ኣብ ኣውስትራሊያ ውሽጢ ዘለዉ መናእሰይ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰነ ቀይድታት እናተኸፍሉ ስራሕ ክሰርሑ ይኽእሉ ሓፈሻዊ ናይ ስራሕ መሰላት ንመንእሰያት ሰራሕተኛታት ውሕስነት ዝህብን'ውን እዩ ። ከም ወላዲ ወይ ኣላዪ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ሰራሕተኛ መጠን ክትፈልጥዎ ዘሎኩም ነገራት ኣብዚ ትሕዝቶ ቐሪቡ ኣሎ ።
- ኣብ ኣውስትራሊያ ስራሕ ዝጅመረሉ ዕድመ መዓስ'ዩ?
- ቆልዑ ኣብ ሰዓታት ትምህርቲ ክሰርሑ ይኽእሉ ዶ?
- ቆልዑ ክሰርሕሎም ዘይፍቀደሎም ዓይነት ስራሓት ኣየኖት እዮም?
- ኣብ ናይ መዘናግዒን መወዓውዕን ስራሕት ንዝዋፈሩ ቆልዑ እንታይ ሕጊ እዮም ዘለዉ?
- ዉላደይ ትሕቲ ግቡእ ኣይክፈልን ኣሎ ኢለ ክጭነቕ ኣሎኒ ዶ?
- ዉሉደይ ኣብ ቦታ ስራሕ ንዝገጥሞ ጸገም ብኸመይ ክሕግዞ እኽእል?
ኣብ ኣውስትራሊያ ስራሕ ዝጅመረሉ ዕድመ መዓስ'ዩ?
ብዛዕባ ስራሕ ዝጅመረሉ ዕድመ፥ ነፍሲ ወከፍ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶሪን ስራሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ሕጊ ኣለወን ።
ንውላድኩም እንታይ ዓይነት ሕጊ ከምዘመልክቶ ንምፍላጥ, ኣብዚ ዝስዕ መርበብ ብጽሑ Fair Work Ombudsman’s webpage for young workers.
"ብፍላይ ኣብቲ ዝተሓተ ክሊ ዕድመ ስራሕ ዝምልከት ኣብ መርበብ ሓበሬታ minimum working age. ብምብጻሕ ክፍለጥ ይከኣል እዩ።
ኣናስታሺያ ኮሮኖ ኣብ Youth Law Australia ላዕለወይቲ ጠበቓ እያ "ኣብ መምሕድዳር ግዝኣትካ ወይ ኽልኻ ፡ ኣብ ምንታይ ክሊ ዕድመ ስራሕ ክትጅምር ከም እትኽእል ኽትምርምር ትኽእል ኢኻ ።" ትብል።

ቆልዑ ኣብ ሰዓታት ትምህርቲ ክሰርሑ ይኽእሉ ዶ?
ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ቆልዑ ስራሕ ምስ ሰዓታት ትምህርቲ ከይጋጮ ገደብ ኣለዎ ።
ብሓፈሽኡ ዕድሚኦም ንትምህርቲ ዝኣኸለ ቆልዑ ኣብ ንቡር ሰዓታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ስራሕ ክሰርሑ ኣይክእሉን ።
ኣብ ዘለኻዮ ናይ ግዴታዊ ናይ ትምህርቲ ዕድመ ኣብቲ ናትኩም መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶርይ ዘሎ ክፍሊ ትምህርቲ ክተረጋግጽ ዝበለጸ እዩ ።
ገለ ፍሉይነት ኣሎ ፣ ንኣብነት ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ዝወሃብ ትምህርቲ ።
ሚስ ኮሮኖ ነዚ ብኸምዚ ተብርሆ፡ "ኣብ ገዛኦም ኮይኖም ዝመሃሩውን እንተኾነ ኣብ ሰዓታት ትምህርቲ ክሰርሑ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ፡ ኣብ መምሕድዳር ግዝኣቶም ብዘሉ ሕጊ ዮም ዝቕየዱ።"
ፍልይ ዝበለ ነገር ድማ ንናይ ምሸት ስራሕ ዝምልከት እዩ ።
"ንኣብነት ፡ ወለዲ ፡ ወዲ 16 ዓመት ውሉዶም ክሳዕ ሰዓት ክልተ ንግሆ ኣብ ሓደ እንዳ ምግቢ (fast-food) ይዓዪ ከም ዘሎ ስለ ዝጨነቖም ፡ ሕቶታት የቕርቡ እዮም ።
ከም ሓቂ ግን ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ ነዚ ዝኽልክል ሕጊ የለን "በለት ።
ቆልዑ ክሰርሕሎም ዘይፍቀደሎም ዓይነት ስራሓት ኣየኖት እዮም?
