Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ኣብ ኣውስትራሊያ ስእሊ ንምስኣል እንታይ ሕግታት'ዮም ዘለዉ?

Woman taking photograph.jpg
For many people, photography is a favourite pastime. Credit: Pia Jessen

ፎቶግራፍ ክትወስድ ወይ ስእሊ ክትስእል ሓድሽ ኩን ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝኸውን ትስእሉ ወይ ክኢላ ሰኣልቲ እንተኾይንኩም፡ ኣበይ ክትስእል ከም እትኽእልን ስእሊ ክትወስድ ከም ትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ። ፎቶግራፍ ቅድሚ ምውሳድካ ፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግብኦም ነገራት ኣብዚ ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣሎ ።


Published

By Phil Tucak

Presented by Melissa Compagnoni

Source: SBS




Share this with family and friends


ፎቶግራፍ ክትወስድ ወይ ስእሊ ክትስእል ሓድሽ ኩን ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝኸውን ትስእሉ ወይ ክኢላ ሰኣልቲ እንተኾይንኩም፡ ኣበይ ክትስእል ከም እትኽእልን ስእሊ ክትወስድ ከም ትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ። ፎቶግራፍ ቅድሚ ምውሳድካ ፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግብኦም ነገራት ኣብዚ ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣሎ ።


ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክስእል ወይ ፎቶግራፍ ክወስድ እኽእል ዶ?

ኣብ ጐደና ፡ ኣብ መናፈሻ ወይ ኣብ ገምገም ባሕሪ ስእሊ ትስእል ብዘየገድስ ፡ ፕረዚደንት ማሕበረሰብ ፎቶግራፍ ኣውስትራልያ ፒያ ጀሰን ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ መዓስ ንሓደ ሰብ ምስኣል ግቡእ ምዃኑ ክትርዳእ ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልጽ ።

"ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ፡ ብዘይ ፍቓድ እቲ ሰብ ፡ ስእልታትን ቪድዮን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣውስትራልያ ክውሰድ ይከኣል እዩ ። ስለዚ ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ፡ ህዝቢ ንኸይሰኣል ክኣቢ መሰል የብሉን " ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምስኣል ሰባት ይፍቐድ እዩ ። ይኹን እምበር ፡ ነዚ ስእልታት እዚ ንንግዳዊ ዕላማ ምጥቃም ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፍቓድ ክትሓትት ይግባእ፡ ከምኡ እውን ኣብ ብሕታዊ ቦታታት ወይ ከኣ ንሰባት ዘናሹ ምስኣል ፡ ዘይሕጋዊ ክኸውን ይኽእል እዩ ።

People on Melbourne street.jpg
You can take photos of people in public spaces, but you can't use the images for commercial purposes without their consent. Credit: Pia Jessen

ብዛዕባ እዚውን ካልእ ክንፈልጦ ዘሎና ነገራት ኣሎ ትብል ሳሮን ጊቮኒ እትበሃል ናይ ንግድን ናይ ስነ-ጥበብን ጠበቓ ።

"ንሓደ ሰብ ብዘኽፍእ ወይ ዝጐድእ መገዲ እንተሲኢልካዮ ፡ ኣብ ልዕሌኻ ስጕምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ" ።

"ካብ ኣፍ ደገ ቤትና ምስ ወጻእና ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ሕግታት ኣሎ ። ንኣብነት ናይ ጂምናዝዩም ኣካላት ሕግታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ ፡ ኣብ ናይ ከባቢ መሐንበሲ ሕጊ ክህልዎ ይኽእል ። ስለዚ ፡ እቲ ዝበለጸ እቲ መምርሒ ምርኣይ ዝበለጸዩ ዝብል ግምት ኣለኒ "ኢላ ።

ኣብ ቦታታት ሕርሻ ኣትየ ክስእል እኽእል ዶ፧

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብከም ናይ ሕርሻ መሬት ዝኣመሰለ ምስልታት ኣታኽልቲ ተሓጊዙ ጽቡቕ ቅርጺ መሬት ይዝርጋሕ እዩ ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተፈላለዩ ሕብሪታት ዝተወቀጠ ስእልታት ቅርጻ መሬት ተምሳጥ ዝፈጥር ይኸውን ። ነዚ ምስረኣና፡ 'ዋው' ኢልና ድማ እቲ ዝበለጸ ትሕዝቶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክንዝግሖ ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ። ይኹን እምበር ፡ እዚ ቦታ እዚ ናይ ሓደ ሓረስታይ ስራሕ ቦታ እዩ ፡ ወይ ከኣ ዓመታዊ ኣታዊኡ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
Sharon Givoni

