SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ኣውስትራሊያ ፖሊስ ደው እንተቢሉኒ መሰለይ እንታይ እዩ?

Australia Explained - Police Powers
It's common to see police officers patrolling public spaces. Credit: imamember/Getty Images

ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝተዋፈሩ እዋን ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ስልጣናት ኣለውዎም ፤ ከም ሕቶታት ምሕታት ፤ ' ኣንፈት ጉዕዞ ምቕያር ከምኡ 'ውን መርመራታት ምግባር የጠቓልል ። ብዛዕባ ምስ ፖሊስ ኣብትገብሮ ምግዋር ዘለካ መሰረታዊ መሰላትን ግዴታታትን ክትፈልጥዎ ዘሎኩም ነገራት ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።


Published

Updated

By Zoe Thomaidou

Presented by Melissa Compagnoni

Source: SBS



Skip to podcast episode content

ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝተዋፈሩ እዋን ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ስልጣናት ኣለውዎም ፤ ከም ሕቶታት ምሕታት ፤ ' ኣንፈት ጉዕዞ ምቕያር ከምኡ 'ውን መርመራታት ምግባር የጠቓልል ። ብዛዕባ ምስ ፖሊስ ኣብትገብሮ ምግዋር ዘለካ መሰረታዊ መሰላትን ግዴታታትን ክትፈልጥዎ ዘሎኩም ነገራት ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።


ኣብ ኣውስትራሊያ ፖሊስ ጠጠው እንተቢልካ መሰረታዊ መሰላትካ ትፈልጥ ዶ?

ብመሰረት ሳማንታ ሊ ፡ ተሓጋጋዚት ጠበቓ ኣብ Redfern Legal Centre ፡ ብዙሓት ሰባት ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተወልዱ ይኹኑ ሓደስቲ ሰባት ፡ ስልጣን ሓይልታት ፖሊስ ደረት ከምዘለዎ ኣይፈልጡን እዮም ።

መዓስ'ዩ ፖሊስ ኣብ ልዕለይ ሓይሊ ክጥቀም ዝኽእል?

ኣብ ዙርያ ሓይልታት ፖሊስ ሓደ ልሙድ ግጉይ ርድኢት ብዛዕባ ምጥቃም ሓይሊ እዩ ።

"ሰባት ኣባላት ፖሊስ ስለ ዝዀኑ ጥራይ ፡ ሓይሊ ክጥቀሙ መሰል ከም ዘይብሎም ክፈልጡ ኣለዎም ።"

ኣብ ገለ ኩነታት ሓይሊ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም ፡ እንተኾነ ግን እቲ ኩነታት ኣድላዪ እንተኾይኑ ጥራይ'ዮም ሓይሊ ክጥቀሙ ዝኽእሉ ።
Samantha Lee

እቲ 'ርትዓዊ "ሓይሊ ምጥቃም ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ምጥቃም እምበር: ካብ ኣድላዪ ንላዕሊ ግን ኣይኰነን ።

ፖሊስ መዓስ ሓይሊ ክጥቀም ከምዝኽእል ፡ ኣብ መላእ ሃገር ተመሳሳሊ ሕጊታት ኣሎ ።

ይኹን "ምበር ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ኣውስትራሊያ ናይ ፖሊስ ስልጣን ዝተፈላለዩ ናይ ሕጊ ደንቢታት ኣለዎም።

"ስለዚ ፡ እቲ ናትኻ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ ዘለዎ ሕግታት ከተረጋግጽ ኣለካ ።"

Australia Explained - Police Powers
Police can stop drivers of a car or boat, people on the street, at a public transport station or in other public areas. Credit: ozgurcankaya/Getty Images

ፖሊስ ናባይ ኣብዝመጻሉ፡ እንታይ መሰላትን ግዴታታትን'ዩ ዘለኒ?

