Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE starting June 12 2026

ናብ ሓኪም እንስሳ (veterinarian) ኣብ ትበጽሕሉ ዝጽበየኩም ኩነታት፡ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Dog at vet

Regular visits allow veterinarians to pick up subtle changes in your pet. Credit: Evervet

ኣዘውቲርካ ናብ ሓኪም እንስሳ ምኻድ ፡ ትውንኖ እንስሳ ጥዑይን ሕጉስን ክኸውን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ሓኪም እንስሳ እንታይ ክትጽበ ከምዘለካ ፤ ካብቲ ልሙድ ምርመራታትን ክታበታትን ንድሕንነት ናይ ገዛ እንስሳኻ ብኸመይ ክትኣልዮ ከምዘለካ ምኽሪ ርኸብ ።


Published

By Phil Tucak

Presented by Melissa Compagnoni

Source: SBS




Share this with family and friends


ኣዘውቲርካ ናብ ሓኪም እንስሳ ምኻድ ፡ ትውንኖ እንስሳ ጥዑይን ሕጉስን ክኸውን ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ሓኪም እንስሳ እንታይ ክትጽበ ከምዘለካ ፤ ካብቲ ልሙድ ምርመራታትን ክታበታትን ንድሕንነት ናይ ገዛ እንስሳኻ ብኸመይ ክትኣልዮ ከምዘለካ ምኽሪ ርኸብ ።


ናይ ገዛ እንስሳኻ ናብ ሓኪም እንስሳ ምውሳድ ኣገዳሲ ኮይኑ?

ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ዝኸውን ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ስድራ ቤታት ፡ እንስሳ ዘቤት ስለ ዘለወን ፡ ናይ ገዛ እንስሳ ከም ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ስድራ ቤት እዮም ዝቝጸሩ ፣ ን ኣብነት ቨራ ስቺቶ ትውንኖ ወዲ 13 ዓመት ላብራዶር ቾኪ ዓይነት ከልቢ እዩ ።

"100 ሚእታዊት ንሱ ካብ ሓደ ኣባል ስድራ ቤት እዩ ። ንሱ ከም ስድራ ቤት ዘይኰነስ ፡ንሱ ስድራ ቤት እዩ! "ትብል ሚስ ስቺቶ ።

ሓላፍነታዊ ወናኒ እንስሳ ገዛ ምዃን ማለት ነቲ ኣባል ስድራቤትኻ ዝኾነ እንስሳ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ክሊኒክ እንስሳ ምውሳድ ማለት ስሩዕ ጥዕናዊ መርመራታት ምግባር ማለት እዩ ።

Australia Explained - Veterinarian
Nearly three quarters of Australian households have a pet. Credit: janiecbros/Getty Images

እንስሳ ገዛ ዘለዎም ናይ ጥዕና ጸገማቶም ኣብ ምሕባእ ክእለት ኣለዎም፡ ትብል ዶ/ር እንስሳ ዲያና ባርከር ።

"ስለዚ ፡ ኣዘውቲርካ መርመራ ምግባር ፡ ነዚ ዘይትርእዮ ረቂቕ ለውጥታት ንቑሕ ክገብሮ ይኽእል እዩ ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ለመናኻ ዘሎ ክንክን ክትከላኸል እትኽእለሉ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ ።"

ናይ ምክልኻል ሕክምና ማለት ክታበታት ፡ ሕማማት ቅድሚ ምፍጻሞም ንምክልኻል ክንክን ስኒን ፡ ከምኡ "ውን ዝኾነ ምልክታት ሕማም ብኣጋኡ ንምልላይ ዝግበር መርመራ የጠቓልል ።

"ምስ ናይ ከባቢኻ ቬት (ሓኪም እንስሳ) ርክብ ምግባር ፡ ነቲ ኣብ እስሳ ገዛኻ ዘሎ ልማድካ ናብቲ ቬት ንምኻድ ዝዀነ ይኹን ጸቕጢ ወይ ጭንቀት ንምንካይ ይሕግዝ እዩ ። ስለዚ ፡ ኣብዝሓምሉ እዋን ካብ ምምጻኦም ንላዕሊ ፡ ቍሩብ ክለምድዎ ይኽእሉ እዮም "ትብል ።

ናብ ሓኪም እንስሳ ኣብ ትኸደሉ እንታይ ምድላው ክትገብር ኣለካ?

