ምምላስ ምስ'ቲ እስላማዊ መንግስቲ ኢሉ ንባዕሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ምትእስሳር ዘለዎም 32 ደቀንስትዮን ህጻናትን ካብ ሶርያ፡ ኣብ ዙርያ ድሕነት ማሕበረሰብ ስክፍታታት ከልዕል'ንከሎ ኣብ ዙርያ'ቶም ንምምካት ጎነጻዊ ጽንፈኝነት (Countering Violent Extremism (CVE)) ተባሂሎም እቶም ተኣፈፍቲ ውልቀሰባት ክሳተፉሎም ዝግበኦም ንጥፈታት ክትዓት ኣልዒሉ'ሎ።
ኣብ ምምካት ጎነጻዊ ጥሩፍነትን ግብረሽበራን ዝሰርሕ ማሕበር፡ ፍረንሲስ ኮንሳልቲንግ ኤንድ ትራይኒንግ (Frenesis Consulting and Training)፡ ዋና ኣማኻሪት ዝኾነት ፔታ ሎው ንSBS Examines ከም ዝሓበረቶ እቲ ማሕበረሰብ ክሻቐል ምኽንያታዊ'ዩ ትብል።
"እቲ ካልእ ሓጋዚ ዝኾነ ግን ኣብ'ቲ ዕላልን ክትዕን ምሉእ ትርጉም ዝህብ ገለ መንጽር'ውን ምውሳኽ'ዩ፡ ንኣብነት ኣብ ዙርያ፡ እንታይ'ዮም ነዚ ንምክትታል ተቐሪቦምም ዘለዉ ነገራት? ሕጂ'ውን እዚኦም ሓደጋ ዝፈጥርሉ ክውንነት እንታይ'ዩ፧"
"ሕጂ ኣዝዩ ፖለቲካዊ'ዩ ዘሎ፡ እንተኾነ ግን እዚኦም ጥራይ ኣይኮኑን ቀዳሞት ተመለስቲ ናብ'ዚ ዓዲ ዘለዉና. . . እዚ፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ብልክዕ ገይርናዮ ኔርና. . . ዝብል ርድኢት'ውን ይሃልወና።"
ምክትል ዋና ጸሓፊ ምምካት ጎነጻዊ ጽንፈኝነት ኣብ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣሌክሳንደር ጎልዲ፡ ንSBS Examines ነቶም ኣብ ሓደጋ ጥሩፍነት ዝህልዉ መንእሰያት ተቐሪቦም ብዛዕባ ዘለዉ ስጉምቲታት ሓቢሩ።
"እቶም ውልቀሰባት ዘድልዮም እንታይ'ዩ ንፈልጥ፡ ኣገልግሎት ምኽሪ ድዩ፡ ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ትምህርቲ፡ ወይስ ስራሕ። ንነብሲወከፎም ነናቶም መደብ ንሰርዓሎም፡ ድሕሪኡ ደጊሞም ናብ ቅኑዕ መስመር ክምለሱ ዘድልዮም ውልቃዊ ደገፍ ንህቦም።" ክብል ሓቢሩ።
"ባህርያት ሰባት ካብ'ቶም ጸገም ዝፈጥሩ ባህርያትን ተግባራትን ወጺኦም ናብ'ቶም ጥዑያት ዝኾኑ ክንቅይሮም ንፍትን ኣለና።
ኣብ’ዚ ትሕዝቶ መደብ SBS Examines ከም’ዚ ኢልና ንሓትት፣ Countering Violent Extremism (CVE) ብልክዕ እንታይ’ዩ፣ ኣብ ኣውስትራልያ ኸ ብኸመይ ይትግበር፧






