ኣወሃሃድቲ ኣድማ፣ ኣንጻር ወረቐት ዘይብሎም መጻእቲ ኢና ንቃወም ዘለና ይብሉ፣ እንተኾነ ግን ገሊኦም ካልኦት ምኽንያታት’ውን ከላግብሎም ደልዮም ከስፍሕዎ ይደልዩ።
ኣብ’ቲ ንዘይተመዝገቡ ወይ ወረቐት ዘይብሎም ዝዓለመን ህይወታት ዝቐዘፈን ኣሽሓት ክሃድሙ ዘገደደን ጎስጓስ፣ ኣንጻር-ወጻእተኛታትን መጻእትን ዝካየዱ ተቓውሞታት ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስፋሕፊሖም ኣለዉ።
What's behind South Africa's deadly anti-immigrant protests?
ፖሊስ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝበዝሑ ኣድማታትን ተቓውሞታትን ሰላማውያን ኔሮም ክብሉ ገሊጾም፣ እንተኾነ ግን ከባቢ 900 ሰባት ቅድሚኡ ሰሉስ ተታሒዞም ኔሮም።
ሃገራዊ ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ’ታ ሃገር ተቤሎ ሞሲኪሊ ካብ’ቶም 120 ምረሻታት፣ 108 ዝኾኑ ሰላማውያን ኔሮም፣ 12 ምትእትታው ፖሊስ ኣድልይዎም፣ እቶም ምኽንያታት’ቶም ዝተታሕዙ ሰባት ድማ ጥሕሰታት ኢሚግረሽን፣ ዕግርግር ኣብ ቃልዕ፣ ምዕቋብ ምዝጉባት ዘይኮኑ መጻእትን ስርቂን’ዮም።
ኣብ ካልእ ዝተፈልየ መግለጺ፣ ፖሊስ ሓደ ሰብ ኣብ’ቶም ነበርቲ ብወጻእተኛታት ዝውነኑ ደዃኩን ዝዘርፉሎም ዝነበሩ፣ ሻውል ኣሌክሳንድራ ታውንሺፕ ናይ ከተማ ጆሃንስበርግ ድሒሩ ብተኲሲ ተቐቲሉ ኢሎም።
ኣብ’ታ ወደባዊት ከተማ ደርባን፣ ፖሊስ ድሮ’ቶም ኣድማታትን ምረሻታትን ካብ ሻምናይ ደርቢ ናይ ሓደ ህንጻ ዘሊሉ መይቱ ዝተባህለ ሓደ ወጻእተኛ፣ ኣብ ዒላማ ኣትዩ ኔሩ ዝብል እምነት ብምሕዳር፣ መርመራ ከፊቶም ኣለዉ።
ኣብ ክሌርሞንት፣ ካብ ደርባን ውጽእ ኢላ ትርከብ፣ መሓመድ ዓብዱል መሸጣ ንግዱ ብሓደ ጉጅለ ኣድመኛታት ዒላማ ኮይኑ ኔሩ ኢሉ።
"ንሕና ኣብ’ዚ ሃገር ዘይሕጋውያን ኣይኮንናን፣ ግን ሱቕ ኢሎም ምዝማት ጀሚሮም። ፈሪሐን ክሕደት ዝተፈጸመኒ ኮይኑ ተሰሚዑኒን፣ ምኽንያቱ 19 ቁጹራት ሰራሕተኛታት ኔሮሙና፣ ሎሚ ግን ስራሕ ዝበሃል የብሎምን፣” ክብል ንወኪል ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ።
ናብ ጸረ-ወጻእተኛታት ተቓውሞታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘምርሑ እንታይ’ዮም፧
እቶም ተቓውሞታት ዝተላዕሉ፣ ወጻእተኛታት ካብ ገዝኦም ክወጹ ዝተደፍእሉን ንግድታቶምን ኣባይታቶምን ዝተዘመትሉን ዓለምለኻዊ ነቐፌታት ዝሰሓቡ ናይ ኣዋርሕ ዕግርግራት ተኸቲሎም’ዮም።
እዚ ሓደ ጸረ-መጻእትን ወጻእተኛታትን ጎስጓስ ዘካይድ ጉጅለ ነቶም መንበሪ ፈቓድ ወረቐት ዘይብሎም ወይ ዘይምዝጉባት መጻእቲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክወጹ “ገደብ ግዜ” ኣብ ዘቐመጠሉ’ዮ ዝመጽእ ዘሎ። ሰብመዚ ጥራይ’ዮም ሕግታት ኢሚግረሽን ከተግብሩ ዝኽእሉ ብምባል እቲ ገደብ ግዜ ብመንግስቲ’ታ ሃገር ተነጺጉ’ዩ።
