SBS Source: SBSሃገራት ትሕተ ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት እዚ እንታይ ዓይነት ብድሆታት ከጋጥመን ይኽእል ? መርበብ ሓበሬታ The Global Observatory.org ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ብድሆታት ብምንጽጻር ዘርጊሑ ይርከብ ። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገራት ትሕተ ሳህራ ኣፍሪቃ፡ ኣወንታዊ ሸነኹ ምስ እንዕዘብ ኣብ ናይጀርያ ፡ ታንዛንያ ፡ ጊኒን ኣይቮሪኮስትን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫታት ዋላኳ ፖለቲካዊ ጎነጽ ኣንጸላሊዎ እንተነበረ ብተዘማዲ ሰላማዊ ከምዝነበረ ይግለጽ። ንቡርኪናፋሶ ንነዊሕ እዋን ዝመርሐ ፕረሲደንት Blaise Compaor'e ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ምስምተኣልየ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርያ ምዃኑ ዝተገልጸ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ተመስረተ ። ኣብ ፈለማ ሓለውቲ ናይቲ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ዝነበሩ ወትሃደራት ፈተነትት ዕልዋ መንግስቲ እኳ እንተካየዱ ኣብ ሓጺር ጊዜ ክፈሽል እዩ ተራእዩ ። ቡርኪናፋሶ ንዓመተ 2016 ኣብ መሰጋገሪ እዋን ከላ እያ ኣትያቶ ። ሃገራት ትሕተ- ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት እዚ ከጋጥመን ዝክእል ፖለቲካዊ ፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ብድሆታት ኣብ ሕሉፍ ታርኽ እተን ሃገራት ዝሙርከስን እዩ ።
ሃገራት ትሕተ ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት እዚ እንታይ ዓይነት ብድሆታት ከጋጥመን ይኽእል ? መርበብ ሓበሬታ The Global Observatory.org ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ብድሆታት ብምንጽጻር ዘርጊሑ ይርከብ ። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገራት ትሕተ ሳህራ ኣፍሪቃ፡ ኣወንታዊ ሸነኹ ምስ እንዕዘብ ኣብ ናይጀርያ ፡ ታንዛንያ ፡ ጊኒን ኣይቮሪኮስትን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫታት ዋላኳ ፖለቲካዊ ጎነጽ ኣንጸላሊዎ እንተነበረ ብተዘማዲ ሰላማዊ ከምዝነበረ ይግለጽ። ንቡርኪናፋሶ ንነዊሕ እዋን ዝመርሐ ፕረሲደንት Blaise Compaor'e ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ምስምተኣልየ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርያ ምዃኑ ዝተገልጸ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ተመስረተ ። ኣብ ፈለማ ሓለውቲ ናይቲ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ዝነበሩ ወትሃደራት ፈተነትት ዕልዋ መንግስቲ እኳ እንተካየዱ ኣብ ሓጺር ጊዜ ክፈሽል እዩ ተራእዩ ። ቡርኪናፋሶ ንዓመተ 2016 ኣብ መሰጋገሪ እዋን ከላ እያ ኣትያቶ ። ሃገራት ትሕተ- ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት እዚ ከጋጥመን ዝክእል ፖለቲካዊ ፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ብድሆታት ኣብ ሕሉፍ ታርኽ እተን ሃገራት ዝሙርከስን እዩ ።