“መራሕቲ ማሕበረሰባት፡ ኣብ ባይቶ ዝተመርጹ ኣባላት ንዝኣተዉዎ ቃል ክከታተሉን ተሓተቲ ክገብርዎምን ኣለዎም።” ኣቶ ያሲር ዓብደልርሒም
ያሲር ዓብደርልርሒም Credit: Beyene Weldegiorgis
ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቪክቶሪያ ዝተገብረ ምርጫ ብፕሪሜር ዳኒኤል ኣንድሪውስ ዝምራሕ ሰልፊ ለበር ንሳልሳይ እብረ ተመሪጹ መንግስቲ የቕውም ኣሎ። ነዚ ምርጫ ምኽንያት ብምግባር፡ ሰልፊ ለበር ንኽምረጽ ዝገበሩ ቀንዲ ረቛሒታት እንታይ ኔሮም፧ ንምንታይ እዮም ካብ ብስደት ዝመጹ ማሕበረሰባት ንሰልፊ ለበር ዝመርጹ፡ ኣብዝመጽእ ዓመታት ካብ ሰልፊ ለበር እንታይ ትጽቢት እዩ ዘሎ፧ ዝብሉን ተተሓሓዝቲ ሕቶታት ኣቶ ያሲር ዓብደልርሒም መሊሱልና ኣሎ። ንሱ ኣብ ናይ ፈደራልን ግዝኣትን ዝግበር ምርጫታት ኣብ ምውህሃድን ቆጸራ ድምጺን ዝሳተፍን ወዲ ቪክቶሪያ እዩ።
Share