ኣብ ጥሪ 26 ብርግጽ እንታይ'ዩ ተፈጢሩ?

People Observe Australia Day Holiday

MELBOURNE, AUSTRALIA - JANUARY 26: Proud Gunai and Gunditjmara woman Meriki Onus takes part in the Invasion Day Rally on January 26, 2025 in Melbourne, Australia. Australia Day, formerly known as Foundation Day, is the official national day of Australia and is celebrated annually on January 26 to commemorate the arrival of the First Fleet to Sydney in 1788. Many Indigenous Australians refer to the day as 'Invasion Day' and there is a small but growing movement to change the date amid broader debate on the day's significance. (Photo by Darrian Traynor/Getty Images) Credit: Darrian Traynor/Getty Images

26 ጥሪ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራሊያ እታ ኣዝያ ተከራኽር ዕለት እያ ። መብዛሕትኡ ግዜ ፡ እታ ዕለተ ልደት እዛ ሃገር ተባሂላ'ያ ትግለጽ ፣ እታ መዓልቲ ብወግዒ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝኣተወትላ ወይ ኮመን ወልዝ ዝተፈጠራላ ዕለት ኣይኰነትን ። ኣብ ክንድኡ ግን ብናይ መግዛእቲ፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ፡ ከምኡውን ብቀጻሊ ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ተቓውሞ ዝተቐርጸ ታሪኽ ተንጸባርቕ ። እቲ ብ26 ጥሪ ዝኾነ ነገር ምርዳእና ፡ እታ ዕለት ስለምንታይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበለት ምዃና እዩ ዘርኢ ።