ናብ’ቲ ገደብ ግዜ ኣብ ዘምርሑ ዝነበሩ እዋናት፣ ሓደ ወዲ ማላዊን ክልተ ሞዛምቢካውያንን ወሲኽካ፣ ብውሑዱ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም። መንግስቲ ሞዛምቢክ፣ “ሓሙሽተ ሞታት ቀጥታዊ ውጽኢት ናይ’ቶም ጽልኢ ወጻእተኛታት ዘንቀልዎም (ዜኖፎቢክ) መጥቃዕታት” ኮይኖም፣ ሸውዓተ ዜጋታት’ታ ሃገር ኣብ ቀረባ መዓልታት መይቶም ይብል።
ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ክልተ ሞዛምቢካውያን ዜጋታት ጥራይ’ዮም ተቐቲሎም፣ ክልቲኦም ድማ ብሰንኪ ካብ’ቶም ማህረምታት ዘጋጠምዎም መጉዳእትታት ክብል ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
ከባቢ 25000 ዜጋታታት ካልኦት ሃገራት፣ ዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን፣ ካብ’ታ ሃገር ድሮም ወጺኦም ኣለዉ፣ ብመሰረት ፖሊስ’ታ ሃገር።
ሓደ ካብ’ቶም ንወረቐት ዘይብሎም መጻእቲ ዝቃወሙ ቀንዲ ጉጅለታት ማርች ኤንድ ማርች ዝበሃል’ዩ። መራሒኡ፣ ጃሲንታ ን’ቆቤሲ-ዙማ፣ “ንዝመጹ ሽዱሽተ ኣዋርሕ” ናይ’ታ ሃገር “ሃገራዊ ሃብቲ ንዘይሕጋውያን መጻእቲ ካብ’ታ ሃገር ኣብ ምውጻእ ክውዕል፣” ጠለብ ኣቕሪባ።
"ካብ ህንጻ ናብ ህንጻ፣ ክኸዱ ኣለዎም።” ኢላ።
እቶም ጸረ-ወጻእተኛታት ጉጅለታት እንታይ’ዮም ዝብሉ ዘለዉ፧
ከም በዓል ማርች ኤንድ ማርች ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ነቶም ወረቐት ዘይብሎም ወይ ዘይምዝጉባት መጻእቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሽቕለተኣልቦነት ንላዕሊ ይደፍእዎ ኣለዉ ክብሉ ይኸስዎም - ኣብዝሓ ህዝቢ ናይ’ታ ሃገር ብሓባር ዘለዎም ኣረኣእያ’ዩ። ሓደ ብኣፍሪቃዊ መርበብ ምርምር ኣፍሮባሮሜትር ዝተኻየደ መለክዒ ርእይቶ ህዝቢ ሸውዓተ ካብ 10 ደቡብ ኣፍሪቃውያን ንቁጠባዊ ጽልዋ መጻእቲ ወይ ኢሚግራንትስ ብኣሉታ ይርእይዎ ክብል ደምዲሙ።
ጸረ-መጻእቲ ዝኾኑ ጉጅለታት ብተወሳኺ ንዘይሕጋዊ መጻእቲ ንከም በዓል ልዑል መጠን ገበን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ጸገማት ተሓተትቲ ይገብርዎም።
ንጊዝወ ምቹኑ ዝተባህለ ሓደ ካብ መራሕቲ ተቓውሞ፣ ንምስፍሕፋሕ ዘይሕጋውያን ዕጽታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ንዘይሕጋውያን መጻእቲ ከምዘላግበሎም ንኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሩ።እቶም ቁጽርታትን ኣሃዛትን ፍልሰት ወይ ምምጻእ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንታይ የመልክቱ፧
እቶም ቁጽርታት ግን ፈጺሞም ካልእ’ዮም ዘመልክቱ።