ስለዚ ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፡ እቲ ዝበለጸ ስእሊ ከም ዝዀነ ዘርኢ እኳ እንተ ኰነ ፡ ሳዕቤን ግና ክህልዎ ይኽእል እዩ ። ብዘይፍቓድ ናብ ናይ ግሊ ሕርሻ ምእታው ከቢድ ክኸውን ይኽእል ፤ ከምኡ 'ውን ኣብ ልዕሊ ኣእካል ዝወርድ ምርግጋጽ'ውን ንወነንቲ መሬት ገንዘባዊ ክሳራ ከስዕብ ይኽእል ።

A canola field.jpg
Always seek permission before entering a paddock or field. Credit: Agustin Gunawan / Unsplash

ጃስቲን ሆብሰን ኣብ ዞባ ቪክቶርያ ጥቓ ባላራት ኣብ ዝርከብ ኣዝዩ መሳጢ ከባቢ ሕርሻ ኣለዎ ።

"ኣብ ዘለናዮ ፡ ጽቡቕ ገደና ኣለና ። ብዙሓት ሰባት ግና ፡ እቲ ዘራእቲ ካኖላ ክወጽእ ከሎ ፡ ኣብ ውሽጢ ኣትዮም ስእሊ ክወስዱ ይደልዩ፡ እዚ ናይ ህይወታዊ ድሕነት ወይ ባዮ ሰኲሪቲ ጸገም ከምጽእ ስለ ዝኽእል ሓደገኛ እዩ "ይብል ።

እዚ ህይወታዊ ድሕነት ወይ ባዮ ሰኲሪቲ ሓደጋ ፡ ነቶም ብዘይፍላጥ ሓመድ ወይ ዘርኢ ናብቲ መሬት ከምጽኡ ዝኽእሉ ሰባት እዩ ነቲ ሕርሻ ዘቃልዖ ፣ በዚ ከኣ ሕማም ከመሓላልፍ ወይ ጻህያይ ኼተኣታቱ ይኽእል እዩ ።

"ሓደ ሰብ ፎቶግራፍ ንኽወስድ ናብ ሕርሻኻ ዝኸይድ እንተኾይኑ ፡ እሞ እቲ ሰብ እንተ ተጐዲኡ መን እዩ ተሓታቲ ክኸውን ? ጐሓፍ ምግዳፍን ኣፍ ደገታት ዘይምዕጻውን ጥራይ እዩ ። እዚ 500 ሄክታር ዝኸውን ሕርሻ እዩ ። "

ስለዚ እቲ ዝበለጸ ምኽሪ ካብ ናይ ሕርሻ ሓጹር ወጻኢ ምስኣል እዩ። ብተወሳኺ ቅድሚ ናብቲ ቦታ ሕርሻ ምእታው ፍቓድ ምሕታት ። መብዛሕትኦም ወነንቲ መሬት ፡ ኣኽብሮት ዘለዎም በጻሕቲ የአንግዱ እዮም ።

ፎቶግራፍ ምውሳድ ክልኩል ዝኾነ ቦታታት ኣሎ ዶ፧

ኣብ ከም ቅዱስ ቦታታት ደቀባትን ክልኩላት ቦታታት ብምኽንያት ባህላዊ ምኽንያታት ስእሊ ምስኣል ዘይፍቀደሎም ቦታታት ኣለዉ ፣።

ሚስ ጊቮኒ ፡ "እዚ ቦታታት እዚ ፡ ባህላውያን ወነንቲ ዝመሓደርዎ ኰይኑ ፡ ግድን ንህዝቢ ብናጻ ዝረአ ኣይኰነን ፣ ንኽትስእል ዝፍቀደልካ እንተ ኰይኑ ድማ ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ እዩ ዝምርኰስ"

"ገሊኣቶም ፍቓድ የድልዮም እዩ: ገሊኣቶም ከኣ ምሉእ ብምሉእ ቀይዲ ይግበረሎም እዩ: እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ገለ ቦታታት ባህላዊ ወይ መንፈሳዊ ኣገዳስነት ክህልዎ ስለ ዝኽእል እዩ: ኣብዚ እውን ሕጋጋት ኣሎ ። እቲ ዝበለጸ ምኽሪ ከኣ ፈለማ መን ነቲ ቦታ ከም ዘመሓድሮ ምፍላጥ: ከምኡውን ፍቓድ ክሕተት ዝከኣል እንተ ኰይኑ ምሕታት እዩ ።"

ሃይማኖታዊ ቦታታትን መዘከርታታትን ናይ ስእሊ ቀይድታት እውን ክህልዎ ይኽእል እዩ ። ከምኡ 'ውን ናይ ግሊ ናይ ዕደና መሳለጥያታት ወይ ናይ መንግስቲ ናይ ምክልኻል መሳለጥያታት ንምስኣል ፍቓድ የድሊ ፤ እዚ' ውን ናይ ድሕነትን ጸጥታን ኣብ ግምት ዝኣቱ ስለ ዝኾነ እዩ ።

