ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ጋንታ ትሬክ ሴጋ ፍሬዶ ንወቕቲ 2023 ምስኣ ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጣ

Veneto Classic 2022 - 2nd Edition - Treviso - Bassano del Grappa 190 km - 16/10/2022 - Amanuel Gebreigzabhier (ERI - Trek - Segafredo) - photo Massimo Fulgenzi/SprintCyclingAgency©2022 Credit: Massimo Fulgenzi / SprintCycling/SprintCyclingAgency©2022
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/11/2022) * ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ቦስቶን 2022 ብኽልቲኡ ጾታታት ካልኣይ ወጺኦም፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ጋንትኡ ጋንታ ትሬክ ሴጋ ፍሬዶ ዝመጽእ ወቕቲ 2023 ምስኣ ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጣ፣ * ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ መጻረዪ ንምሕላፍ ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ መንእሰያት ት20 ኣፍኮን 2023 ት20 ዝተሳተፈት ኢትዮጵያ ብደቡብ ሱዳን ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ተሳዒራ ከይሓለፈት ተሪፋ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ መጸዋዕታ ፊፋ ንሓድነትን ሓቛፍነትን ቀቅድሚ'ቲ ዝመጽእ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ቐጠር ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ፣ * ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብደቂ ሃገር ኣሰልጠንቲ እናተኣልየት ክትሳተፍ’ያ
Share