ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ግረይስ ቴም ኣውስትራልያዊት ናይ’ዚ ዓመት/ኣውስትራልያን ኦፍ ዘ ዪር ተባሂላ ድሕሪ ምስያማን ኣባል ሰራሕተኛ ሰልፊ ሊበራል ዝነበረት ብሪታኒ ሂጊንስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ወይ ፓርላመንት ሃውስ እናሰርሐት እንከላ ኣጋጢሙኒ ዝበለቶ ጾታዊ ዓመጽ ብቓልዕ ድሕሪ ምዝራባ ሓድሽ ኣትኩሮ ኣብ ልዕሊ ጾታዊ በደል ወይ ዓመጽ ፈጢሩ ቀንዩ። እንተኾነ ግን ካብ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ሓንቲን ካብ 20 ደቂተባዕትዮ ሓደን ኣብ ኣውስትራልያ ጾታዊ በደል/ዓመጽ ኣጋጢምዎም ወይ ካብ 15 ዓመት ዕድሚኦም ምፍርራሕ ኣጋጢምዎም፡ ዝበዝሑ [87%] በደላት ናብ ፖሊስ ኣይተጠርዑን ወይ ኣይቀረቡን፡ ካብኦም ዝወሓዱ ከኣ ናብ ገበናዊ ፍርዲ ይበጽሑ። ውጻእ መዓት’ዞም ዓመጻት ዝኾኑ ሰባት ንምንታይ’ዮም ፍትሒ ከይረኽቡ ብዙሓት መሰናኽላት ዝገጥምዎምን ነዚ ንምምሕያሽ እንታይ ክግበር ይከኣልን እዚ ጸብጻብ ክምልከት’ዩ።
Share