እዚ ዓንቀጽ ፡ ብመሰረት እታ ብኣዳልዊ ጉዳያት ቀዳሞት ህብታት SBS ን ፡ ኣዳላዊ ዘ ፖይንት ፕሮግራም NITV ፡ ጆን-ፖል ጃንከ ዝቐረበ እዩ ። እዚ ጽሑፍ እዚ ፡ 26 ጥሪ መዓልቲ ኣውስትራልያ ብኸመይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዚርከቡ ሰባት ኣዝዩ እተፈላለየ ትርጕም ዝሓዘ ምዃኑን ዘርኢ እዩ ።
26 ጥሪ ፡ ካፕተን ኣርተር ፊሊፕ ብ1788 ኣብ ሲድኒ ኮቭ ባንዴራ ብሪጣንያ ዝተኸአለላ መዓልቲ እያ ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ፡ እተን ናይ መጀመርታ ጭፍራ ዓሰርተው ሓደ መራኽብ ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምውጻአን ልዕሊ ሸሞንተ ወርሒ ተጓዒዘን ኣብ ወደብ ጃክሰን መልህቐን ተኺለን ።
እዚ ህሞት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ምምምስራት እዚ ሃገር ጌርካ እዩ ዝግለጽ: እዚ ግና ብሪጣንያውያን ክኣተዉሉ ዝጀመርሉ እዋን ኣይኰነ እቲ ግዝኣት ብወግዒ ዝቘመሉ እዋን እውን ኣይነበረን ።
Sydney Cove, New South Wales, Australia, 1788, (1886).
Sydney Cove, New South Wales, Australia, 1788, (1886). Sydney Cove is a bay on the southern shore of Sydney Harbour. It was the site chosen in 1788 by Captain Arthur Phillip for the establishment of the first British colony in Australia, which later became the city of Sydney. The date of the colony's founding, 26 January, is today celebrated as Australia Day. Wood engraving from 'Picturesque Atlas of Australasia, Vol I', by Andrew Garran, illustrated under the supervision of Frederic B Schell, (Picturesque Atlas Publishing Co, 1886). (Photo by The Print Collector/Print Collector/Getty Images) Credit: Print Collector/Print Collector/Getty Images
ኣይፋልን ። እተን ናይ መጀመርታ መራኽብ ብ18 ጥሪ 1788 ኣብ ቦታኒ በይ ዝበጽሓ ። ፊሊፕ ብዛዕባ እቲ ቦታ ድሕሪ ምግምጋም ፡ ብሰንኪ ድኹም ሓመድን ውሑድ ጽሩይ ማይን ፡ ህዝቢ ኣብቲ ቦታ ክሰፍር ከምዘይክእል ወሰነ ።
ብርቱዕ ንፋሳት ነቲ ናይተን መራኽብ ጕዕዞ ስለ ዘደንጐዮ ፡ ብ25 ጥሪ ብካፕተን ዣን-ፍራንስ ደ ላ ጰርወዝ ዝምርሓ ክልተ መራኽብ ፈረንሳ ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ተራእያ ። ንጽብሒቱ ፡ ፊሊፕን ሓደ ንእሽቶ ጉጅለን ኣንጊሆም ናብ ሲድኒ ኮቭ ገዓዙ ፣ ብ26 ጥሪ ድማ ሓጺር ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ተገብረ ።
ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ብ7 ለካቲት 1788 ብወግዒ ተኣወጀ ፣ እዚ ዝኾነ ኣርተር ፊሊፕ ብወግዒ ኣመሃዳሪ ወይ ጋቨርነር ግዝኣት ኒው ሳውዝ ወልስ ምዃኑ ተኣወጀ ።
ወሰናት እቲ ግዝኣት ካብ መበል 135 ሜሪዲያን ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ስለ ዝበጽሕ ፡ ልዕሊ ፍርቂ እታ ኣህጉር ይሽፍን ። እዚ ዶባት እዚ ፡ ዋላ እኳ ቀዳሞት ህዝብታት ዝነብርዎ እንተ ነበረ ፡ እቲ ዶባት ብመሰረት ዉዕል ኤውሮጳውያን እተመስረተ እዩ ነይሩ ።
Arthur Phillip, British naval commander, c 1789.
UNITED KINGDOM - JUNE 10: Engraving by W Sherwin after a painting by F Wheatly, of Phillip (1738-1814) who, in 1787, commanded the First Fleet carrying convicts to Australia. The day of his landing at Botany Bay, 26 January 1788, was later celebrated as Australia Day. Phillip founded a penal colony at Sydney Cove, Port Jackson, and was made Governor (colonial administrator) of New South Wales. (Photo by SSPL/Getty Images) Credit: Science & Society Picture Librar/SSPL via Getty Images
እተን ናይ መጀመርታ መራኽብ ፡ ኣብታ ኣብ ሲድኒ ዝርከብ ደሴታት እንተ ወሓደ 29 ዝዀና ናይ ቀዳሞት ኣህዛብ ሃገር ዝነበራ እየን ። እቲ መሬት ባዶ ኣይነበረን፡ ነበርቲ ህዝቢ ነይሮሞ እዮም ።
