SBS Examines: ምጽናት ዓሌት (Genocide) እንታይ እዩ፧

Copy of Podcast What is Genocide.png

Credit: SBS

ምጽናት ዓሌት (`ጀኖሳይድ``Genocide`) ከቢድ ዝኾነ ቃል'ዩ - "ናይ ገበናት ገበን" ተባሂሉ ተጸዊዑ'ዩ። መዓስ'ዩ ሓደ ገዚፍ-መጠን ዘለዎ ዓመጽ ወይ ጎነጽ፡ ጃምላዊ ቅትለት ዝኸውን፡ ንምንታ'ዩ ኸ እዚ ከተረጋግጾን መቕጻዕቲ ክትብይነሉን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ወይ ከቢድ ዝኸውን፧


ኣብ 1944፡ ፖላንዳዊ ጠበቓ ራፋኤል ለምኪን፡ ብኸፊል ከም ግብረመልሲ ንፍጻመ ሆሎኮስትን ቅድሚኡ ዝሓለፉ ታሪኻውያን ክስተታትን ብምባል 'ጀኖሳይድ' ዝብል ቃል ፈጢሩ።

ንሱ ነቲ ግሪኻዊ ቅድመ-ስም 'ጀኖስ'፡ ትርጉሙ ኸኣ ዘርኢ ወይ ዓሌት ዝኾነን፣ ላቲናዊ ድህረ-ስም 'ሳይድ'፡ ትርጉሙ ኸኣ ምቕታል ዝኾነን፣ ኣላጊቡ'ዩ ነቲ 'ጀኖሳይድ' ዝብል ቃል ፈጢሩ።

ካብ ምጉስጓስ ለምኪን ተብጊሱ'ዩ እምበኣር `ዋዕላ ምጽናት ዓሌት` (`Genocide Convention`) ኣብ 1984 ዝጸደቐ።

ልዕሊ 150 ሃገራት ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ከተምቲ/ተማእዘዝቲ ናይ'ዚ ዋዕላ'የን፡ እዚ ማለት ከኣ እዘን ሃገራት ገበን ምጽናት ዓሌት ንምክልኻልን ንምቕጻዕን ሓላፍነት ኣለወን ማለት'ዩ።

እንተኾነ ግን ኣማኢት ዝኾኑ ፍጻመታትን ኩነታትን ኣብ ትሕቲ'ዚ ትርጉም ምጽናት ዓሌት ዝኣትዉ ክንሶም፡ በጻብዕ ዝቑጸሩ ጥራይ'ዮም ሕጋዊ ተፈላጥነት ዝረኸቡ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ሕጋውን ረቛሒታት እዩ።

ሕጂ`ውን እንተኾነ፡ ንዘስካሕክሑ ዕንወታት ንምግላጽ 'ጀኖሳይድ' ዝብል ቃል ኣብ ጠቕሚ ክውዕል ብተደጋጋሚ ንሰምዖ'ዩ - ብመንጽር ወይ ትርጉም ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥራይ ዘይኮነ ማለት'ዩ።

ብዙሓት ክኢላታት እዚ ቃል ወይ ኣገላልጻ ብተወሳኺ ንሓዘንን ተቓውሞን ኣብ ምግላጽ`ውን ክጠቅም ከም ዝኽእል ይሰማምዑ።

“እዚ ንዝተፈላለዩ ተሞክሮታት ክቱር ዓመጽ፣ ትርጉም ዝወሃበሉ ኣገባብ ወይ መንገዲ ይኸውን፡" ትብል ቫሱኪ ነሳያህ (ፕሮፈይሰር ምጥባቕ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕጊን ኣብ ኒው ዮርክ ዩኒቨርሲቲ)።

እዚ መርመራዊ ትሕዝቶ SBS Examines (ኤስቢኤስ ኤግዛሚንስ) ኣካታዒ ታሪኽ ኣመጻጽኣ ገበን ምጽናት ዓሌት ዝፍትሽን እዚ ቃል ኣብ'ዚ እዋን ከመይ የገልግልን ዝምልከትን'ዩ።

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
SBS Examines: ምጽናት ዓሌት (Genocide) እንታይ እዩ፧ | SBS Tigrinya