In this photo released by Nucleus Network/ABC, clinical trial participants are given a coronavirus vaccine in Melbourne, Australia, Source: Nucleus Network/ABC
ዓለም ብኮሮና ቫይረስ ተጨኒቓትሉ ዘላ እዋን ኢና ዘለና። ጉዕዞታት ተሰሪዙ፡ ቁጠባታት ሓሸምሸም ኢሉ፡ እቲ ድኻ ድኽነቱ ወሲኹ፡ ዓመጽቲ ስርዓታት ነዚ ሕማም ከም መጋበርያኦም ጌሮም በትሪ ጭቆናኦም ንምድልዳል መመሳመሲ ኮይንዎም ኣሎ። እቲ ብሰላምን ጥዕናን ወጺኡ ሰሪሑ ናብ ቤቱ ክምለስ ዝደሊ፡ እቲ ኣብ ፈቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ምዕራባዊያን ክስደድ ዝናፍቕ፡ እቶም ንህዝቦምን ቁጠባኦም ዝሓልዩ መንግስታት ከይተረፉ እዚ ናይ ኮሮና እዋን ብቕልጡፍ ሓሊፉ ዓለሞም ናብ ንቡር ክትምለስ ሃረር ዝብልሉ እዋንዩ፡ ዓለም ድማ እቲ እንኮ ፍታሕ ምርካብ ክታበት ጸረ ኮሮና ቫይረስ ንኽርከብ ሃንቀው ትብል ኣላ። እተን ሃብታማት እቲ ክታበት ክርከብ ኣብዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን ህዝበን ብቐዳምነት ተሰሪዑ ነቲ ክታበት ምእንቲ ክረክብ ቢሊዮናት ዶላራት ከውፍራ ላዕሊ ታሕቲ ይብላ ኣለዋ። ኣመሪካ ቻይናን ሃገራት ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ንመስርዕ ይቀዳደማ ኣለዋ። ክታበት እንታይ እዩ? ኣድማዒ ምዃኑ ዝረጋገጸሉ ክታበት ክንደይ ግዜ ዝወሰደ እዩ? ኣብዚ ዓመት ክታበት ናይ ምርካብ ጉዕዞ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?