ቈልዑ እተወሰነ ዕዮ ኽፍጽሙ ኣይፍቐደሎምን እዩ: እንተዀነ ግን ፍልይ ዝበለ ነገራት ኣብ ግብሪ ክውዕል ይኽእል እዩ: ኣብ ወስተርን ኣውስትራልያ ዩኒቨርሲቲ ኤዲት ካዋን ፕሮፌሰር ስራሕን ኢንዱስትሪን ዝዀነት ኬሪ ብራውን ከምዚ በለት: -
ህጻናት ፈኲስ ስራሕ ንኽሰርሑ ጥራይ ክፍቀደሎም ይግባእ ፡ ስለዚ ኣብ ናይ ህንጻ ኢንዱስትሪ ክሰርሑ ኣይክእሉን ።Professor Kerry Brown
ካልእ ብደረጃ ሃገር ዘሎ እገዳ ድማ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰራሕተኛታት ሽጋራ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ክሸጡ ኣይክእሉን እዮም ።
ፕሮፌሰር ብራውን ፡ "ንኣብነት ፡ ኣብ ገሊኡ ግዝኣታት ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ኸገልግሉ ዝኽእሉሉ ኣብያተ ንግዲ ክሰርሑ ይፍቀደሎም እዩ" ።

ኣብ ናይ መዘናግዒን መወዓውዕን ስራሕት ንዝዋፈሩ ቆልዑ እንታይ ሕጊ እዮም ዘለዉ?
ኣብ ዝዀነ ይኹን ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ኣወዓዋዕቲ ፡ ተዋሳእትን ሞዴላትን ክቝጸሩ ይኽእሉ እዮም ። እንተኾነ ግን ጽኑዕ ፍቓድ ንግድን ኢንዱስትሪን ዝጠልቦ ረቛሒታት ኣሎ ።
ፕሮፈሰር ብራውን ከም ትገለጾ ፡ ብዙሓት ኣብ መዘናግዒ ዝዓይዩ ቘልዑ ፡ ኣስራሕቲ ብዛዕባ ውሉዶም ዝሰርሕዎ ዕዮታት ዝርዝር ሓበሬታ ክረኽቡ ሕጋዊ ግዴታ ከም ዘለዎም ኣይፈልጡን እዮም ።
"ወለዲ ፡ እቲ ቘልዓ እንታይ ከም ዝርኢ ፡ እንታይ ከም ዝሰምዕን ኣብ ጸወታ ፡ ኣብ ፊልም ፡ ወይ ኣብ ምስኣል ስእሊ እንታይ ከም ዝገብርን ክሓቱ ኣለዎም ።"
ዉላደይ ግቡእ ኣይክፈልን ኣሎ ኢለ ክጭነቕ ኣሎኒ ዶ?