ኵሉ እቲ ዘተሓሳስበኻ ነገራት ኽትርስዖ ቀሊል እዩ ይብል ሓኪም እንስሳ ዶ/ር ርያን ኦንግ ።

"እንተኽኢልካ ኣቐዲምካ ፈትኖን ጽሓፎን ፣ ለውጢ ጠባያት ፣ ኣመጋግባ ፣ ናይ መስተ ኣመላት ፣ ከምኡ 'ውን ዝኾነ እንስሳኻ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወስዶም መድሃኒታት ፍለጦም ።"

ቆጸራ ክትሕዙ ከለኹም ፡ ምኽንያት መምጽኢኹም ግለጹ ፡ ከምቲ ሚስ ስቺቶ ዝገለጸቶ ድማ እቲ ክሊኒክ ናይ እንስሳኹም ፍሉይ ድሌት ከም ዘለዎ ኣፍልጥዎ ።

"እዚ ነቲ እንስሳ ገዛና ናብ ውሽጢ ማኪና ንኽንኣትዎን ንኽንወጽኦን ዝሕግዘና ክከውን ይኽእል ፡ ወይ ከኣ ኣብ መጸበዪ ቦታ ዝያዳ ቦታ ምርካቦም ንምርግጋጽ ፡ እዚኣቶም ኣብ ክልኒክ እንስሳ ክመጹ ኸለዉ ብእተኻእለ መጠን ኣወንታዊ ተመክሮ ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ብዙሕ ኽሕግዙና ዝኽእሉ እዮም ።"

Vera Szito and Choccy
Vera Szito with Choccy the Labrador. Credit: Vera Szito

እተፈላለዩ ዘርኢ ንዘይፈልጥዎ ከባቢ ኽዋጽኡሉ ዝኽእሉ መገድታት ክህሉ ከም ዝኽእል ዶክተር ባርከር ይገልጽ ።

"ድሙ እንተ ኣልያትካ ፡ ደማሙ ኣብ ከባቢኣ ብዙሓት ኣኽላባት እንተ ኣልዮም ፡ ቍሩብ ትጭነቕን ትርበሽን እያ እሞ ፡ ኣብ ጸጥ ዝበለ ግዜ ኽትምዝግብ ትኽእል ኢኻ ።"

ኣብ ክሊኒክ እንስሳ ምስበጻሕካ እንታይ እዩ ዝኸውን?

ኣብኡ ምስ በጻሕካ ፡ ናብቲ ተቐባሊ ጋሻ ቅረብ ።

ዶ/ር ባርከር "ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ሕክምና እንስሳ ዘሎ ሰብ ንእንስሳታት ከም ዝፈቱ ዘክር ስለዚ ፡ ንእእንስሳኻ ክሓቕፉን ዝበለጸ እንታይ ከምዝፈቱ ዝገልጽ መምርሒታት ንምስማዕ ኣዝዮም ሕጉሳት እዮም ።

"ንኸልብካ ኣብ ሚዛን ሰቒልካ ኽትምዘን ይሓትቱኻ ይዀኑ ፣ ደማሙ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ምኽሪ ዝወሃበሉ ክፍሊ እየን ዚምዘና ።"

ኣብ ክፍሊ ምኽሪ ምስ ኣተኻ ፣ እቲ ቬት ናይ እንስሳኻ ኣካላዊ መርመራ እናገበረ ሕቶታት ክሓተካ እዩ ።

"እዚ ከኣ ኣዒንቲ: እዝኒ: ኣስናን: ቆርበት: መላግቦ: ሙቐት: ስቴተቶስኮፕ ተጠቒሞም ልቦምን ሳንቡእን ምስማዕ: ከምኡውን ውሽጣዊ ስምዒቶም ዘይስሩዕ እንተ ኰይኑ ንምፍላጥ ዘኽእለና ናይ ከብዶም ስምዒት ምርኣይ የጠቓልል" ብምባል ዶክተር ባርከር ይገልጽ ።

