ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/04/20) * ኩ’እግሪ ድሕሪ ምስጋር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተመሊሱ ክቕጽል እንከሎ ዝተፈልየ ከምዝኸውን ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ገሊጹ፡ * ህቡባት ከዋኽብቲ ኣፍሪቃ ዲድየር ድሮግባን ሳሙኤል ኤቶን ኣፍሪቃ መፈተኒ መድሃኒታት ኮሮናቫይረስ ክትከውን ሓሳብ ንዘቕረቡ ክልተ ህቡባት ሓካይም ፈረንሳ ዓሌተኛታት ክብሉ ነቒፎሞም፡ * ኬንያዊ ወናኒ ክብረወሰን ማራቶን ነበር ዊልሰን ኪፕሳንግ ብሃገር ደረጃ ዝተኣወጀ እዋን እቶ እቶ ጥሒሱ ድሕሪ ምእሳሩ ብዋሕስ ተለቒቑ፡ * ገዲም ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣያክስ ነበር ሉዊስ ቫንጋል ናይ ሎሚ ዓመት ግጥማት ኤረዲቪዘ ተሰሪዙ ወይ ኣብ ዘለዎ ተዓጽዩ ሻምፒዮን ንኣያክስ ክወሃባ ኣለዎ ኣብ ዝብል ከምዘይሰማማዕ ገሊጹ
Share