ምክልኻል ብ ኣዝዩ እተፈልየ ምድብ እዩ ዝመጽእ ። ምእታው ክልኩል እዮ ። ስእላዊ መግለጺታት ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ካብ ሓጹር ወጻኢ እውን ከይተረፈ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ጕዳያት ከለዓዕል ይኽእል እዩ ።
Sharon Givoni

ከም ማእከላት ዕዳጋ ከምኡውን ከም ኣብ ስፍራ ኣትክልቲ ዝኣመሰሉ ቦታታት ንህዝቢ ክፉት ምስ ዝኸውን ፣ ሞያዊ ስእሊ ንምስኣል ፍቓድ የድሊ ዩ ።

ብናይ መዘናግዒ ድሮን ተጠቒመ ክስእል እኽእል ዶ፧

ብድሮን ምስኣል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ህቡብነቱ እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ፎቶግራፍ ምዕባለ እዩ ። ንንግዳዊ መዓላ ዝኸውን ፎቶግራፍ ብድሮን ክትጥቀም እንተደሊኻ ከተመዝግቦ ኣለካ። ካብ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ክፍሊ ድሕነት (the Civil Aviation Safety Authority.) ፍቓድ ክትረክብን ኣለካ ።

ይኹን እምበር ፡ ተጠቃሚ ናይ መዘናግዒ ድሮን እንተ ደኣ ዄንኻ ፡ ዋላ እኳ ንድሕንነቶም ዝምልከት ስርዓታት እንተ ሃለወ ፡ንመዘናግዒ ተባሒሉ ከተብርር ይከኣል እዩ ።

"እቲ ዝበለጸን ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲን ነገር ፡ ኬድካ ፡ ንዅሉ እቲ መምርሒታት ኣጸቢቕካ ምፍላጥ እዩ ። ነታ ድሮንካ ክትጥቀመላ ከለኻ ፡ ድሕነት ሰባትን እንስሳታትን ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ " ።

ገለ ኣብነታት ናይ "ቲ ኣብ ከባቢ ምጥቃም ድሮን ዝዝውተር ሕጊ ፡ ካብ ጽፍሒ መሬት ካብ 120 ሜትሮ ንላዕሊ ዘይምብራር ፡ እንተወሓደ 30 ሜትሮ ካብ ካልኦት ሰባት ከም ዝረሓቑ ምግባር ፡ ከምኡ" ውን ነታ ድሮን ንኻልኦት ሰባት ፡ ንብረት ወይ ነፋሪት ሓደጋ ብዘስዕብ መንገዲ ዘይምብርራራራ የጠቓልል ።

ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ባርዕ ዱር ድሮን ምብራር ኣይፍቀድን። ከምኡ "ውን ኣብ ከም ዓሳ ነባሪ ዝኣመሰሉ እንስሳ ዘገዳም ዘለዉዎ ምብራር ቀይድታት ኣሎ ።

Photographer in field.jpg
Keep in mind respect for people and nature when taking photos. Credit: Maureen Gilbert

ጽቡቕ ስነ ምግባር ስእሊ ምስኣል እንታይ እዩ፧

ብመሰረት እቲ ክትስእሎ እትደልዮ ዘለኻ ፡ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ዝዀነ ይኹን ስርዓታት ምስዓብ ኣገዳሲ ምዃኑ ሚስ ጀሰን ገሊጻ ኣላ ።

"ምልክት እንተ ኣልዩ ፡ ብርግጽ ስዓቦ ። እንተ ዘይኰይኑ ከኣ ፡ ንሰባት ኰነ ንተፈጥሮ ኣኽብሮት ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ ። "

ከምኡ "ውን ኣብ እትኸደሉ ቦታ ብዛዕባ ድሕንነት ገዛእ ርእስኻ ምሕሳብ ፣ ንከባቢኻ ካብ ምጉዳእ ተቖጠብ ከምኡ" ውን ንብረት ካልኦት ሰባት ብኣኽብሮት ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ ።

ስለዚ ፡ ሓደ ቦታ ርኡይን ብቐሊሉ ዝርከብን ስለ ዝኾነ ፡ ኣብኡ ክትህሉ ፍቓድ ኣለካ ማለት ኣይኮነን ፡ ወይ ከኣ ደሓን እዩ ማለት ኣይኮነን ፡ ትብል ሚስ ጊቮኒ ።

"እቲ ወርቃዊ ሕጊ ፡ ፈለማ ቅድሚ ስእሊ ምስኣል ፍቓድ ምሕታት ድሕሪኡ ምስኣል ።"

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now