Supporters congratulate Mark McGowan and his wife Sarah (AAP) Source: AAPሰልፊ ለበር ንሰልፊ ሊብራል ኣብታሪኹ ዘይተራእየ ስዕረት ብምስዓር፡ ፕሪሜር ማርክ ማክጎወን ነቲ ናይ ምዕራብ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ብዓብላሊነት ክመርሖ እዩ። ኣብቲ ብቐዳም ዝተገብረ ምርጫ ሰልፊ ለበር ነቲ ሰልፊ ሊብራል ሒዝዎ ዝነበረ ወናብር ተወሳኺ 13 ሚእታዊ ብምውሳድ፡ ካብ 59 ወናብር ታሕተዋይ ፓርላማ ነቲ 53 ወናብርዩ ተዓዊትሉ። እዚ ንሰልፊ ሊብራል ዘባህርር ሕልሚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ፓርላማ ክልተ ወናብር ሒዞም ምትራፎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ መሪሕነት ናይ ሰልፊ ተቓዋሚ ስልጣኖም ብሰልፊ ናሽናልስ ምሕዳጎም እንኮላይ እዩ። ሚስተር ማክጎዋን ድሕሪ ዓወቱ ኣብዝገበሮ መደረ፡ " ኣብዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ንነፍሲወከፍ ወስት ኣውስትራሊያዊ ከገልግል እመባጻዕ።" ኢሉ። ጸብጻብ ይስዕብ
ሰልፊ ለበር ንሰልፊ ሊብራል ኣብታሪኹ ዘይተራእየ ስዕረት ብምስዓር፡ ፕሪሜር ማርክ ማክጎወን ነቲ ናይ ምዕራብ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ብዓብላሊነት ክመርሖ እዩ። ኣብቲ ብቐዳም ዝተገብረ ምርጫ ሰልፊ ለበር ነቲ ሰልፊ ሊብራል ሒዝዎ ዝነበረ ወናብር ተወሳኺ 13 ሚእታዊ ብምውሳድ፡ ካብ 59 ወናብር ታሕተዋይ ፓርላማ ነቲ 53 ወናብርዩ ተዓዊትሉ። እዚ ንሰልፊ ሊብራል ዘባህርር ሕልሚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ፓርላማ ክልተ ወናብር ሒዞም ምትራፎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ መሪሕነት ናይ ሰልፊ ተቓዋሚ ስልጣኖም ብሰልፊ ናሽናልስ ምሕዳጎም እንኮላይ እዩ። ሚስተር ማክጎዋን ድሕሪ ዓወቱ ኣብዝገበሮ መደረ፡ " ኣብዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ንነፍሲወከፍ ወስት ኣውስትራሊያዊ ከገልግል እመባጻዕ።" ኢሉ። ጸብጻብ ይስዕብ