ጃስቲስ ኦፍ ፒዪስ (ጂፕስ) እንታይ እዩ?

Female legal advisor lawyer helping her client

JPs are authorised to act as a witness when you sign legal documents Source: Getty / ilkercelik

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ትነብርሉ ኣብ ገለ እዋን ንናይ ሰላም ፍትሒ ወይ ናይ Justice of the Peace (JPs)ሓገዝ የድልየካ ይኸውን ። ምናልባት ካብ መድሕን/ኢንሹራንስ ካሕሳ ኣብ ትሓተሉ ፡ ክትምርዖ ወይ ክትፋታሕ ፡ ወይ ከኣ ሕጋዊ ሰነዳትካ ብቛንቛኻ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኣብ ትደልየሉ ካብዚ ኣገልግሎት ትሓትት ኢኻ። ኣብ JPs ዝዋስኡ፡ ዝሰልጠኑ ወለንተኛታት ኮይኖም ነቲ ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊኣ ኣገዳሲ ናይ ወረቐት ጉዳያት ን ሰባት ዝሕግዙ እዮም ። ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣብ ዝርከብ ማሕበረ ሰብ ከኣ ዓብዪ ግደ ኣለዎም ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ጂ.ፒ. ኣብ ኣውስትራሊያ ዝገብሮን ፡ ኣገልግሎቶም ኣብ ዘድልየኻ እዋን ከመይ ጌርካ ከም እትረኽቦን ከነብርሆ ኢና ።


ፍትሒ ሰላም Justice of the Peace ወይ JP - ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ግዜ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ ። ኣብ ሕጋዊ ሰነዳትኩም ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ ።

ብቨርሊ ኣለይ ፕረዚደንት the Justices of the Peace Association, ACT(A-C-T) እያ ። ንሳ ከምዚ ትብል ።

“Justice of the Peace  ዉልቀ ሰብ ኮይኑ ፡ ዝተፈላለየ ዕዮታት ክሰርሕ ስልጣን ዝተዋህቦ እዩ ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምፍራም ዝተፈላለየ ሰነዳት ዝምስክር ሰብ እዩ ። ስለዚ ፡ ክታም ናይቲ Justice of the Peace ፡ መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ሕጋዊ ሰነድ ክምስክሩ ዘድልዮም ሰባት እዩ ዝድለ.”

ጂፒታት ብሕብረተሰብ ዝእመኑ ኣባላት ኮይኖም ብናይ ውልቀ ግዝ ኣታዊ መንግስቲ ወይኻዓ ተሪቶርይ መንግስታት ብዝግበር ናይ መመልከቲ ከይዲ እዮም ዝሽየሙ ።

ጂፕታት ንዝህብዎ ኣገልግሎት ክፍሊት ምቕባል ኣይክእሉን ። ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዝተበገሱ ወለንተኛታት እዮም ።

Dean Beck ሓደ ካብዚኦም ሰብ እዩ ። ንሱ ኣብ Victorian Pride Centre. ጂ.ፒ. ኮይኑ ናይ ዶኩመንትታት ምኽታም መተሓባበሪ እዩ ። ኣብቲ ዕዮ እቲ ንኺካፈል ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ይገልጽ።

((“JP ዝኾንኩ ኣቦይ Magistrate ስለ ዝነበረ ፡እዩ ፡ ኣብ ከባቢ ሕጊ እየ ዓብየ ክብል እኽእል።  ኣነ  ወትሩ ወለንተኛ እየ ። እዚ ኣካል እቲ ስድራ ቤትና እንህቦ ስነ ምግባር ስለ ዝነበርኩ ፡ተበጊሰ ። ከም ዝመስለኒ ማሕበራዊ ፍትሒ ፡ ፍትሓውነትን ማዕርነትን ፡ ኩሉ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ዘለኒ ፡ እዚ ኩሉ ጽቡቕ ባህርያት ናይ ጂ.ፒ. እዩ ።.”))