ብተወሳኺ ቆጸራኻ ብዛዕባ ጥዕና እንስሳኻ ዘሎካ ሕቶ ንኸተለዓዕል ኣጋጣሚ ዝፈጥር እዩ ። እቲ ቬት ምሳኹም ብዛዕባ ሕክምና ዘሎ ኣማራጺታት ክገልጽ ይኽእል እዩ ፣ እዚ ከኣ ተወሳኺ መርመራ ወይ ገለ ናይ መድሃኒት ፈተናታት ከጠቓልል ይኽእል ።

ድሕሪ እቲ ምኽሪ ፡ እቲ ሓኪም እንስሳ ፡ ነቲ ዘድሊ ወረቐት መአዘዚ መድሃኒታት ከምኡውን ኽትከፍለሉ ኣብ እትኽእል ቦታ መቐበሊ ኣጋይሽ ይመርሓካ ።

A cat being assessed by veterinary staff
The vet will perform a physical examination of your pet. Credit: Evervet

ምስ ናይ ገዛ እንስሳኻ ዝተሓሓዝ ሃንደበታዊ ኩነታት እንተተፈጢሩ እንታይ ክትገብር ኣለካ?

እንስሳኻ ሃንደበታዊ ሕማም ወይ መጒዳእቲ እንተወሪድዎ እሞ ፍሉይ ዝኾነ መሳርሒ ዘለዎ ናይ ህጹጽ ሕክምና ማእከላት እንስሳ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ይርከቡ ።

ከምቲ ዶ/ር ኦንግ ዝገለጾ ፡ እዚ ዝስዕብ ከጠቓልል ይኽእል እዩ ፦ "ሓደጋ ወይ መጕዳእቲ ወይ ተምላስ ፡ ብርቱዕ ውጽኣት ፡ ጸገም ምስትንፋስ ፡ ምንፍርፋር ፡ ውድቀት ፡ ወይ ድማ ምናልባት እንስሳኻ መርዛም ነገር በሊዑ ከይከውን ትጥርጥር እንተ ዄንኻ ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ተመን መንከስቲ ኩሉግዜ ብህጹጽ ክንሕዞ ዝግባእ ጉዳይ እዩ ።
Dr Ryan Ong

"ብዘይካ እቲ ኩሉ መሳርሒታትን መሳለጥያታትን ፡ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ሆስፒታላት ብናይ እንስሳ ነርሳትን ብፍሉይ ኣብ ህጹጽነትን ጽንኩር ክንክንን ዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት ዘለዎም እዮም"

ብዛዕባ እንስሳኻ ህጹጽ ሻቕሎት እንተ "ልዩካ ፣ ምኽሪ ንምርካብ ናብ ማእከል ህጹጽ ሕክምና እንስሳ ምድዋል ከምዘድሊ ዶ/ር ኦንግ ሓሳብ የቕርብ ። ከምኡ "ውን ናብቲ ሕክምና ብኸመይ ከምትበጽሕን ብደሓን እንስሳኻ ብዘይ ጸገም ከምተብጽሕን ይመኽሩ ።

"ብሓፈሻኡ ፡ ድሙን ንኣሽቱ እንስሳታትን ኣብ ዉሑስ ሳንዱኽ ክዀና ኣለወን ፣ ብዘይካዚ ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጽወሪ ፡ ንኽትሃድእ ዝሕግዝ ፈኲስ ዓለባ ክትሽፍኖም ትኽእል ኢኻ ። ንኣኽላባት ፡ ብሓደጋ ወይ መስበርቲ ኣጋጢምዎም ምኻድ እንተ ስኢኖም ፡ ከም ቃሬዛ ኮቦርታ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ ። "

Vet emergency centre
In an emergency, staff will triage your pet to determine how severe things are. Credit: WAVES