ሓደ ብስታትስ ኤስ ኤ ዝተኻየደ መለክዒ ርእይቶ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኣሃዛት ወይ ስታቲስቲክስ ኣብ 2023, 3.1 ሚልዮን መጻእቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝነበሩ ኣመልኪቱ፣ ምስ ከባቢ 4.1% ናይ’ቲ ብዝሒ ህዝቢ ዝመጣጠን ማለት’ዩ፣ እዚ ቅድሚ 10 ዓመት ካብ ዝነበረ 5.6% ዝተሓተ ምዃኑ’ዩ።
ጎስጎስቲ እቲ ቁጽሪ ወረቐት ዘይብሎም ወይ ምዝጉባት ዘይኮኑ መጻእቲ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን ይብሉ።
ብኻልእ ወገን፣ ሓደ ናይ ቀረባ መጽናዕቲ ብተመራመርቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ዘ ዊትዎተርስትራንድ ኣብ ጆሃንስበርግ ኩሎም’ቶም ስራሓት ወጻእተኛታት ነቶም ስራሕ ዘይብሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን እንተዝርከቡ ወይ እንተዝወሃቡ ኔሮም፣ መጠን ሽቕለተ ኣልቦነት ብ6% ጥራይ ምጎደለ ኔሩ ይብሉ፣ ካብ 43.6% ናብ 37.6% ማለት’ዩ።
ጸብጻብ ዓለማዊ ባንክ 2018 ብተወሳኺ ንነብሲ ወከፍ ወጻእተኛ ዝቑጸር፣ ከባቢ ክልተ ሽቕለታት ወይ ስራሓት ንደቡብ ኣፍሪቃውያን ብመንገዲ ንጥፈታት ንግዲ ከምዝፍጠሩ ኣመልኪቱ።
ፖሊስ’ታ ሃገር ኣሃዛት ዜግነታት ዝተፈርዱ ገበነኛታት ኣይዝርግሕን’ዩ፣ ቁጽሪ እሱራት ወይ ቅዩዳት ቤት ማእሰርቲ ካብ ክፍሊ ፍትሒ ኣብ 2017, 11,842 ወጻእተኛታት ኣብ ቤት ማእሰርታት ደቡብ ኣፍሪቃ ተታሒዞም ወይ ተሓይሮም ከምዝነበሩ ኣመልኪቱ፣ ከባቢ 6% ብዝሒ ኣብ ቤት ማእሰርታት የቑዉም ማለት’ዩ።
ዘንቆልቁል ዘሎ ቁጠባ ናይ’ታ ሃገር ከ ኣብ'ዚ ኣበርክቶ ኣለዎ ድዩ፧
ቁጠባ ናይ’ታ ሃገር ኣብ ቀረባ ዓመታት ከበድቲ ብድሆታት ከጋጥምዎ ጸኒሖም’ዮም። ልዕሊ ሓደ ሲሶ ናይ’ቲ ህዝቢ ስራሕ የብሉን ወይ ሽቕለተ ኣልቦ’ዩ፣ እዚ ድማ ካብ’ቶም ኣብ ዓለምና ዝለዓሉ መጠናት ይኸውን ማለት’ዩ።
ብገለ መለክዒታት፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ዘይምምዕርራይ ኣብ ዓለም ኣለዋ።
ክኢላታት ንገለ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፣ እዚ ቁጠባዊ ቅልውላው ነቲ ናብ መጻእቲ ዘቕንዐ ቁጥዐኦም ኣጓሃሂርዎ ይብሉ - እቲ ምኽንያት ግን ኣብ ካልእ ክህሉ ይኽእል’ዩ።
"መጻእቲ ናብ’ዛ ሃገር ብፍጹም ምኽንያት ናይ’ቶም ዘንቆልቆልሉ ኣገልግሎታትን እቲ ቁጠባን ኣይኮኑን፣ ግን ሰባት ነቲ ዝንባለኦም ዘራጉደሎም’ዮም ዝዝክሩ፣” ክትብል ሎረን ላንዳው፣ ፕሮፈይሰር ፍልሰት/ማይግረሽንን ምዕባለን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ኦክስፎርድ ንሮይተርስ ሓቢራ።
"እቲ ንሶም ዘይርእይዎ ነቲ ወጻእተኛታት ዘውፍርዎ፣ ዝነግድዎ ወይ ነቲ ቁጠባ ዘድልይዎ ዝቕርብዎ ሞያዊ ክእለት’ዩ።"
— ምስ ተወሰኽቲ ጸብጻባት ካብ the Associated Press ከምኡ'ውን Reuters።
ንውዑይን እዋናዊን ሓበሬታ ካብ SBS News ክትረኽቡ download our app ከምኡ'ውን subscribe to our newsletter።






