Credit: Beyene Weldegiorgisሰዋስው ብርሃኑ ደስታ "ናይ ክልተ ዓለም ሰብ" ብዝብል ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ ብዛዕባ ታሪኽ ፒያኖ ብምጽዋት ዝፍለጣ ዝነበራ ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ፈላሲት እማሆይ ጽጌ ማርያም ገብሩ ጽሟቑ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ። እማሆይ ጽጌ ማርያም ካብ ርኹባትን ሰብ መዚ ንጉሳዊያን ቤተ ሰብ ተወሊዳ፡ ንወጻኢ ከይዳ ክትመሃር ዝኸኣለት ናይ ፈለማ ኢትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ተባሂሉ ይፍለጥ። እንተኾነ ብንእስነታ ንዓለም መኒና ኣብ ገዳም ክትነብር እንተመረጸት'ኳ ዝደረሰቶ ሙዚቃ ኣብ ዓለም ተፈላጢት ክገብራ ክኢሉ ኣሎ። ብምኽንያት ዕረፍቲ እማሆይ ጽጌ ማርያም፡ ቅድሚ ሕጂ ብ ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ዝነበረት ላየን ጽጋብ ዝቐረበ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኣብዚ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ። እማሆይ ጽጌ ማርያም ኣብ 1923 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወለዳ ትማሊ 27 መጋቢት 2023 ከምዝዓረፋን ተፈሊጡ ኣሎ። ዝንገረለን እተን ፈላሲት፡ ብዕድመ ምስ ደፍኣ ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ዮሩሳሌም ይነብራ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
Published
Updated
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS / Emahoy Tsigemaryam Ghebru
Skip to podcast episode content
Share this with family and friends
ሰዋስው ብርሃኑ ደስታ "ናይ ክልተ ዓለም ሰብ" ብዝብል ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ ብዛዕባ ታሪኽ ፒያኖ ብምጽዋት ዝፍለጣ ዝነበራ ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ፈላሲት እማሆይ ጽጌ ማርያም ገብሩ ጽሟቑ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ። እማሆይ ጽጌ ማርያም ካብ ርኹባትን ሰብ መዚ ንጉሳዊያን ቤተ ሰብ ተወሊዳ፡ ንወጻኢ ከይዳ ክትመሃር ዝኸኣለት ናይ ፈለማ ኢትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ተባሂሉ ይፍለጥ። እንተኾነ ብንእስነታ ንዓለም መኒና ኣብ ገዳም ክትነብር እንተመረጸት'ኳ ዝደረሰቶ ሙዚቃ ኣብ ዓለም ተፈላጢት ክገብራ ክኢሉ ኣሎ። ብምኽንያት ዕረፍቲ እማሆይ ጽጌ ማርያም፡ ቅድሚ ሕጂ ብ ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ዝነበረት ላየን ጽጋብ ዝቐረበ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኣብዚ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ። እማሆይ ጽጌ ማርያም ኣብ 1923 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወለዳ ትማሊ 27 መጋቢት 2023 ከምዝዓረፋን ተፈሊጡ ኣሎ። ዝንገረለን እተን ፈላሲት፡ ብዕድመ ምስ ደፍኣ ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ዮሩሳሌም ይነብራ ከምዝነበረ ይፍለጥ።