጤኤምን ኣፍልጦ ምሃብ ካልእ ጉዳያት ድማ ብዘተ ክፍታሕን ናይ ክልቲኡ ህዝቢታት ሃንቀውታ ክርከብ ዝብዝብል ክእመን ክከኣል ኣለዎ፡፣