ኣብ ሓደሓደ ኣጋጣሚታት ናይ መንነትካ ዝርዝር ንምሃብ ሕጊ የገደድ እዩ ፤ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ መንነት ወረቐት ናይ ምሓዝ ሓፈሻዊ ግዴታ የለን ።

ይኹን እምበር: ማኪና ክትዝውር ከለኻ ግቡእ ፍቓድ መምርሒ ማኪና ክትሕዝ ኣሎካ ።

ፖሊስ ስምካን ኣድራሻኻን እንተሓቲቶም ፡ ንምንታይ ዕላማ ደው ከም ዘበልካን መንነትካ ከም ዝሓተካን ክነግሩኻ ኣለዎም ።

ኣብ ዝኾነ ናይ ፖሊስ ምግዋር፡ ነቲ ፖሊስ ፡ ነቲ ዝሕዝዎ ካሜራ ክውልዕዎ ምሕታት ዝሓሸ ምዃኑ፡ ሚስ ሊ ትገልጽ ።

"እቲ ካሜራ ምስ ተወልዐ ከኣ ፡ ስለምንታይ ደው ከም ዘበሉኻ ሕተቶም ።"

ፍሉይ ዝበለ ኩነታት ክህሉ ይኽእል እዩ ፡ ብሓፈሽኡ ግን ካብ መለለዪ መንነት ንላዕሊ ንዝኾኑ ሕቶታት ክትምልስ ሕጋዊ ግዴታ የብልካን ብምባል ኣብ ብሪዝቤን ናይ Caxton Legal Centre ትሰርሕ ኪሌር ኮለስ ፡ ትገልጽ ።

"ሰባት ብዝተኻኣለ መጠን ኩሉ ግዜ ተሓባበርቲ ክኾኑ ኣለዎም። ብትሕትና ነቲ ዝሕተት ከማልኡ ይኽእሉ ፤ ይኹን እምበር ካብቲ ፖሊስ ኣብ ስርሖም ክገብርዎ ዘለዎም ንላዕሊ ሓበሬታ ክህቡ የብሎምን ።

ሚስ ኮለስ ብተወሳኺ ፡ "ኣብ ሓደ ገበናዊ ተግባር ክሸሞም ዝኽእል ከይዛረቡ ስቕ ናይ ምባል መሰል ኣለዎም ።" ትብል።

Australia Explained - Police Powers
Police can legally search your car with a warrant, if you give consent, or if they have reasonable suspicion about an offence. Credit: imamember/Getty Images

"ካብዚ ሕለፍ/ተኣለ" ዝብል ትእዛዝ እንታይ ማለት'ዩ?

ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ንግዚኡ ዝኸውን ሕጋዊ መምርሒ ከውጽእ ይኽእል ፡ ህዝባዊ ቦታ ገዲፍኩም ንዝተወሰነ ግዜ ክትጸንሑ ፡ እዚ ድማ ልሙድ ክሳብ 24 ሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ዘሎ ሕጊ ፡ ፖሊስ ናይ ምግዓዝ ስልጣን ከርእዩ ዝፈቕደሎም ምኽንያታት ብዝርዝር ይገልጽ እዩ ።

ንኣብነት ፡ ሓደ ሰብ ጉዕዞ መኻይን እንተዓንቂፍካ፡ ንኻልእ ሰብ ትሃርም እንተሊኻን ወይ ንሓደጋ ድሕነት ተቓላዕነት ትፈጥር ኣለኻ ዝብል ርትዓዊ እምነት ኣብ ዘለዎምሉ ኣጋጣሚታት ይጥቀሱ ።

ንምንታይ ናይ "ተኣለ" ስርዓት ከምዘውጽኡ ምሕታት መሰልካ እዩ ።

"ካብ ሓደ ቦታ ኽትወጹ ወይ ካብ ሓደ ከባቢ ኽትግዕዙ እንተ ተሓቲትኩም ፡ ስለምንታይ ፡ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኽትከዱ ከምዘለኩም ፡ እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩም ነቶም ፖሊስ ዝሓቱኹም ዘለዉ ክትፈልጡ ኣገዳሲ እዩ" ።

መዓስ'ዩ ፖሊስ መንነት ወረቐተይ ክሓትት ዝኽእል?