በጽሒ ሰራሕተኛታት ናይ ትሕተ ክፍሊት ግዳያት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ።
ሓደ ወላዲ ክገብሮ ዝኽእል ቀዳማይ ነገር ፡ ውላዱ እቲ ምስ ዕድመ ዝመጣጠን ዝተሓተ ክፍሊት ዶሞዝን ዝግብኦ መሰልን ይረክብ ከምዘሎን ምርግጋጽ ኣለዎ።
ናይ the Fair Work Ombudsman ዳይረክተር ሜድያ ዝዀነ ማቲው ራግጋት ፡ "ክፍሊት፡ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ወይ ብ ሰዓታት ስራሕ ዝኽፈል መጠን ደሞዝን ወሰኽን ንጹር እዩ" በለ ።
ኣብ ቦታ ስራሕ ምድላው ፡ ከም ስራሕ ከምዝቑጸር ምፍላጥ እውን ኣገዳሲ እዩ ።
ስራሕኩም ካብ ሰዓት 10 ቅ.ቐ. ዝጅምር እንተኾይኑ ፡ ሓለቓኹም ድማ ፡ ነቲ ድኳን ንምኽፋትን ንኽትዳለዉ ን ሰዓት 9.45 ክትኣትዉ ከም ዘድልየኩም እንተ ሃቲትኩም ፡ ነቲ ተወሳኺ ሰዓትውን ከምትኽፈሉ ከተረጋግጹ ኣለኩም ።Matthew Raggatt
ከምኡ "ውን ኩሉ ዝሰራሕኩምሉ ሰዓታት ከምዝተኸፈለ ክተረጋግፁ ይግባእ ፤ እዚ፡ ዝኾነ ስልጠናታትን ናይ ስራሕ ፈተናታትን ዘካተተ እዩ ።
"ኣብ ገሊኡ ኵነታት ፡ ደሞዝ ዘይክፈሎ መለማመዲ ክቐርብ ሕጋዊ እኳ እንተ ኰነ ፡ እዚ ግና ንሓጺር እዋን ጥራይ እዩ ዝፍቀድ ፣ እዚ ከኣ ካብ ሓደ ሰዓት ኽሳእ ሓደ እብረ ክዓዪ ይኽእል እዩ ።"
ኣስራሕቲ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊት ፡ ፓይስሊፕ ክህቡ ይግደዱ እዮም ፣ ይኹን እምበር ፡ ውሉድካ ናይ ገዛእ ርእሱ መዝገብ ክሕዝ ኣለዎ ።
"መዝገብ ዘይምሃዝ ነቲ ኣብ ቦታ ስራሕ ዘጋጥም ከም ትሕቲ ዝግባእ ስራሕ ምሃብ ዝኣመሰለ ጕዳያት ንኽትፈትሖ የጸግመካ እዩ" ብምባል ድማ ሚስተር ራጋት ይገልጽ ።
ነጥብታት ተቐምጠሉ መዝገብ ዝተፈላለዩ መገዲታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ ፣ ንኣብነት ፡ ናይ the Fair Work Ombudsman’s ኣፕ ‘Record My Hours’ ።
ኣስራሕቲ ብሓፈሻ ዕድሚኦም 18 ን ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዕድሚኦም ንዝኾኑ ሰራሕተኛታት ናይ ሱፐራኑዌሽን ውጽኢት ከኽፍሉ ከምዘለዎም ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ልዕሊ 30 ሰዓታት ዝሰርሑ እንተኾይኖም ጥራሕ ሱፐራኑዌሽን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ።

ዉሉደይ ኣብ ቦታ ስራሕ ንዝገጥሞ ጸገም ብኸመይ ክሕግዞ እኽእል?
ውሉድካ ኣብ ስራሕ ጸገም እንተ ኣጋጢምዎ ፡ ባዕሎም ክፈትሕዎ ኣይክእሉን እዮም ፣ ንስኻ እውን ናብቲ the Fair Work Ombudsman ከተመልክት ትኽእል ኢኻ ።
ከም ሃገራዊ ናይ ስራሕ ቦታ ተቖጻጻሪ መጠን ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ንዝወጹ ሕግታት ኣብ ዙርያ ክፍሊት ከምኡ "ውን ሓፈሻዊ ናይ ስራሕ ኩነታት ከተግብሩ ይኽእሉ ።
"ኣስራሕቲ ግቡኦም ብዘይምፍጻሞም ክንቀጽዖም ንኽእል ኢና ። እቲ ዘይሕጋዊ ባህሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ እንተበጺሑ ድማ ፡ ኣብ ቤት-ፍርዲ 'ውን ብምብጻሕ ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና "ይብል ሚስተር ራግጋት ።
ነቲ ዋላ Fair Work Ombudsman ክፈትሖ ዘይክእል ከም ምንሻው ወይ ቡሊዪንግ ዝ ኣመሰለ ሕጋዊ ምኽሪ ምርካብ ፡ ኣገዳሲ እዩ ።
ከምኡ "ውን ወለዲ ብዛዕባ ሕጊ ዝምልከት ን Youth Law Australia ክውከሱ ይኽእሉ'ዮም።
"ወለዲ ብዛዕባ ደቆም መሰሎምን ሓላፍነቶምን ኽርድኦም ክሕግዝዎም ነተባብዖም: ድሕሪኡ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ባዕሎም ኽፈትሕዎ ከም ዝኽእሉ ግብራዊ መምርሒ ኽህብዎም ነተባብዖም ።" ክትብል ኣናስታዥያ ኮሮኖ ካብ Youth Law Australia ምዒዳ።
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.
Do you have any questions or topic ideas? Email australiaexplained@sbs.com.au





