ካብ ርኹባትንንጉሳውያን ስድራቤት ተወሊዳ ናብ ምምናን ዓለም ክሳብ ደራሲት ህይወት ዝዘርእ ሙዚቃ፡ ሓጺር ታሪኽ እማሆይ ጽገማርያም ገብሩ

Emahoy Tsigemaryam

Credit: Beyene Weldegiorgis

ሰዋስው ብርሃኑ ደስታ "ናይ ክልተ ዓለም ሰብ" ብዝብል ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ ብዛዕባ ታሪኽ ፒያኖ ብምጽዋት ዝፍለጣ ዝነበራ ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ፈላሲት እማሆይ ጽጌ ማርያም ገብሩ ጽሟቑ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ። እማሆይ ጽጌ ማርያም ካብ ርኹባትን ሰብ መዚ ንጉሳዊያን ቤተ ሰብ ተወሊዳ፡ ንወጻኢ ከይዳ ክትመሃር ዝኸኣለት ናይ ፈለማ ኢትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ተባሂሉ ይፍለጥ። እንተኾነ ብንእስነታ ንዓለም መኒና ኣብ ገዳም ክትነብር እንተመረጸት'ኳ ዝደረሰቶ ሙዚቃ ኣብ ዓለም ተፈላጢት ክገብራ ክኢሉ ኣሎ። ብምኽንያት ዕረፍቲ እማሆይ ጽጌ ማርያም፡ ቅድሚ ሕጂ ብ ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ዝነበረት ላየን ጽጋብ ዝቐረበ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኣብዚ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ። እማሆይ ጽጌ ማርያም ኣብ 1923 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወለዳ ትማሊ 27 መጋቢት 2023 ከምዝዓረፋን ተፈሊጡ ኣሎ። ዝንገረለን እተን ፈላሲት፡ ብዕድመ ምስ ደፍኣ ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ዮሩሳሌም ይነብራ ከምዝነበረ ይፍለጥ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service