ካሪም በንዘማ ብሉጽ ተባሂሉ ባሎን ደ'ኦር እንተተሰለመ'ኳ ኣፍሪቃውያን ተጻወቲ ግን ኩርዓት ዓለም ኮይኖም
Ballon D'Or 2022 Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/10/2022) * ኢትዮጵያዊት ታዱ ናረ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘመዝገበቶ ስፓር ግራንድ ፕሪ 10ኪሜ ጽዋዕ ደቀንስትዮ ሰንበት ብዓወት ተኸላኺላ፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መትከል ኢዮብ ኣብ ማሌዥያ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ላንቃዊ ተሳቲፉ ዘዕግብ ደረጃ ሒዙ ተሳትፎኡ ዛዚሙ፣ * ኣብ ደረጃ ዙር ዓለም ካብ ዝወዳደራ ጋንታታት ዝነውሐ ስም ዘለዋ ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ዝወዳደረላ ጋንታ ኢንተርማርሽ-ዎንቲ-ጎቤር ማተሪዮ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ሓደ ብተዘማዲ ሕጽር ዝበለ ስም ቀይራ፣ * ስነስርዓት ስልማት ብሉጻት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ‘ባሎን ደ’ኦር ፍራንስ ፉትቦል’ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ተኻይዱ፡ ፈረንሳዊ ካሪም በንዘማ ከም ብሉጽ ተጻዋታይ ብመላእ ዓለም ብሓጎስ እንተተጸንበለ’ኳ ኣፍሪቃ ተውህቦ ዘለዎም ተጻወታ ብሓጎስ ከተመስክር ክኢላ፣
Share