ፖሊስ ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ ሕጊ ብዝተወሰነ ኩነታት መንነትካ ንምሕታት ብቑዕ ምኽንያት የድልዮም ።

ኣብ መልበርን Inner Melbourne Community Legal ዳይረክተር ማርሊን ዲክሰን እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ብከምዚ ዝስዕብ ትዝርዝር: -

  • ፖሊስ ፡ ሓደ ሰብ ገበን ከም ዝፈጸመ እንተኣሚኑ ወይ ገበን ክፍጽም ተቀሪቡ እንተልዩ።
  • ሓደ ሰብ ማኪና፡ ጃልባ ወይ ካልእ መኪና ተሽከርካሪ እንከሎ ፣
  • ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ እንተሃልዮም
  • ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዘለዎ ቦታ
  • ፖሊስ ፡ ንከቢድ ገበን ዘጻሪ ሓበሬታ ከም ዘለዎም እንተ ኣሚኖም ፡
Australia Explained - Police Powers
If police ask you for ID, stay calm and politely inquire the reason. Credit: Joel Carillet/Getty Images

ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ፖሊስ ድምጺ ጻውዒት ሳይረን ከስምዑ እንተጀሚሮም ወይ ብሃንደበት ናይ እስትንፋስ ምርመራ ኣብ መንገዲ ይገብሩ እንተሃልዮም እሞ መራሕቲ ማካይን ደው ክብሉ ሕጋዊ ግዴታ ኣለዎም ።

"ፖሊስ ንሰባት ደው ብምባል ናይ እስትንፋስ ምርመራ ክገብሩ ምሕታት ሰፊሕ ስልጣን ኣለዎ ።

ናይ እስትንፋስ መርመራ ክትገብር ክትእዘዝ ኣለካ ። ከምኡ ምስዘይትገብር፡ ብገበን ክትሕተት ትኽእል ኢኻ ።
Marlene Dixon

ንፖሊስ ብቪድዮ ክስእሎ እኽእል ዶ?

ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ናይ ፖሊስ ምብህሃል ብቪድዮ ምቕዳሕ ይፍቀድ እዩ ፡ እቲ ፊልም ዝቐድሕ ሰብ ግን ኣብ ጉዳይ ፖሊስ ጣልቃ ክኣቱ ኣይክእልን።

ሚስ ዲክሰን ፡ "ሰባት ንፖሊስ ፊልም ኺቐድሕዎ ይኽእሉ እዮም ፣ ኰይኑ ግና ፡ ኣብ ዕዮኦም ንፖሊስ ዕንቅፋት ከም ዘይኰነ ፡ ርሕቕ ኢሎም ብኣኽብሮት ክገብርዎ ኣለዎም ።

ፖሊስ ነቲ ናይ ሰብ መቕድሒ መሳርሒ ብቪድዮ ስለ ዝቐድሑ ጥራይ ክወርስዎ ወይ ካብቲ ሰብ ከሕድጉ ብሕጊ ኣይክእልን እዩ ።

"ነዚ ክገብሩ እንተ ኰይኖም ፡ ወግዓዊ መስርሕ ብምግባር ነታ መሳርሒት ክደልይዋ ኣለዎም ።"

Australia Explained - Police Powers
You must pull over when directed by police for roadside drug testing and provide a saliva sample. Credit: Ashley Cooper/Getty Images

ብዛዕባ ምስ ፖሊስ ምርኻብ ዘሰክፈኒ እንተኾነ ኸ?

ፖሊስ ሕጋጋትን ኣገባባትን ክኽተል ግዴታ ኣለዎ ።

"ፖሊስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ይሰርሑ ከምዘለዉ ንተተረዲእካ፡ ወይ ዓሌታዊ ተግባር ከም ዝተፈጸመ ጌርካ ትሓስብ እንተ ዄንኻ ፡ ቀልጢፍካ ኽተመልክት ኣሎካ ፡ ወይ ከኣ ናብ ቤትካ ምስ ተመለስካ ፡ ከተመልክት ኣሎካ" ትብል ሚስ ሊ ካብ ሬድፈርን ሕጋዊ ማእከል ።

ብተወሳኺ ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር ይግባእ:

  • ነቲ ፍጻመ ብቪድዮ እንተ ቐሪጽካዮ ፡ ነቲ ቪድዮ ዓቅቦ
  • ዝኾነ መጉዳእቲ እንተጋጢሙካ ናይ ሓኪም ጸብጻብን ስእልን ሓዝ
  • ሕጋዊ ምኽሪ ድለ ።

* እዚ ሓበሬታ ሓፈሻዊ ኮይኑ ንኹሉ ተኽእሎታት ዛዕባታትን ናይ ዝተፈላለዩ ምምሕዳር ግዝኣታት ኣይሽፍን ። ንኩነታትካ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ሕጋዊ ምኽሪ ክትሓትት ኣለካ ።

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now