ኣብ መብዛሕትኡ ጉዳያት ፡ እቲ ሕጊ ፡ ክታምካ ናይ ሓቂ ምዃኑ ፡ እቲ ዝሃብካዮ ሓበሬታ ልክእ ከም ዝዀነ ፡ ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ቅዳሓት ምስቲ ናይ መጀመርታ ሓቂ ከም ዝዀነ ንምርግጋጽ ፡ ኣብ ገለ ሰነዳት ብጂ.ፒ. ክፍረም ዝሓትት እዩ ።
ብሓጺሩ ፡ ጂ.ፒታት ሕጋዊ ወረኣትኻ ብስሩዕ ክትሓዝ ዝገብር እዩ ።

“ጂ.ፒ.ታት ኣብ መረጋገጺ ሰነዳት መንነት ኣዝዮም ዝሰልጠኑ እዮም ። ኣብ ናይ ሕጊ ሰነዳት ንክታምካ ንምስክር ኢና ፡ ንቤት ፍርዲ ድማ ብቑዕ ምድላው ኣብ ትገብረሉ  ፡ ንኸምዚ እውን ከምኡ ክንምስክር ንኽእል ኢና ። ብዘይካዚ ፡ ከም እኒ ኣብህይወትና ሕክምናዊ ውሳነ ምግባር ፡ ነዚ ኽንምስክረሉ ፡ ከምኡ እውን መሰረታዊ ፍቓዱ ክንገብር ንኽእል ኢና ። ስለዚ ፡ እዚ ዓይነት ኣገዳሲ ሰነዳት ህይወት ንምርግጋጽ ንሰርሕ።.”
stamping a document
A JP can stamp your document to certify that it is a true and correct copy of your original document. Source: Getty / StockPlanets
ናይ መንነት ሰነድ ቅዳሕ መረጋገጺ ንምርካብ ከም ናይ መዘወሪ ፍቓድ ፣ ፓስፖርት ፣ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ፣ ናይ Medicare ካርዲ ወይ ኣካዳምያዊ መዛግብቲ ዝኣመሰሉ መበገስታት ክተቕርብ ከምዘለካ ሚስ ኣልሊ ትገልጽ ።

“ስለዚ ሓደ ሰብ ቅዳሕን ኦሪጂናል ሰነድን የምጽእ ብድሕርዚ እቲ ጂ.ፒ.  ብሓፈሻኡ 'እዚ ሓቀኛን ቅኑዕን ቅዳሕ ናይቲ ኣብ ጥቓይ ዝረኣየ ኦሪጂናል ሰነድ ምዃኑ መረጋገጺ እህብ' ዝብል ብ ሕጋዊ ሰነዳቶም ክታም የንብር ። እቲ ናይ ጂ.ፒ. ቍጽሪ  ከምኡ እውን ዕለት የጠቓልል።.”

ዓይነት ናይቲ ሰነድ ብዘየገድስ ፡ ሓደ ጂ.ፒ. መንነትካ ከረጋግጽ ኣለዎ - ስለዚ ፡ ከም ፓስፖርት ወይ መዘወሪ ፍቓድ ፡ ፎቶ ኣይዲ ከምጽእ ኣለዎ ።
Alan Leung [[Lee-OONG]] ብሞያ ኣኣካውንታንት እዩ ። ከም ክፍሊ ስራሑ ከኣ ፡ ቅድሚ ጀፒ ምዃኑ ንህዝቢ ዘድሊ ሰነዳት ብቐጻሊ ይምስክር ነበረ ።

“ኣብቲ ማሕበረሰብ ፡ እተመስከረሉ ሰነዳትን ኣዋጃትን ኰነ ኣዋጃት ምርካብ ፡ ዓብዪ ዕዮ ከም ዘድሊ ተገንዚበ እየ ። ስለዚ ፡ ጂ.ፒ. ምዃን ፡ ነቲ ዝነበረኒ ክእለት ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል ፡ ንዝሰፍሐ ህዝቢ ክሕግዝ ኣጋጣሚ ኸፊቱለይ እዩ ። ጂ.ፒ. ምዃነይ ነቲ  ማሕበረሰብ እንደገና ከበርክተሉ ኣጋጣሚ ይኸፍተለይ እዩ ። ከም ጂ.ፒ. ምዃን ድማ ፡ ባህ ዘብል እዩ.”