ንቐዳሞት ህዝብታት ፡ 26 ጥሪ መጀመሪ ጭቆና፡ ዓመጻን፡ መሬቶም ምሕዳግን ተቓውሞን ዝጀመሩሉ እዋን እዩ ነይሩ ። እዚ ጽልዋታት እዚ ፡ ሎሚ እውን ይቕጽል ኣሎ ።
26 ጥሪ ኣብ 1818 ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ላክላን ማክኩሪ ንፈለማ እዋን ህዝባዊ በዓል ተገብረ ። ኣብቲ ግዜ እቲ ፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ ላንዲንግ ደይ ወይ ፋውንደሽን ደይ ተባሂላ ትፍለጥ ነበረት ።
ብ1888 መብዛሕትኦም ግዝኣታት ኣብ ጥሪ 26 መዓልቲ ከም ፎኡንደሽን ወይ መሰረት ሃግር መዓልቲ ወይ ዓመታዊ ዝኽሪ ክጽምብልዋሉ ከለዉ: ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ድማ እተፈላለየ ዕለት መስራቲ ዕለት የብዕል ነበረ ።
ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ፡ ማሕበር ተወላዶ ኣውስትራልያ ፡ 26 ጥሪ ኣብ ሃገራዊ በዓል ክኸውን ሓያል ጽውዒት ኣቕረበ ። እቲ ማሕበር ንፈደረሽን ዘተባብዕ እኳ እንተ ነበረ ፡ ነቶም ኣብ ኣውስትራልያ ተወሊዶም ዝዓበዩ ጸዓዱን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሓጽረ እዩ ነይሩ።
ኣይፋልን ። ኮመንወልዝ ኣውስትራሊያ ኣብ ዕለት ሓድሽ ዓመት 1901 እዩ ጀሚሩ ። እቲ ናይ መጀመርታ ፈደራል ባይቶ ጸኒሑ ብ9 ግንቦት 1901 ተፈጸመ ።
26 ጥሪ ን ክልቲኡ ኣጋጣሚ ኣይትውክልን ። ኣብ ክንዳኡስ ፡ ነቲ ኣብ ሲድኒ ኮቭ ብ1788 መርከብ ዝኣተወትሉ እዋን እዩ ዝዝክር ።
ቲ መዓልቲ ኣውስትራሊያ ዝብል ሓሳብ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከም ሓደ ኣካል ናይቲ ነቲ ውግእ ዝግበር ምትእኽኻብ ሃገዝ ዝግበር ጻዕሪ ጌርካ እዩ ተበጊሱ ። ንሓያሎ ዓመታት ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ፡ ኣብ ጥሪ ዘይኰነስ ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ እዩ ተፈጺሙ ።
ብ1918 ገሊአን ትካላት 26 ጥሪ መዓልቲ ኣውስትራልያ ብምባል ክጽውዓ ጀመራ ። ብ1930 ማሕበር ደቀባት ኣውስትራልያ ነቲ ስም ብወግዒ ተቐበሎ: ብ1935 ድማ መብዛሕትአን ግዝኣታት ሰዓባ: እንተዀነ ግን ኒው ሳውዝ ዌልስ ንተወሰኽቲ ዓመታት መዓልቲ ዝኽሪ ወይ Anniversary Day ኢላ ምጽዋዓ ቀጸለት ።
ኣብ መበል 150 ዓመት ዝኽሪ ምእታው መርከብ ብ1938 መራሕቲ ቀዳሞት ህዝብታት ንመዓልቲ ሓዘን ወደቡ ። እዚ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ኣቦርጂናውያን ሲቪላዊ መሰላት ተቓውሞታት እዩ ነይሩ ፣ እቲ ተቓዉሞ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ ዘይፍትሓውነት፡ ምግላልን ምሕዳግ መሬትን ደው ክብል ዝጽውዕ'ዩ ኔሩ።
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: 26 ጥሪ ንብዙሕ ማሕበረሰብ ቀዳሞት ህዝብታት ናይ ተቓውሞን ዝኽርን ህልውናን ሓያል መዓልቲ ተቓዎም ኰይና እያ ጸኒሓ ።
ህዝባዊ በዓላት ኣብ መንጎ ግዝኣታት ንዓሰርተታት ዓመታት ፍልልይ ነይርዎ እዩ ። ገሊኦም ኣብ ጥሪ 26 ዝኽሪ ወይ በዓል ይገብሩ ፡ ገሊኦም ከኣ ኣብታ ዝቐረበት ሰኑይ ነቲ በዓል የብዓሉ ።
ድሕሪ ክልተ ዓመታዊ ብ1988 ፡ ኵለን መንግስትታት ግዝኣት በብቝሩብ ህዝባዊ በዓላተን ገበራኦ ። ብ1994 ድማ 26 ጥሪ ህዝባዊ በዓል ኰነ ።
Australia Day Live 2024
SYDNEY, AUSTRALIA - JANUARY 26: A general view is seen during Australia Day Live 2024 at the Sydney Opera House on January 26, 2024 in Sydney, Australia. (Photo by Don Arnold/WireImage) Credit: Don Arnold/WireImage
26 ጥሪ ብዙሕ ትርጉም ኣለዋ ። ንገሊኦም ሰባት ፡ ንሃገራዊ መንነትን ንበዓልን የመልክት ። ንብዙሓት ቀዳሞት ህዝብታት ግና ምልክት ወራር ፡ ክሳራ ፡ ተቓዉሞን ዘመልክት እዩ ።
ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ዝርርባት ብዛዕባዚ ቀጺሉ ፡ ምሉእ ታሪኽ እታ ዕለት ምርዳእ ሓቂ ንምንጋር፡ ፍልጠት ዝለዉ ንኹሉ ዘካትት መጻኢ ንኽህሉ ወሳኒ እዩ።



This Australia Explained story was produced in collaboration with NITV. Audio from John-Paul Janke is extracted from an NITV video explainer.

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service