ኣብ ማእከል ሕክምና እንስሳ ድንገተኛ ምስ በጻሕካ ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ፡ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምፍላጥ ፡ ክሓቱኻ እዮም ።

"መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣዝዮም ዝሓመሙ እንስሳታት መጀመርታ እዮም ዝርኣዩ: ስለዚ በቲ ዝመጻእካዮ ተራኻ ክኸውን ግድን ኣይኰነን ። እቲ ሓኪም እንስሳ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ዘተሓሳስቦ ነገር እንተሃልዩ ድማ ፡ ብቐጥታ ናብ ሕክምና ዝግበሮ ክወስድ ፍቓድ ካባኻ ክሓቱ እዮም ።

"ሓደ ሓደ ግዜ ካብ እንስሳኻ ምርሓቕ ቁሩብ ዘሰክፍ ክኸውን ከም ዝኽእል እፈልጥ እየ ፡ እንታይ ክገብሩ ከም ዝደልዩ ግን ንእንስሳኻ ከም ዝከናኸንዎ ምግባር እዩ ፡ ዘድሊ ክንክን ብምግባር ካብ ዝዀነ ይኹን ቃንዛ ኸተናግፎም ትኽእል ኢኻ ።"

እቲ ሓኪም እንስሳ ፡ ንዝዀነ ዝተረኽበ መርመራታት መርመራን ሕክምናን ፡ ከምኡ ድማ ትጽቢት ዝግበረሉ ወጻኢታትን ክገልጽ እዩ ።

ንሕክምና እንስሳ ዝወጽእ ወጻኢታት መን'ዩ ዝኸፍሎ?

ከም ወናኒ እንስሳ ገዛ መጠን ምስ እንስሳኻ ዝተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ወጻኢታት ፡ እንተላይ ክፍሊት ናይቲ ኣብ ቤት ሕክምና እንስሳ ትኸዶ ክፍሊት ናትካ ናይቲ ወናኒ እንስሳ ሓላፍነት እዩ ።

ክፋል ናይቲ ናይ ገዛ እንስሳ ምውናን ሓደ ሓደ ሓደ ግዜ ነገራት ብውሑድ ክትጽበዮም ከለኻ ዘይሓሰብካዮ የጋጥሙኻ እዮም ። ምስ ስድራቤትኻ ብምዝርራብ ብዛዕባ ናይ እንስሳኻ ገንዘባዊ ሓላፍነት ውጥን ክህልወካን ነዚ ወጻኢታት እዚ ብኸመይ ከም እትኸፍሎ ምዱብ ገንዘብ ክህልወካ ይግባእ ።
Dr Diana Barker

ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ እንስሳኻ ንከተጥፍኦ እትኽእል ነገራት ሕጽረት ገንዘባዊ ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ ፡ ነዚ ብኣኽብሮት ንሰራሕተኛታት ሕክምና እንስሳ ኸተፍልጦም ኣሎካ ።

"ሰራሕተኛታት ሕክምና እንስሳ ብዛዕባ እንስሳ ገዛ ኣዝዮም ሓለይቲ እዮም ። ሕያውነት ዝመልኦን ብኣኽብሮት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ እቶም ናይ ገዛ እንስሳ ሃኻይምና ኣብ ክንክን ከተኵሩ: ብንጹር ድማ ምሳኻትኩም ተሓባቢሮም እቲ ዝበለጸ ውሳነ ናይ እንስሳኹም ንኽገብሩ የኽእሎም "ይብል ዶ/ር ባርከር ።

ናይ ገዛ እንስሳ መድሕን ንኣገልግሎታት ሕክምና እንስሳ ዝወጽእ ወጻኢ ንምሽፋን ዝሕግዝ ካልእ ኣማራጺ እውን እዩ ። ነቲ ዘይተሓስበ ሕክምናዊ ውሳነታት ዘምጽኦ ስምዒታዊ ጸቕጢ እውን ኸቃልሎ ይኽእል እዩ ።

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.

Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now