ክብ ኩሉ ሸነኽ ሰባት ናብ Mr Leung ብምቕራብ ዶኵመንቲታት ክመስከረሎም ካል ኦት ውን ንዝተፈላለየ ምኽንያት ይቐርቡ ።

“ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ባንክ ልቓሕ ንኽሓቱ ይደልዩ ፡ ሕድሪ ንምምስካር ፡ ለበዋ፡ ሓይሊ ናይ ኣኽባር ሕጊ ከቑሙ ፡ ክምርዖ ፡ ክፋትሑ ፡ መንነት ከረጋግጹ ይደልዩ እዮም ። ገሊኦም ናባይ ክመጹ ዝመርጹ ፡ ከምቲ ናቶም ቋንቋ ዝዛረብ ስለዝደልዩ እዩ። ኣብ ናተይ ዅነታተይ ከም ካንቶናኛ ዝኣመሰለ ሓደ ቛንቋ ዝዛረብ ፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ኣገልግሎተይ ዘቕርበሉ ጐረባብቲ ስለ ዘለዉ ጥራይ እዮም ።.”

ሓደ ካብቲ ጀፒ ክገብሮ ዝሕተተሉ ልሙድ ዕዮታት ፡statutory declaration ወይ ሕጋዊ ሰነድ ናይ ምስክር እዩ፡ እዚ ከም ናይ መድሕን/ኢንሹራንስ ካሕሳ ምምልካት፡ ወይ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝምልከት እዩ ።

እዚ እቲ ሓበሬታ ሓቅን ቅኑዕን ምዃኑ እትእውጀሉ ናይ ሕጊ ትእዛዝ እዩ ። እዚ ኣብ ቅድሚ ሓደ ከም ጂ.ፒ. ዝኣመሰለ ሓላፍነት እተዋህቦ ምስክር ክታሙ ከንብር ኣለዎ ።

እንተኾነ ጂ.ፒ.ታት ኩሉ "ቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ክፍርም ኣይክእልን" ዩ ይብል ሚስተር ለንግ ።

“ንኣብነት: ገሊኡ ሰነዳት ከም ኣዋጅ ሕጊ ብኻልእ ቋንቋ ኽንምስክር ኣይንኽእልን ኢና [ነቲ ቋንቋ ኣይንዛረብን ኢና] ። ዘይንፈልጦ ሰነዳት ወይ ኣነ ዘይፈልጦ ቋንቋ መረጋገጺ ክህብ ኣይንኽእልን ኢና ፣ ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሰብ ከይዱ ካልእ ቋንቋ ዝዛረብ ጂ.ፒ. ክንረክብ ንሓትት ኢና ። ወይ ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ ካብቲ ጂ.ፒ. ክገብሮ ዝኽእል ንላዕሊ ፡ ናይ ማህደረ-ትምህርቲ ጽሑፋት ዘድልዮ ሰነዳት ክህሉ ይኽእል እዩ ። ስለዚ ፡ ነቲ ሰብ ምስ Notary Public, ክራኸብ ፡ ተወሳኺ መምርሒ ኽንህቦ ኢና.”

Notary Public ፡ ዘይከም ጂ.ፒ. ፡ ሕጋዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዎን ዝያዳ ሓላፍነት ዝስከምን እዩ ፣ ነቲ ዝህቦም ኣገልግሎት ድማ ክፍሊት የኸፍል እዩ ።

ጂ.ፒ. እንተደሊኻ ፤ ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ነፍሲወከፍ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ ናይ ኦንላይን ህዝባዊ ረጂስተር ኣሎ ። 'ጂ.ፒ.' ንምርካብ ‘find a JP’ ኢልካ ኣብ ኢንተርኔት ምእላሽ ወይ ኣብቲ ናይ Department of Justice መርበብ ሓበሬታ ብምእታው ኣብ ጥቓ ካ ክትረክብ ይከኣል ።
Australia Explained – Justice of the Peace
You must sign a stat dec in the presence of an authorised witness such as a JP. Credit: MTStock Studio/Getty Images

ንኣብነት ፡ ኣብ መልበርን ፡ ፍሉይ ቋንቋ ዝዛረብ ጂ.ፒ. የድልየኻ ይኸውን ።

“ኩሉ ክትገብሮ ዝግበኣካ ‘find a JP Victoria’ ኢልካ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወይ ጉግል ግበር   ከምኡ 'ውን ኣብ ትደልዮ ቦታ ክትደሊ ትኽእል ፣ ከም ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ፡  ዝርከብ እንተኾይኑ ዋላ እውን ብስሙ ክትረኽቦ ትኽእል ። ስለዚ ፡ ጀይ.ፒ. እንተ ኣድልዩካ ፡ ኣብ መልበርን CBD ፡ ካንቶናኛ ይዛረብ ፡ እዚ ድማ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ይርከብ እዩ ። ስለዚ ፡ ቈጸራ ምእንቲ ክትገብር ፡ እቲ ወብ ሳይት ብቝጽሪ ቴሌፎን ዝርዝር ኣስማት ክህበካ እዩ ። ስለዚ ፡ ኣዝዩ ቀሊል እዩ.”

Male candidate signing the contract
You can search for a JP by location, availability, language and even name. Source: Getty / SrdjanPav

ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ግዝኣታት ቦታታት ማእከላት መኸተሚ ሰነዳትን ናይ ጂፒ መኸተም ጠረጴዛ ኣሎ። ኣብዚ ቆጸራ ኣድላዪ ኣይኰነን ።

ደያን ቤክ ኣብ ማእከል መፈረሚ ሰነዳት መልበርን ተተሓባብር እያ።
“ማእከላት መፈረሚ ሰነዳት  ኣብ ኩሉ ዓይነት ቦታታት ከም ኣብያተ-ንባብ ፡ ኮማዊ ማእከላት ፡ ኮማዊ ኣደራሻት ፡ መደበራት ፖሊስ ፡ ኣብያተ-ፍርዲ ኣለዉ። እቲ ኣብ St Kilda ኣነ ዝከታተሎ ኣብ ናይ ቪክቶሪያ ፕራይድ ማእከል ኮይኑ፡  ካብ መልበርን CBD ኣብ ውሽጢ 10 ኪ.ሜ. ዝርከብ እዩ፡ እዚ ኣብ ፖሊስ ጣቢያ ወይ ኣብ ናይ ሕጊ ቤት-ፍርዲ ዘይርከብ ናይ መፈረሚ ዶኩመንት ማእከል እዩ ።.”
እዚ ግብራዊ ኣማራጺ ነቶም ውሑስ ቦታ ዝደልዩ ፡ ሰነዳቶም ብጂ.ፒ.ክምስከረሎም ፡ክረጋገጸሎምን ዝደአልዩ እዩ ።

“ናብ መደበር ፖሊስ ወይ ቤት ፍርዲ ምእታው ዝኸብዶም ሰባት ኣለዉ ። ነቶም ከምኡ ክገብሩ ዘይደልዩ ድማ ፡ ዓሌቶም ፡ ጾታዊ ዝንባለኦም ፡ ኣተዓባብያኦም ብዘየገድስ ፡ ውሑስ ቦታ ንህቦም ኢና ። እዚ ቦታ እዚ ኩሉ ሰብ መጺኡ Justice of the Peace ዝረኽበሉ ውሑስ ቦታ እዩ ። ነዚ ድማ ኢና ንዅሎም ሰባት ከነገልግሎም እንደሊ ።.”




Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au.

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service